ዛንታ ‘ኣእማን ጥምየት’ ኤውሮጳ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ ብርቱዕ ዋዕን ዋሕዲ ዝናብን ብዙሕ ከባቢታት ኤውሮጳ ሓደጋ ደርቂ የንጸላልዎ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ኣብ ገሊኡ ናብ ምንጻፍ ገጹ ዘምርሕ ምጕዳል ፍሰት ዋሕዚ ሩባታት ይረአ ብምህላው እቲ ቀደም ዘበን ዝንገር ዝነበረ ናይ ደርቂ ዛንታታት ከየጋጥሙ ከቢድ ስክፍታን ሻቕሎትን ኣሕዲሩ ኣሎ።
ብኻልእ መዳይ'ውን ነቲ ብቐጻሊ ዝዝረበሉ ግን ኣእዛን ዓለም ብግቡእ ዘየቕለበሉ ብሰንኪ ምውሳኽ መጠን ሙቐት ዝኽሰት ዘሎ ዓለማዊ ኪሊማዊ ለውጢ ዓቢይ መጠንቀቕታ ይኸውን ኣሎ።
ኣብ ዓበይቲ ሩባታት ብልሙድ ‘‘ኣእማን ጥምየት’’ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ መጠን ፍሰት ወሓዚ ኣዐርዩ ክጐድል እንከሎ ዝረኣዩ ሰረት ፈለግ ኣኻውሕ ኣለው።
ምስዞም ኣእማን ዝተሓሓዝ ብሰብ ቀደም ዝተገደፈ ዛንታታት፡ ምስ ሕጽረት ማይ ዝኽሰት ሕሰምን መከራን ዘመላኽት ኰይኑ ቅድሚ ሕጂ ንዝተራእየ ደርቂ ዝወለዶ ስቓይ ዘዘክር እዩ።
ብዛዕባ'ዚ ብዝምልከት ቅድሚ ዓሰርተታን ኣማኢትን ዓመታት ተጻሒፎም ብ 8 ነሓሰ ኣብ ትዊተር ዝተለጠፉ ጽሑፋት ኣዘራረብቲ ኰይኖም ቀንዮም።
እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ኣብ ከውሒ ዝተወቕረ ጽሑፍ፡ ኣብ ሰረት ፈለግ ሩባ ኤልብ ዝተረኸበን ኣብ 1616 ብቛንቋ ጀርመን ዝተጻሕፈን እዩ።
እቲ ጽሑፍ፡ "ንዓይ እንተርኢኹሙኒ ብኸዩ" ኸኣ ይብል።
መዋእላት ደርቂ
እዚ እቲ ኣዐርዩ ፍሉጥ "እምኒ ጥምየት" እዩ፤ ምኽንያቱ ናይቶም ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ እዋናት ድርቂ ዝርዝር ስለዝሓዘ።
(እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ልጣፍ ትዊተር፡ ምስሊ ናይቲ ብቋንቋ ጀርመን ዝተጻሕፈ ጽሑፍ እዩ። "ናዓይ እንተርኢኹምኒ፡ ብኸዩ" ይብል።)
ጕጅለ ሰብሞያ ስነጥንቲ - ኣርኪዮሎጂ - ቼክ ኣብ 2013 ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ዓመታት 1417, 1616, 1707, 1746, 1790, 1800, 1811, 1830, 1842, 1868, 1892 ን 1893 ኣብቲ እምኒ ተዘርዚሮም ኣለዉ።
ኣብ ካልእ ከውሒ ዝተወቐረ ጽሑፍ ድማ፡ "እዚ እምኒ እንተጠፊኡ ህይወት መሊሳ ክትልምልም እያ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ካልእ ከውሒ ዝተረኽበ ጽሑፍ ከኣ ‘‘እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝረኣዩኒ በኽዮም እዮም፤ እቲ ሕጂ ዝርእየኒ ዘሎ ድማ ክበኪ እዩ" ብምባል ይትንበ።
"ነዚ እምኒ እንተርኢኻዮ እውን ክትበኪ ኢኻ፤ እቲ ማይ፡ ኣብ 1417 ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ እዩ ወሪዱ ነይሩ" ይቕጽል።
ጥምየት ይመጽእ ከምዘሎ ዘመላኽቱ ኣእማን
ቀደም፡ መጠን እቲ ሩባ፡ ክንድዚ ደረጃ እንተዳአ ወሪዱ ብዙሓት ሰባት ጥምየትን ሕሰምን የጋጥሞም ነይሩ ማለት’ዩ።
ድርቂ ኣዝርእቲ የብርስ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም እኽሊ ዝጓዓዓዘሎም ማያዊ ኣካላት እውን የድርቖም ነይሩ። ድሕሪ እዚ ጥምየት እዩ ዝስዕብ።
