ኣውሮጳ 500 ዓመታት ርእያቶ ዘይትፈልጥ ድርቂ ኣጋጢምዋ - ጸብጻባት

ምንጪ ስእሊ, EPA
ክልተ ሲሶ ካብ መሬት ኣውሮጳ ዝኸበደ ናይ ድርቂ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ምህላውን እዚ ክስተት ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝሓለፈ 500 ዓመታት ካብ ዝተረኣየ ድርቂ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑን ጸብጻባት ሓቢሮም።
እዚ ካብ ‘ግሎባል ድራውት ኦብዘርቫቶሪ’ ዝተረኸበ ጸብጻብ 47 ሚኢታዊት መሬት ናይታ ኣህጉር ነቒጹ ምህላዉ ብምሕባር ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝርከብ ይገልጽ።
ካልእ 17 ሚእታዊት ኸአ፡ እቲ ኣትክልቲ ምልክት ናይ ምድራቕ የርኢ ብምህላዉ ኣብ ገምገም ሓደጋ ድርቂ በጺሑ ከምዘሎ ተገሊጹ።
እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ክቱር ድርቂ ብፍላይ ኣብ ከም ደቡባዊ ክፋል ኣውሮጳ ንሓያለ ኣዋርሕ ክቕጽል ተኽእሎ ከምዘሎን ሓደጋታት ባርዕ ጫካ ከስዕብ ከምዝኽእልን ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሕርሻዊ ፍርያት እዚ ዓመት ምስ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብምንጽጻር፡ ኣብታ ኣህጉር ምህርቲ ዕፉን ብ16 ሚኢታዊት፡ ሱፍ ብ12 ሚኢታዊት፡ ‘ሶያቢን’ ኸኣ ብ15 ሚኢታዊት ጎዲሊ ኣሎ።
ግሎባል ድራውት ኦብዘርቫቶሪ ኣካል ናይቲ ብኮምሽን ኣውሮጳ ዝግበር ምርምራት ኮይኑ ዝረኸቦ ጸብጻብ ብቐጥታ ናብ ኮምሽን ኣውሮጳ’ዩ ዘረክብ።
ኮምሽነር ግሎባል ድራውት ኦብዘርቫቶሪ ማርያ ጋበርኤል፡ እዚ ኣብ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ማዕበል ዋዕን ሕጽረት ማይን “ኣብ መላእ ኣውሮጳ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ምጉዳል መጠን ክዙን ማይ” ከምዘኸተለ ገሊጻ።
ንሳ "ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ባርዕ መሮር ንርኢ ኣለና፡ እዚ ኸኣ ኣብ ፍርያምነት ኣእካል ርኡይ ኣሉታዊ ጸልዋ ፈጢሩ ኣሎ፡ ክሊማዊ ለውጢ’ውን ዓመታዊ ብርኡይ ክውስኽ ነስተብህል ኣለና" ኢላ።
እቲ ጸብጻብ፡ ዳርጋ ኩሎም ኣፍላጋት ኣውሮጳ ናይ ምድራቕ ምልክታት ኣርእዮም ምህላዎም ኣጠንቂቑ’ሎ።
ምጉዳል መጠን ማይ ኣፍላጋት ብዘይካ እቲ ንምንቅስቃስ ጀላቡ ምድራቱ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ዘሎ ቀረብ ጸዓት’ውን ጽልዋ ይፈጥረሉ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣውሮጳ ቀረብ ጸዓት ሃይድሮኤለትሪክ ብ20 ሚኢታዊት ነክዩ ኣሎ።
እቲ ድርቂ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ዝገልጽ እቲ ጸበጻብ፡ ኣብተን ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ክሳብ ወርሒ ሕዳር ክቅጽል ከምዝክእል ኣአንፊቱ።
ኣብ ሃገራት ስጳኛ፡ ኢጣልያ፡ ፖርቱጋል፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ቤልጂም፡ ላክሰምበርግ፡ ሮማንያ፡ ሃንጋሪ፡ ሰሜን ሰርብያ፡ ዩክረይን፡ ሞልዶቭያን ዓባይ ብሪጣንያን እቲ ኩነታት ድርቂ እናብኣሰ ክኸይድ ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







