ቅድሚ 113 ሚልዮን ዓመታት ዝነበረ ኣሰር ዳይኖሶር ብሓያል ደርቂ ተቓሊዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ማእከላይ ቴክሳስ ዝርከብ መጠን ወሓዚ ማይ ምስ ነጸፈ፡ ቅድሚ 113 ሚልዮን ዓመት ናይ ዝነበሩ ዳይኖሶራት ኣሰረ ተቓሊዑ።
እቲ ኣሰር 'ኣክሮሃኖሳውሮስ' ዝበሃል ዓቢይ ዳይናሶር፡ ብማይ ተሸፊኑ ስለዝነበረ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ከይተርኣየ እዩ ጸኒሑ።
ሕጂ እቲ ወሓይዝ ክነጽፍ ምስ ጀመረ ግን ኣሰር ናይቶም ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ግዝፊ ዝነበሮም ደርማስ ዳይናሶር ክረአ ጀሚሩ።
እቲ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ሰናጭሮ ፓርክ ዝተረኽበ ኣሰር ዳይኖሶራት ካብቲ ኣብ ዓለምና ተዓቂቡ ዘሎ ዝበለጸ ታሪኻዊ ጥንታዊ ባህሪያዊ ቅርሲ ምዃኑ ሓለቓ ስታፍ ፓርክ ጀፍ ዴቪስ ሓቢሩ ።
ክኢላታት ደርቅን ዝናብን ኣሜሪካ ዳርጋ መላእ ቴክሳስ ደርቂ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይሕብሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልዕሊ 87 ሚእታዊት ካብ ክፍለ-ሃገር እታ ግዝኣት፡ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ብኸቢድ ዝግለጹ ዓይነት ደርቂታት ኣጋጢሙዋ ኣሎ።
ኣብዚ ሓጋይ’ዚ ብዝነበረ ውዑይ ኵነታት ኣየር፡ ኣብ ማእከላይ ፓርክ ቴክሳስ ዝርከብ ሩባ ዳርጋ ብምሉኡ ከምዝነቐጸ እቲ ምልክታት የነጽር።
ስለዝዀነ ከኣ እዩ እቲ ንዘበናት ተራእዩ ዘይፈልጥ ብወሓዚ ማይ ተሸፊኑ ዝነበረ ኣብ ኣኻውሕ ሩባታት ዝተረፈ ኣሰር ዳይናሶር ዝተቓልዐ።
ዴቪስ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን እተቓልዐ "ሎን ራንገር ትራክወይ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ን100 ጫማ ዝዝርጋሕ ኣሰራት፡ ናይ ሓደ ኣክሮንቶሳውሩስ እተባህለ ዳይናሶር ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ።
ካብቲ ኣብቲ ፓርክ ዝህሉ ኣስታት 140 ኣቢሉ ዝበጽሕ ኣሰራት ናይቲ ዳይናሶር ክሳብ ሕጂ ስሳ ኣቢሉ ድሙቕ ኣሰር ተረኺቡ ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ኣክሮንቶሳውሩስ ዝበሃል ዓይነት ዳይናሶር ቍመቱ ኣስታት 5 ሜትሮ ክብደቱ ከኣ ኣስታት 70 ኩንታል ከምዝነበረ ሚስተር ደቪስ ይገልጽ።
እዞም ዳይናሶራት ነቶም ሳርፖሲዶን ዝተባህሉ ጅር ዓሳታት ሃዲኖም ይምገቡዎም ከምዝነበሩ መጽናዕታት የረድኡ።
እቶም ግዳይ ዝዀኑ ሳሮፖሲዶን ዝተባህሉ 60 ሜተር ዝቝመቶም ምስ ዓበዩ ኣስታት 44 ቶን ዝምዘኑ ዓይነት ዓሳታት ኣብ ካልእ መናፈሻ እታ ሃገር እዮም ተረኺቦም።

ምንጪ ስእሊ, DINOSAUR VALLEY/PAUL BAKER
ሕሉፍ ክቱር ኵነታት ኣየር ካልእ ዘገርም ነገራት እውን የስዕብ እዩ። ኣብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ቀላይ “ሚዳድ”፡ መጠን ማይ እናጐደለ ምስ ከደ፡ ሬሳ ሰብ ተረኺቡ’ዩ።
ኣብ ኤውሮጳ እውን መጠን ፍሰት ማይ ወሓይዝ ምስ ነከየ፡ “ኣእማን ደርቂ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ድርቂ ተቐልቂሉ ዝነበረ ኣኻውሕ ተራእዩ።
እቲ ኣእማን ደርቂ ዘሻቕል ኵነታት ይስዕብ ከምዘሎ ዘመልክት ተርእዮ ምዃኑ ሊቃውንቲ ይዛረቡ።
ኢንዱስትርያዊ ዘመን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ክዓርግ ዝጀመረ መጠን ምቘት ምድሪ፡ ሓደገኛ ተርእዮ ደርቅን ምቅይያር ክሊማን ከኸትል ከምዝኽእል ሊቃውንቲ ዓለም የጠንቅቑ ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







