እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሚቴ ወልቃይት፡ ኣብ ጉዳይ ቤትፍርዲ ቦርድ መረጻን ስምረትን ኣትዩ ክማጎት ሓቲቱ
ኮሚቴ መንነትን ምምላስ ዶብን ኣምሓራ ወልቃይት ጸገዴ፡ ነቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ኣብ ኣከራኸርቲ ክልላት-መረጻ፡ መረጻ ከይካየድ ዘሕለፎ ግዝያዊ ውሳነ እገዳ ኣትዩ ክከራኸር ከም ዝግባእ ጥርዓን ኣቕሪቡ።
ኮሚቴ ወልቃይት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣመልካቲ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ስምረት ትግራይን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ኣብ ቤትፍርዲ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ መሰሉን ረብሓኡን ዝትንኪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዩ ክማጐት ብጠበቓኡ ኣቢሉ ንላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ከም ዝሓተተ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ቤትፍርዲ ነቲ ጉዳይ ርእዩ ን25 ለካቲት 2018[ግ] ውሳነ ክህብ ከም ዝወሰነ ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብተን ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበኣኒ ዝልዓለለን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበራ ከባቢታት፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ወጻኢ ኰይነን ብቐጥታ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መረጻ ከካይዳ፡ ብሰኑይ 16 ለካቲት 2018 [ግ] ምውሳኑ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ሰልፊ ስምረት ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ብሓሙስ 19 ለካቲት 2018[ግ] እቲ ውሳነ ተኣጊዱ ክጸንሕ ወሲኑ።
ጸኒሑ ድማ ኮሚቴ መንነትን ምምላስ ዶብን ኣምሓራ ወልቃይት ጸገዴ፡ "ካብቶም ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መሰል ምድማጽን ምምራጽን ዝተዋህበን ክልላት-መረጻ፡ ሑመራን ዓድ ረምጽን ካብ ክልል ትግራይ ወጺአን ኣብ ትሕቲ ዞባ ወልቃይት ጸገዴ ዞን ሰቲት ብርእሰን ከም ዝመሓደራ፡" ገሊጹ።
እዚ ሕጂ ዞባ ወልቃይት ዝበሃል ዘሎ ከባቢታት፡ ክሳዕ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ኣብ ትሕቲ እታ ክልል ዝነበረን፡ ብዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፍለጥ ከባቢታት ኰይኑ፡ ኣብቲ ኲናት ብሓይሊ ዝተታሕዘ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ኮሚቴ ወልቃይት ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ እቲ ብቤትፍርዲ ንኽሲ ሰልፊ ስምረት መሰረት ገይሩ ዝተዋህበ ውሳነ እገዳ ጠቒሱ፡ "ኣብ ዘይተሳተፍናሉ ምጕት ዝወሃብ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ፈደራል ዓንቀጽ 38 ዝተቐመጠ ናይ ምድማጽን ምምራጽን መሰልና ዝግህስ'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ስለዚ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰልፊ ስምረትን ሃገራዊ ቦርድ መረጻን ኣብ ዘሎ ክርክር ቤትፍርዲ ኣትዩ ክከራኸር ክፍቀደሉ ሓቲቱ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ "ቤትምኽሪ ፈደረሽን እተን ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሰሓሕባ ከባቢታት፡ ካብ ክልል ትግራይ ወጺአን ብቐጥታ መረጻ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከካይዳ ወሲኑ፡" ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ኣምሪሑ።
እዘን ብኽልቲኡ ወገን ዘሰሓሕባ ዘለዋ ቦታታት፡ ሑመራ፡ ዓዲ ረመጽ፡ ኮረም ኣፍላ፡ ጸለመትን ራያ ኣላማጣን እየን።
ኣብዘን ሓሙሽተ ክልላት-መረጻ ዝርከቡ ኣድመጽቲ፡ ንሕጹያት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጾም ከም ዝህቡን፡ ንመረጻ ቤት ምኽሪ ክልል ብዝምልከት ግን ኣብቲ ከባቢታት ዘሎ ምስሕሓብ ብመሰረት ሕገ መንግስታዊ ውሳነ ምስ ተፈትሐ ከም ዝካየድ፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣፍሊጡ፡ ክብል - እዩ ቦርድ መረጻ ዝገልጽ።
ነዚ ስዒቡ፡ ብስም ኣቶ ጌታቸው ናብ ቤት ፍርዲ ብዝቐረበ ክሲ መሰረት ዝተዋህበ ውሳነ እገዳ ቤት ፍርዲ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑ ንህዝቢ ሓቢሩ።
ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ከካትዕ ዝጸንሐ ሓሙሽተ ክልላት-መረጻ ብዝምልከት ካብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ውሳነ ተቐቢለ ኣለኹ ብምባል ብወግዒ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ዝንቀሳቐሱ ፖለቲከኛታትን ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ደገፍን ተቓውሞን ከስምዑ ተራእዮም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ስምረት ትግራይን ካልኦት ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ነቲ ውሳነ ክቃወምዎ እንከለዉ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ክልል ኣምሓራ ድማ ነቲ ውሳነ ደገፎም ኣስሚዖም።
ኣብ ትግራይ፡ ነዚ ውሳነ'ዚ ብምቅዋም ብዓርቢ ኣብ ኵለን ከተማታት እታ ክልል ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ክካየድ ውዒሉ።