ኢራን፡ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤል ዝሃበቶ ግብረመልሲ ብኸመይ'ዩ ቅጽበታዊ ኰይኑ?

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኢራን፡ ነቲ ቀዳም ንግሆ ካብ ኣመሪካን እስራኤል ዝወረዳ መጥቃዕቲ ዝሃበቶ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ፡ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ዝተፈጸመ ብምዃኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኰይኑ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ'ሎ።

ንታሪኻዊ ኵነታት ምልስ ኢልካ ምስ ዝርአ እቲ ኣዋህባ ምላሽ ዝተፈልየ ምንባሩ ኢና ንዕዘብ።

እቲ ኣብ ሰነ 2025 ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት፡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢራን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ማዕበል መጥቃዕቲ ዒላማ ኮይኖም።

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ሰበስልጣን እስላማዊት ሪፓብሊክን ኢራንን ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለወን መራኸቢ ብዙሃንን፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ክወሃብ ዝኽእል ግብረመልሲ፡ ኣብ ዝምልከት ኣብ ምምይያጥ ብዙሕ ሰዓታት ኣሕሊፈን።

እዚ ተመኵሮ'ዚ ንመንግስቲ ሓድሽ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ድሕሪ እቲ ንሸሞንተ ዓመታት ምስ ዒራቕ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሓንቲ ባዕዳዊት ሃገር ኣብ መሬት ኢራን ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክትፍጽም ንፈለማ እዋን ስለዝነበረ።

እስራኤል፡ ብ13 ሰነ 2025፡ ብኣቈጻጽራ ከባቢ ሰዓት 6፡30 ንግሆ ሓሙሽተ ማዕበላት መጥቃዕቲ ኣካይዳ። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ክሳብ ሰዓት 7፡00 ቅድሚ ቀትሪ ምማቶም ተረጋጊጹ።

ነዚ ስዒቡ መጠንቀቕታ ክህብ እንከሎ እቲ ናይ መጀመርታ ጸረ-መጥቃዕቲ ኢራን ግን ክሳብ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ምሸት ኣይተጀመረን ነይሩ።

እዚ ምድንጓይ ብቐንዱ ብሰንኪ ዒላማ ምግባር ዋና ቤት ጽሕፈት ማእከላይ እዚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓለዋ ሰውራ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መስርሕ ወተሃደራዊ ውሳነ ምድንጓይ ኣስዒቡ።

እዚ፡ ድሕሪ ኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብቐዳም 28 ለካቲት ዝተራእየ መጥቃዕትን ቅልጡፍ ምላሽን እቲ ዳይናሚክስ ኣዝዩ ተቐይሩ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ድሕሪ እቲ እስራኤል "ቅድመ መጥቃዕቲ" ኢላ ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤልን፡ እቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ሒደት ሰዓታት ጥራይ ኣብ መላእ እስራኤልን ሓያሎ ጎረባብቲ ሃገራት ዓረብን ደብዳብ ሚሳይላትን ድሮናትን ተራእዩ - መጠንቀቕታ ሳይረናት ድማ ተሰሚዑ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ናይቲ ዞባ ፍንጀራታት ከም ዘጋጠመ ጸብጻባት ስዒቡ፣ እዚ ድማ ኣብ ሓይሊ ወተሃደራዊ ግብርመልሲ ኢራን ዓቢ ለውጢ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ነዚ ኣመኪቱ ርእይቶ'ኡ ንቢቢሲ ዝሃበ ተንታኒ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ ሓምድ ሬዛ ዓዚዚ፡ ድሕሪ'ቲ ናይ 12 መዓልታት ውግእ፡ ዘይምእኩል መሓውር ሰንሰለት እዚ ከምዝተኣታተወ ይሕብር።

እዚ ድማ ስርዓተ ጸጥታን ሚሳይላትን ኢራን ናብ ዘይተማእከለ መሓውር ከም ዝሰገረ ዘርኢ ምልክታት ምዃኑ ምግላጽ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ወተሃደራዊ እዚ፡ ዞባዊ ማእከላት ሚሳይል፡ ዋላ'ውን ካብቲ ቀንዲ ማእከላይ እዚ ዝነበሮም ርክብ እንተተቛረጸ፡ ብናጻ ክሰርሓ ስልጣን ከም ዝተዋህበን ይንገር።

ብመሰረት ሬዛ ዓዚዚ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፋሕ ኢሉ ዝቘመ ሓይልታት ኢራን ኣብ ክንዲ ማእከላይ ምውህሃድን እዚን ዝጽበዩ፡ ካብ መጀመርታ ኣብ ልዕሊ እስራኤል "ቀጻሊ ተዅሲ" ብምፍናው ግብረ-መልሲ ክህቡ ተዳልዮም ነይሮም ማለት እዩ።

እዚ ድማ ነቲ ንዝወረዶም መጥቃዕቲ ዝሃቡሉ ዘይተለምደ ቅልጡፍ ምላሽ ዘረድእ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ መላእ ኢራን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሚሳይላት ተወንጪፎም፤ ከተማታት ንተልኣቪቭን ሃይፋን ዒላማ ብምግባር፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ከም ዝተሃርሙ ይንገር ኣሎ።

እዚ ድማ መንግስቲ እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ "ቀይሕ መስመራት" ከምዘይክተል ዘመልክት ምዃኑ ዝኣምን ተንታኒ ሓሚድ ሬዛ፡ እዚ ተግባራት እዚ፡ ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ቀይሕ መስመራት ድሕሪ ሕጂ ኣፍልጦ ከም ዘይትህቦን ሕነ'ኣ ንምፍዳይ ምሉእ ዓቕማ ክትጥቀም ድልውቲ ከምዘላን ዘመልክት ምዃኑ ይድምድም።