እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሕርሙዝ ሰለስተ መራኽብ ምስ ተጠቕዓ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ
ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሕርሙዝ ብውሕዱ ሰለስተ መራኽብ ምስ ተጠቕዓ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ።
ክልተ መራኽብ ከም ዝተሃርማ፡ ሳልሳይ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ኣብ ቀረባኣ ከም ዝተፈንጀረ"፡ ማእከል ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ (UKMTO) ገሊጹ።
ኢራን መራኽብ በቲ ኣስታት 20% ካብ ነዳድን ጋዝን ዓለም ዝተኣናገደሉ መጻብቦ ከይሓልፋ ኣጠንቂቓ ኣላ።
እቲ መጻብቦ ዳርጋ ተዓጽዩ ከም ዘሎን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ግጭት ንዋጋታት ነዳዲ ዝያዳ ሓፍ ከብሎ ከም ዝኽእልን ተንተንቲ ኣጠንቂቖም።
ሎሚ ሰኑይ ኣብ እስያ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ብልዕሊ 10% ወሲኹ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሒሩ ግን ቍሩብ ጐዲሉ።
ኣብ ሰዓት 02፡00 GMT፡ ድፍድፍ ነዳዲ ብሬንት ልዕሊ 4% ብምውሳኽ፡ ንሓደ በርሚል $76.16 (£56.53) ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ነዳዲ'ውን ብኣስታት 4% ብምውሳኽ $69.67 በጺሑ።
ኣብ ኤምኤስቲ ሪሰርች ሓላፊ ምርምር ነዳዲ፡ ሳውል ካቮኒክ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዕዳጋ ዛጊት ዘሰንብድ ኣይኰነን" ኢሉ።
"ክሳብ ሕጂ፡ መጓዓዝያን ትሕተ-ቕርጺ ነዳዲ ብዝዀነ ወገን ቀንዲ ዕላማ ኣይኰነን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
"እቲ ዕዳጋ፡ ኵነታት መጻብቦ ሕርሙዝ ክከታተል'ዩ፡ እዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ መሊሱ ክጐድል ይኽእል'ዩ።"
ገለ ተንተንቲ ግን እቲ ግጭት ንነዊሕ እዋን እንተ ጸኒሑ፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር ክንህር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ብሰንበት፡ ጕጅለ ኣፍረይቲ ነዳዲ ኦፐክ+ - ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ዘጠቓለለ - ዋጋ ንምርግጋእ፡ ኣብ መዓልቲ ምህርቶም ብ206,000 በርሚል ክውስኹ ተሰማሚዖም'ኳ እንተ ነበሩ፡ ገለ ክኢላታት ግን እዚ ከም ዘይሰርሕ ይጠራጠሩ።
ፕረዚደንት ኤኤ ኤድሙንድ ኪንግ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
"እቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ህውከትን ደብዳባትን ብዓለም ደረጃ ዝርግሐ ነዳዲ ክዘርጎ ምዃኑ ርግጸኛ እየ፣ እዚ ድማ ወሰኽ ዋጋታት ከም ዘስዕብ ዘይተርፍ'ዩ፡" ኢሉ።
"ወሰኽ ዋጋ ክሳብ ክንደይ ከም ዝቕጽል ኣብ ክብደትን ንውሓት ግዜን 'ቲ ግጭት ይምርኰስ።"
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሰለስተ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝመጽኣ ታንከራት "ብሚሳይላት ተሃሪመን ይቃጸላ ኣለዋ" ኢሉ። ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝዀነ ይዅን ርእይቶ ኣይሃባን።
UKMTO ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብን ወሽመጥ ዖማንን "ብዙሕ ናይ ጸጥታ ጸገማት" ከም ዝተራእየን መራኽብ ድማ "ብጥንቃቐ ክሓልፋ" ከም ዝመኸረን ገሊጹ።
ሎሚ ብኣጻብዕ ዝቝጸራ መራኽብ ኢራንን ቻይናን እኳ እንተ ሓለፋ፡ ብውሕዱ 150 ታንከራት ነዳዲ ኣብ ክፉት ማያት ወሽመጥ ኪኖ መጻብቦ ሕርሙዝ ከም ዝወደቐ፡ መራኽብ ዝከታተል ትካል-ክለር ይሕብር።
ሆማዮን ፋላክሻሂ ካብ ክለር፡ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብሰንኪ ስግኣታት ኢራን፡ እቲ መጻብቦ ብኣድማዒ መንገዲ ተዓጽዩ'ሎ፡" ኢሉ።
"እተን መራኽብ እቲ ሓደጋታት ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝዀነን ወጻኢታት መድሕነን ሰማይ ስለ ዝዓረገን ከይሓልፋ ናይ ጥንቃቐ ስጕምቲ ወሲደን ኣለዋ።"
ኣመሪካ ንመስመራት መራኽብ ክትከላኸለሎም ክትፍትን ከም እትኽእል፡ እቲ መጻብቦ ንነዊሕ እዋን እንተ ተዓጽዩ ግን ዋጋታት "ኣዝዩ ዝለዓለ" ክኸውን ከም ዝኽእል ይንገር።
UKMTO መንነቶም ዘይገለጸለን ክልተ መራኽብ ብዘይተፈልጠ ተወንጫፊ ከም ዝተሃርመን ባርዕ ከም ዘስዓበን ገሊጹ። ካልኦት ትካላት ጸጥታ-ብሕቲ'ውን ምስዚ ዝስማማዕ መግለጺ ኣውጺአን ኣለዋ።
ኢራንን እስራኤልን ትማሊ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመኦ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምቕታሉ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ክካየድ ምኽንያት ኰይኑ።
ኣብ ዱባይ -ኢማራት ዓረብ፡ ርእሰ ከተማ ቐጠር ዶሓ፡ ባሕሬንን ኩዌትን ሰፋሕቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።