ትራምፕ ናብ ሩስያ ኢዱ የወጣውጥ፡ ካብ ልቡ ድዩ ወይ ሚዛናዊ ንምምሳል?

ፕረዚደንታት ትራምፕን ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ዩክረይን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክሳዕ ዝብጻሕ፡ "መጠን ሰፊሕ እገዳን ቀረጽን" ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብጽኑዕ ከንብር ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ ሩስያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዩክረይን ኣብ ዓውደ ኲናት "ትሃርማ" ስለ ዘላ፡ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ንምውሳድ ክሓስብ ከም ዝቐሰቦ ሓቢሩ።

ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ናይ ቃና ለውጢ ከም ዘርኣየ ይፍለጥ። እቲ ፕረዚደንት ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ንፕረዚደንት ፑቲን ብምንኣድ ንመራሒ ዩክረይን ሰላም ክህሉ ከም 'ዘይደሊ' ክወቕሶ ጸኒሑ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ሰዓታት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ምስ ዩክረይን ንምዝታይ እምብዛ ይጽገም ከም ዘሎን፡"ንፑቲን ከም ዝኣምኖን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንመራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ 'ኦቫል ኦፊስ' ኣትሪሩ ነቒፉዎ። ቅድሚኡ መዓልታት'ውን "ውልቀ-መላኺ" ኢሉዎ ከይኣክል፡ ጀማሪ ኲናት ንሱ ምዃኑ ክወቕሶ ተሰሚዑ።

ኣብዚ ሰሙን ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዛትን ስለያዊ ሓበሬታታትን ደው ኣቢሉዎ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ሩስያ ነቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ጸዓት ዩክረይን ዘካየደቶ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተሰነየ ሓያል መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከተካይድ ሓጊዙዋ እንተዀይኑ፡ ንጹር ኣይኰነን።

እቲ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳን ቀረጽን ከንብር ከም ዝኽእል ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ ምዃኑ ይግለጽ።

ትራምፕ ብዓርቢ፡ "ንሳቶም [ንሩስያ] ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዩክረይን ኣይሂ ቦምባታት የዕልቡላ ኣለዉ. . . ኣነ ድማ ሓደ መግለጺ ኣውጺአ - ኣዝዩ ሓያል መግለጺ፡" ኢሉ።

እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ንሓገዝ ዩክረይን ደው ስለ ዝበለቶ ዝሰዓበ ድዩ ብምባል ዝተሓተተ ትራምፕ፡ ፑቲን "ኵሉ ሰብ ዝገብሮ፡" ይገብር ከም ዘሎ ገሊጹ።

"ንሳቶም [ዩክረይን] ፍታሕ ንምድላይ ክዛተዩ ድላይ ከም ዘለዎም ክፈልጥ እደሊ። ድሌት ኣለዎም ድዩ የብሎምን ድማ ርግጸኛ ኣይኰንኩን፡" ብምባል፡ ንምንታይ ኣመሪካ ነቲ ስጕምቲ ከም ዝወሰደት ምኽንያት ኣቐሚጡ።

ትራምፕ ኣብቲ ዓርቢ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ "ክሳዕ ተዅሲ ደው ምባልን ደምዳሚ ስምምዕ ሰላም ዝብጻሕን ሰፊሕ እገዳታት ባንክን ቀረጽን ከንብር እሓስብ ኣለኹ። ሩስያን ዩክረይን ካብቲ ደሓር ዝስዕብ ሳዕቤን ንምድሓን ሕጂ ናብ መኣዲ ሰላም ምጽኡ፡" ኢሉ።

እንተዀነ፡ እዚ ዓይነት እገዳን ቀረጽን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብኸመይ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ዩክረይን፡ ሩስያ ብዓርቢ ኣብ ጥቓ ዶነስክ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝመቱን 30 ከም ዝቘሰሉን ገሊጻ
መግለጺ ስእሊ, ዩክረይን፡ ሩስያ ብዓርቢ ኣብ ጥቓ ዶነስክ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝመቱን 30 ከም ዝቘሰሉን ገሊጻ

ሞስኮ ድሮ ኣብ ታሪኻ ዝዓበየ እገዳ ብምዕራባውያን ተነቢሩላ ኣሎ። ብዙሓት ካብ'ቶም እገዳታት፡ ኣብ ሰደድ ነዳድን ግምጃ ባጤራ ወጻኢን ዘተኰሩ እዮም።

ዛጊት እቲ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት እትረኽቦ ዝነበረት፡ ብዝጐደለ ዋጋ ንህንዲን ቻይናን ነዳዲ እናሸጠትን ብኸም ብዓል ካዛኪስታን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣቢላ ድማ ዘድልያ እናእተወትን ትኸይድ ኣላ።

ቻይና ትኽሕዶ እኳ እንተዀነት፡ ሩስያ ንዂናት ዩክረይን ንኽትዋጽኦ ቴክኖሎጅያዊ ሓገዝ ከም እትገብረላ ይግለጽ እዩ።

ምምሕዳር ዋሽንግተን፡ እቲ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጸቕጢ ኣብ ክንዲ ኣብ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጥራሕ ይግበር ከም ዘሎ ንዝወሃብ ነቐፈታታት ከስተብህልሉ ግድን እዩ። ስለዝዀነ፡ እዚ ምፍርራሕ ትራምፕ ንሩስያ ሚዛናዊ ንምምሳል ዝግበር ፈተነ'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ጸገም፡ ኣብቲ ፕረዚደንታት ትራምፕን ፑቲንን ዘካየዱዎ "ነዊሕን ውጽኢታውን" ዝተባህለሉ ናይ ተለፎን ዝርርብ፡ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝዘተዩን ኣብ ምንታይ ከም ዝተሰምምዑን ዝፍለጥ የሎን።

ፕረዚደንት ፑቲን ዛጊት ኣብ ፍቕያ ኮፍ ኢሉ ተዛንዩ የማዕዱዎ እዩ ዘሎ፣ ኣመሪካን ኤውሮጳን ምስምማዕ ስኢነ ክርኢ ዘስተማቕሮ ኵነት እዩ። ምስቲ ዝረኽቦ ረብሓ ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ ብኣመሪካ ክስላዓሉ ዝኽእል ቀረጽ ከሸግሮ ተኽእሎ የብሉን።