መሪሕነት ኢራን ንምእላይ ዝወጽአ መደብ ዕላማኡ እንታይ'ዩ?

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ምሉእ ጸብለልታ ከምዘለወን ብምሕባር፡ ነፈርተን ኣብ ሰማያት ኢራን ከምድልየተን ኣብ ዝመረጸኦ ቦታ ክድብድባ ኣኽኢልወን ከምዘሎ'የን ዝገልጻ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ስለያን ሓበሬታን'ውን ምሉእ ዓብላልነት ስለዘለወን፡ ንሓያለ ሰብ መዚ ረኺበን ክቐትላ ከምዘኽኣለን ይሕብራ።

ግን እንታይ እዩ እቲ ስትራተጂ? ሓደ ካብቲ መልሲ ምድንጋር ኣብ ምፍጣር ትኹረት ምግባር እዩ።

እቲ ኰነ ኢልካ ብናይ ኣመሪካ 'ሳይበርኮማንድን' መሻርኽቶም እስራኤልውያንን ዝናፈስ ዝነበረ ወረ፡ ንቀጽሪ መንበሪ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምጥቃዕ መደብ ከምዘይብሎም'ዩ።

እዚ ከኣ ንሰብ መዚ ኢራን እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣብ ምርዳእ ዓይኖም ዓሚትዎም፡ ንሓድሕዶም ክረዳድኡን መልሲ ግብሪ ክህቡን ከምዘየኽኣሎም ሰብ መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ይሕብሩ።

ነዚ ከም ብልጫ ብምውሳድ ኣብ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ኢራን ናይ ምቅታል ስጉምቲ ተወሲዱ።

እቶም ክቕተሉ ዝተደለዩ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን ብሲኣይኤ፡ ሞሳድን ካልኦት ስለያዊ ትካላት ኣመሪካን እስራኤልን ንኣዋርሕ ምክትታል ክግበረሎም ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ምክትታል ከኣ ንናይ ኢራን መራኸቢታት ብማዕዶ ሰርሲርካ ብምእታውን ኣብ ባይታ ብዘለዉ ንስላያ ዝተዋፈሩ ሰባት ገይርካ ብሞሳድ እናተማእከለ'ዩ ክካየድ ጸኒሑ።

እቲ ውጽኢቱ ድማ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ሓላፊ ሓለዋ ሰውራን ካብቶም ዝተቐትሉ እዮም።

ብዓቢኡ ኸኣ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን።

እቲ ናይ ምቕታል ስጉምቲ እስራኤል ከምዘካየደቶ ባዕላ ገሊጻ'ያ።

ኣመሪካ ብግደኣ ኣብቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ማእከላት እዝን ቁጽጽርን ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ መደበራት ባላስቲክ ሚሳኤላትን ኣብያተ ጽሕፈት ስለያን ከምዝደብደብት ሓቢራ።

ኣቦ ወንበር ናይቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ዳን ኬን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብቀንዱ ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን "ምድንዛዝን ምድንጋርን" ዝብል ሜላ ከምዘተጠቐሙ ሓቢሩ።

ቀንዲ ዕላማ ኣመሪካን እስራኤልን ከኣ ንኢራን ንምልማስ'ዩ።

ይኹን እምበር፡ ቴህራን ኣብ ልዕሊ መሪሕነታ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ገሚታ፡ ኣቐድም ኣቢላ ሰበስልጣን እንተሞቶም ብዙሓት ተካእቲ ክምድቡ (መንነቶም ድማ ምስጢር ክሕዙ) ክስርሓሉ ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ኹሉ እናኾነ ግን እቲ ዘገርም ነገር፡ ካብ ቀንዲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን ብቀዳም ንግሆ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ኣኼባ ምንባሮም'ዩ፡ እዚ ከኣ ብእኩባቶም ገለ ካብኦም ንክቕተሉ ምኽንያት ኮይኑ።

ስለዚ ኣብ ኢራን ሓያለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምቕታሎም ንኣንፈት እቲ ኵናት ብኸመይ ክቕይሮ ይኽእል?

ብሓጺር እዋን እንተመዚንናዮ፡ ኢራናውያን ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ንኸይህቡ ክዕንቅጾም ይኽእል'ዩ።

እቲ ምድንጋራት ብምፍጣር ብወተሃደራዊ መዳይ ዝርከብ ብልጫታት ረብሓ'ኳ እንተሃለዎ ሓደጋታት'ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ ኢራን ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ትፍጽሞ ዘላ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ባላስቲክ ሚሳኤልን ኣቐዲሙ ተጻዊዱ ዝጸንሓን፡ ከምዚ እንተኣጋጢሙ ባዕሉ ከምዝትኰስ ዝተቐመረን እንተኾይኑ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ወይ'ውን ላዕለዎት ሓለፍቶም ምስ ተቐተልዎም ታሕተዎት ሓለፍቲ ብናቶም ተበግስታት ዝገብርዎ እንተሃልዮም'ውን ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ወይ'ውን ከም መሐለውታ ተዳልዩ ዝጸንሐን ዘይፍለጥን ብእዝን ቁጽጽርን ተማእኪሉ ይካየድ እንተሃልዩ'ውን ክፍለጥ ኣይተኻኣለን ዘሎ፡ ኩሉ እዚ እንተታት ግን ኣብ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

