ንሽድሽተ መዓልታት ብዘይ ምግብን ማይን ዝፀንሑ ገፈፍቲ ዓሳ ብሂወት ተረኺቦም

ናብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ቤድዌል ዝተገለፈት ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, AUSTRALIAN MARITIME SAFETY AUTHORITY

መግለጺ ስእሊ, ናብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ቤድዌል ዝተገለፈት ጃልባ

ኣብ ንእሽተይ ደሴት ኣውስትራልያ ብዘይ ምግብን ማይን ሽድሽተ መዓልታት ዘሕልፉ 11 ኢንዶኔዥያውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብሂወት ተረኺቦም።

በዓልመዚ ደሕነት ባሕሪ ኣውስትራልያ፡ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ደሴት ቤድዌል ብኣየር ብዝተደገፈ ስርሒት ሂወት ኣድሕን ከምዝተረኽቡ ኣፍሊጡ።

ይዅን’ምበር ካልኦት ትሽዓተ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብሂወት ከይህልዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ሰፊኑ ኣሎ።

እዞም ብሂወት ዝተረፉ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብኽልተ ጀልባ ኣብ ዝጓዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኢልሳ ብዝበሃል ኣባኾቦራ (ህቦብላ) ከም ዝተወቕዑን፡ እታ ቀዳመይቲ ጃልባ ከም ዝጠሓለትን ገሊጾም።

ኣብታ ዝጠሓለት ጃልባ ካብ መንጐ ዝነበሩ 10 ሰባት፡ እቶም ትሽዓተ ዛጊድ ደሃዮም ኣይተፈለጠን።

ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን ኣውስትራልያ ከም ዝሓበሮ፡ ካብታ ዝጠሓለት ጃልባ ብሂወት ዝተረፈ እንኮ ገፋፊ ዓሳ፡ ኣብቲ ውቅያኖስ ኣብ ጀሪካን ንሰዓታት ተንጠልጢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብታ ካልአይቲ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ተሰቒሉ ሂወቱ ኣትሪፉ።

ካብተን ክልተ ጃልባታት እታ ሓንቲ፡ ብማዕበል ተደፊኣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ተራእያ።

ንሽድሽተ መዓልታት ብዘይ ምግብን ማይን ዝፀንሑ እዞም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ሃንደበት ኣብ ዓይኒ ሓለውቲ ክሊ ሓይሊ ኣየር ኣውስትራልያ ዝኣተዉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ እዋን ይሕከምሉ ናብ ዘለዉ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ወሃቢ ቃል ሓለዋ ክሊ ሓይሊ ኣየር ኣውስትራልያ፡ ዋላ’ኳ ብኣጸጋሚ ኵነታት እንተሓለፉ፡ ሕጂ ግን ኵሎም ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

መንግስቲ “ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ናብ ሃገሮም ከፋንዎም” ይዳሎ ከም ዘሎ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ድሕሪ 14 ዓመታት ዝተርኣየ ህቦብላ ኢልሳ ዋላ’ኳ ከቢድ እንተዀነ፡ ሰባት ናብ ዝበዝሕሉ ከባቢታት ብዘይ ምዝርግሑ ከቢድጕድኣት ኣየውረደን።