ኤሊሳ ስሎትኪን፡ ንትራምፕ ዝሞጎተት ቋንቋታት ዓረብን ስዋሂሊን እትዛረብ ሰነተር

ሰነተር ኤሊሳ ስሎትኪን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰነተር ኤሊሳ ስሎትኪን

ካብተን ኣብ መንጐ ዲሞክራትን ሪፐብሊካንን ዝገላበጥ መርገጽ ዘለወን ብ'ስዊንግ ስቴትስ' ዝፍለጣ ሓንቲ ዝዀነት ምሺጋን መንበር ሰነት ኣመሪካ ዓወት ዝተዓወተት ዲሞክራት ሰነተር ኤሊሳ ስሎትኪን ኣብዚ እዋን ኣዛራቢት ኰይና ኣላ።

ንሳ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሓባራዊ ኣኼባ ኮንግረስ ንዝሃቦ መደረ ምላሽ ሰልፊ ዲሞክራትስ ዘቕረበት ኰይና፡ ነቲ ሓድሽ መሪሕነቱ ብ "ህውከትን ዕግርግርን" ከሲሳ።

"ንመሪሕነት ኣመሪካ ከም ሓደ ጉጅለ ነጋዶ ሪል-እስቴት ገይሩ እዩ ዝቖፅሮ" ክትብል ድማ ወሲኻ ተዛሪባ።

ተንታኒት ትካል ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ነበር ስሎትኪን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ምክትል ፕረዚደንት ነበር ካማላ ሃሪስ ኣብ ዝተሰዓረትላ ግዝኣት መንበር ምስ ተዓወተት፡ ኣብ 48 ዓመት ዕድመኣ ናብ ሰነት ዝተመርጸት ዝነኣሰት 'ዲሞክራት' ጓል ኣንስተይቲ ኰይና።

ስልጣን ካብ ዝሕዝ ክልተ ወርሑ ዘይመልኦ፡ ንኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነስ ንቝጠባን ፖለቲካን ዓለም ከናውጽ ጀሚሩ ዘሎ ትራምፕ፡ ኣብቲ ክልቲኦም ባይቶታት ኣመሪካ ዝራኸብሉ ጉባኤ ዘስመዖ መደረ የዘራርብ ኣሎ።

ትራም ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ዘረብኡ፡ ንበዓል-ፀጋ ኤሎን መስክ ሓዊሱ፡ ነቶም ኣብ'ቲ ሓድሽ ምምሕዳሩ ኣብ ቅድሚት ዝረአዩ ዘለዉ ሹመኛታቱ ሓደ ብሓደ ናእዳ ዘሰምዐ ዀይኑ፡ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ንግዳዊ ርክባትን ኲናት ዩክረይን ዝኣመሰሉ ኣርእስቲ ኣልዒሉ፡ ምምሕዳሩ ኣብ ሓፂር እዋን ኣዓዊቱዎም ዝበሎም ንጥፈታት ክዝርዝር ተሰሚዑ።

መራሒ ዲሞክራት ሰኔት ቻክ ሹመር፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንስሎትኪን ኣብቲ ሰልፊ "ትኹላዕ ዘላ ኮኾብ" ክብል ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ምላሽ ዲሞክራትስ ሒዛ ክትቀርብ፡ ዝተመርጸት ምዃና ኣመልኪቱ ነይሩ።

ዘረባኣ፡ "ኣብ ክልቲኡ ቍጠባውን ሃገራውን ድሕነት" ዘተኰረ ኰይኑ፡ ስሎትኪን ደድሕሪ እቲ 'ሃገራዊ መደረ' ዘይኰነ ግን ድማ ትጽቢት ክግበረሉ ዝፀንሐ ዘረባ ትራምፕ- ምላሽ ክትህብ ተሰሚዓ።

እቲ መደረኣ፡ ንኣካይዳን ዘረባን ትራምፕ ዝነጽግን ዲሞክራትስ ንኣመሪካ ዘለዎም ኣማራጺ ራእይ ዘቐምጥ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ንግዳዊ ርክባትን ዝሓዞ ቅዋም ነቒፋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዩክረይን-ዘለንስኪ ዘርአዮ "ውርደትን ሕስረትን" ድማ ከም ኣብነት ኣልዒላ።

"እቲ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ዝነበረ ኣጋጣሚ፡ ሕማቕ ክፋል ናይ ሓደ ሪያሊቲ ቲቪ ጥራይ ኣይነበረን። ንኹሉ ኣቀራርባ ትራምፕ ኣብ ዓለም ኣጉሊሁ ዘርኢ'ዩ"።

ትራምፕ ምስ መራሒ ሩስያ- ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሓድሽ ምሕዝነት ዝጀመረ ዀይኑ፡ ነቲ ኲናት ዝጀመረት 'ዩክረይን'የ' ክሳብ ምባል ምብፅሑ ዝዝከር እዩ። እዚ ክሲ ሓቓዊነት ከምዘይብሉ ምፅራያት ቢቢሲ የመልክት።