እቲ ብድሕሪ እዚ ዝመጽእ ሕቶ፡ ንሓያለ ላዕለዎት ሰብ መዚ ምቕታል ነቲ ኵናት ኣብ ባይታ ክቕይሮ ይኽእል ድዩ፡ ኢራን ነዚ ኵናት ክትቅጽሎ ድያ? ዋላ ካልእ መንገዲ'ያ ከተናዲ?

ሲኣይኤ፡ እቲ ኵናት ቅድሚ ምጅማሩ መጽናዕትታቱ ወዲኡ'ዩ፡ ምቕታል ላዕለወይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ካልኦት ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ሰውራ ዝያዳ ቁጽጽር ክገብሩ ከም ዝኽእሎም ኣተንቢሁ።

ሓደ ሓዲሽ ዝተመረጸ ሓላፊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ኣማራጺታት'የን ክጸንሐኦ፡ ነቲ ኵናት ብምቅጻል ህላወ እቲ ስርዓት ክውሕስ ይኽእልዶ? ዋላ እቲ ኣመሪካ ተቕርቦ ጠለባት ክቕበል? ዝብል መሰረታውያን ምርጫታት።

እንድሕር ነቲ ኵናት ንምቅጻል ሓርዩ፡ ንዘተን ስምምዕን ዝኸውን ዕድል ኣይክህሉን'ዩ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ኢራን ልክዕ ከም ደልሲ ሮድሪገዝ'ያ ክትደሊ።

ደልሲ ሮድሪገዝ፡ ኣመሪካ ብፍሉይ ስርሒት ናብ ቤት ጽሕፈት ቬነዝዌላ ኣትያ ንፕረዚደንት ኒኮላስ ማድሮ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ወሰደቶ ስልጣን ዝተረከበት ኰይና፡ ምስ ኣመሪካ ክትተሓባበር ከምዘለዋ እናተረድኣ'ያ ነቲ ስልጣን ተረኪባቶ።

ኣብ ኢራን ግን ከም ደልሲ ሮድሪገዝ ዓይነት ሰብ ክርከብ ይኽእልዶ፡ ንኢራንከ ክመርሓ ይኽእል ድዩ ዝብል ካልእ በዳሂ ሕቶ'ዩ።

ብዓቢኡ ምቕታል ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን፡ ነቲ ስርዓት ምቕያር ዝብል ሓሳብ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ባይታ ንኽትግበር ክሕግዝ ድዩ ዝብል'ውን ክንዲ እምባ ዝኸውን ሕቶ'ዩ ዘልዕል።

ታሪኽ ከምዝምስክሮ፡ ብጸብለልታ ሓይሊ ኣየር ጥራይ ለውጢ ምምጻእ ከቢድ'ዩ፡ ኣመሪካ ከኣ ናብ ኢራን ኣጋር ሰራዊት ከተእቱ ክሳብ ሕጂ ድሌት የብላን።

ኣመሪካ ከም ቀንዲ ዕላማ ሒዛቶ ዘላ፡ ንጸጥታን ስለያን ኢራን ምውጋድ፡ እቲ ኣብ ጥሪ ተለዓዒሉ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞ ዳግማይ ጀሚሩ ንኽዕወት ዝልዓለ ዕድል ምፍጣር'ዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ልክዕ ከምቲ ናይ ጥሪ ዓይነት ናዕቢ ዳግማይ ክካየድ ጸዊዑ፡ ነቶም ኣጽዋሮም ዝፈትሑ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ከይተረፈ ምሕረት ከምዝግበረሎም'ውን ቃል ኣትዩ።

እንተዀነ እቲ ስርዓት ግን ድልዱል መሰረት ዘለዎ ስለዝዀነ፡ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝከኣሎ ክገብር እዩ።

ንመሪሕነት ኢራን መጻኢኡ ክትፈልጥ ከቢድ'ኳ እንተዀነ፡ ብእስራኤልን ኣመሪካን ቀዳምነት ዝወሃቦም ግን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ብዝተኻእለ መጠን ጉድኣት ምብጻሕ'ዩ ዝመስል።

እዚ ለውጢ እንተድኣ ኣምጺኡ፡ ብህዝቢ ኢራን ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል'ዩ፡ እቲ ሓደጋታት ግን ኣብ ልዕሊኦም ክወድቕ'ዩ።