ኣብ ሕሉፍ እዋን ከም ኦስትርያ፡ ቺኮዝሎቫክያ፡ ጀርመን፡ ሃንጋሪ፡ ፖላንድን ስዊዘርላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ኣውሮጳ ኣብ ወሰን ሩባ ንዝነበሩ ልሙዓት መሬት ብምሕራስ ምግቢ ይረኽባ ነይረን።
ጀርመናዊ ጋዜጠኛ ኦላፍ ኮይነስ ድማ ነቶም ኣእማን ዝገልጽ ናይ ጀርመን ቃል ከምዘሎ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። "ሃንገርስተይነ" ዝብል ጽሑፍ፡ "ኣእማን ጥምየት" ከም ማለት ይትርጐም።
እቲ ቓል ካብ ሓደ ንዓመተ 1947፡ "ዓመተ ጥምየት" ኢሉ ዝገልጽ ኣብ እምኒ ዝተወቕረ ጽሑፍ ዝተወሰደ እዩ።ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ፡ ኣብ ማእከላይ ኣውሮጳ፡ ደርቂ ከም ምልክት ክሊማዊ ለውጢ ተገይሩ ይውሰድ ኣሎ፡
ተዘክሮታት ትማሊ
ካብቶም ብዙሓት ኣእማን ዝረኣዩለን ከተማታት ሓንቲ፡ ምስ ጀርመን ኣብ ዘዳውብ ኣብ ከባቢ ቼክ እትርከብ፡ ሩባታት ኤልብንን ፕሎውቺንስን ዝራኸቡላን ከተማ ደቺን እያ።
ልዕሊ 10 ዝዀኑ ኣብ ሰረት ሩባ ኤልብ ዝርከቡ ኣእማን ከኣ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ንዝሓለፈ ክፉእ ዘበን የዘኻኽሩዎም።
ካልእ እምኒ ጥምየት እውን ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ሾንቤክ ንምርኢት ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ ጥቓ እቲ መጠን ማዩ ቀኒሱ ዝነበረ ፈለግ ሃርበር ከኣ እዩ ተረኺቡ።
ምቕልቃል ወይ ምርኣይ ናይቲ እምኒ፡ ኣብ ዝባን እቲ ሩባ ብጀልባ ምጉዓዝ ከምዘይከኣል ዘመልክት እዩ ይብሉ እቶም ቀዳሞት። መብዛሕትኦም እቶም ኣእማን ጥምየት ከኣ ኣብ ሩባ ኤልብ እዮም ተራእዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕሱም ደርቂ
ምልክታት ደርቂ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ግዝኣት ኣውሮጳ ጽልዋ ከምዝፈጥረ ተዓዛቢ ደርቂ ኣውሮጳ (ኢ ዶ ኦ) ይገልጽ። ዓበይቲ ሩባታት እንግሊዝ፡ ጀርመንን ጥልያንን መጠን ማዮም ቀኒሱ ኣሎ።
ትሑት መጠን ማይ ኣብ ዝተርኣየላ ኢጣልያዊት ከተማ ማንቱዋ ኣእማን ጥምየት ኣይተራእዩን። ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ሰረት ፈለግ ሩባ-ፖ፡ 450 ኪግ ዝምዘን ዘይተፈንጀረ ናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ነታጕ ተረኺቡ።
ስለዝዀነ ኣብዚ ቀረባ ሳምንቲ ከም ፈረንሳን ስጳኛን ዝኣመሰላ ሃገራት መጠን ዘህልኸኦ ማይ ክቕንሳ ተገዲደን ኣለዋ።
ኣብ ገለ ከባቢ እተን ሃገራት፡ ሰብ መዚ፡ መጠን ዝባኽን ማይ ብውሱን ደረጃ ከምዝንኪ እውን ገይሮም።
ኣብ 7 ነሓሰ ሰብ መዚ ፈረንሳ፡ እታ ሃገር ካብ 1958 ጀሚሩ ዝኸፍአ ደርቂ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ኣዊጆም።
ኣብ ጀርመን ድማ ምቕናስ መጠን ማይ ሩባ ራይን፡ በቲ ሩባ ንዝንቀሳቐሱ ወነንቲ መራኸብ መጠን ጽዕነት ክቕንሱ ከምዘገደዶም ወኪል ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