"ንኸም በዓል ቭላድሚር ፑቲን ዝኣመሰሉ ውልቀመለኽቲ ኣሕዊዩ፡ ንከም ካናዳ ዝኣመሰሉ መሓዙት ሃገራት የቐንዙ ኣሎ፡" ድማ ኢላ።

ትራም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ልዕሊ ካናዳ፣ መክሲኮን ቻይናን ዝኣወጆ ቀረፅ ግብራዊ ዝገበረ ኰይኑ፡ ንሳተን [ብፍላይ ቻይና] ብወገነን፡ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ትካላትን ኣመሪካ እገዳ ምንባር ጀሚረን ኣለዋ።

እዚ ተበግሶ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ኣመሪካ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምፅእ እዩ ተባሂሉ ዝተሰግአ ኰይኑ፡ ትራምፕ ግን ኣብቲ ዘስመዖ መደረ፡ ነዚ ስጉምቱ ተኸላኺሉ መጒቱ።

ኮንግረስ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ስሎትኪን፡ ቀዲማ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ካብ ቍጠባዊ ድሕነትና ክሳብ ሃገራዊ ድሕነትና፡ ብጭቡጥ ኣብታ ኵላትና እንፈትዋ ሃገርና፡ ንህይወት ደቂ ሰባት ዘመሓይሽን ንቕድሚት ዘሰጉምን መንገዲ ክንሕንጽጽ ኣለና፡ ነዚ ከቐርብ ድማ ብሃንቀውታ ይጽበ ኣለኹ" ኢላ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ንሳ እትህቦ መፍረሲ ሓሳብ፡ ክልተ ጭብጢ ሒዛ ከምእትቐረብ ብኣጋኡ ተገሚቱ ነይሩ።

ዲሞክራትስ ንዋጋ መነባብሮ ንምንካይን ማሕበራዊ ድሕነትን ነጻ ሕክምና ንምሕላውን ከምዝቃለሱ ክትምጕት ተሰሚዓ።

ገለ ኣባላት ዲሞክራት ድማ ንምሕዳር ትራምፕ ዝነቕፉ ጭርሆታት ሒዞም፡ ዘረብኡ ከቋርፁዎን ክቃወሙን ተስተውዒሎም።

ምስ'ዚ ዛዕባ ብዝተኣሳሰር፡ "ሪፓብሊካን ብወገኖም ንቢልዮነራት ለገስቶምን ግብሪ ይንክዩሎም ኣለዉ" ክተብል ነቒፋ።

ኣብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽን ባራክ ኦባማን ኣብ ጽፍሒታት ሃገራዊ ድሕነት ኣገልጊላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስሎትኪን፡ ኣብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽን ባራክ ኦባማን ኣብ ጽፍሒታት ሃገራዊ ድሕነት ኣገልጊላ።

ስሎትኪን ግን መን እያ?

ስሎትኪን ንሰኔት ኣመሪካ ሓዳስ እኳ እንተዀነት፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ [ኮንግረስ] ኣባል ልኡኽ ምሽጋን ኰይና ኣገልጊላ ትፈልጥ እያ።

ንሳ ንመጀመርያ ግዜ ኣብቲ ዲሞክራትስ ኣብ 2018 ብሰፊሑ ዝተዓወትሉ መረጻ፡ ንሪፓብሊካን ብምግልባጥ ተመሪጻ።

ቅድሚ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ስርሓት ትሰርሕ ምንባራ ድማ ሰነዳት የመልክቱ።

ኣብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽን ባራክ ኦባማን ኣብ ጽፍሒታት ሃገራዊ ድሕነት ሓላፍነት ሒዛ ነይራ።

ኣብ እዋን ቡሽ፡ ኣባል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኰይና ዘገልገለት ኰይና፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኦባማ ድማ ጸሓፊት ዓለማዊ ጉዳያት ጸጥታን ጉዳያት ወጻኢን ኰይና ኣገልጊላ።

ሲኣይኤ ነታ ቋንቋ ዓረብን ስዋሂሊን ትፈልጥ ስሎትኪን፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ኮሎምብያ ዩኒቨርሲቲ ብዓለምለኻዊ ጉዳያት ብቐዳማይ ዲግሪ ምስተመረቐት ክምልምላ ግዜ ኣይወሰደሉን።

ኣብ ዒራቕ ከም ተንታኒት ሲኣይኤ ኰይና ዘገልገለት ስሎትኪን፡ ሰለስተ ግዜ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሳ ሰሪሓ።

እታ ማእከላይ መርገጽ ኣተሓሳስባ ዘለዋ ዲሞክራት፡ ኣብ 2024 ኣብ ሰነት ዘካየደቶ ጐስጓስ፡ ወጻኢታት ኣብ ምንካይ ኣተኲራ ዝጐስጐሰት ኰይና፤ ንኣባል ኮንግረስ ነበር ሪፐብሊካን-ማይክ ሮጀርስ ስዒራ።

ስሎትኪን ኣባል ኮሚቴ ጸጥታ፣ ኣባል ኮሚቴ ድሕነት ሃገርን ጉዳያት መንግስትን፤ ከምኡ'ውን ኣባል ኮሚቴታት ሕርሻ፣ ኣመጋግባን ኣግራብን፡ ኣባል ተሓላቒ ጕጅለ ጉዳያት ገዳይም ተጋደልቲን እያ።