እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ንምንታይ ይዋግኣ ኣለዋ?
ኣብ ምምሕዳር 6 ዝርከቡ ተቐማጦ ካቡል ኣፍጋኒስታን ብሓሙስ ንኣባይቶም ብዘንቀጥቀጠ ድምጺ ነታጒ ሃንደበት ተበራቢሮም። ተጓዪዮም ናብ ጽርግያ ምስ ወጽኡ ድማ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊኦም ክበርራ ተዓዚቦም።
ኣብ መንጎ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ከቢድ ግጭት ዘጓነፈላ ምሸት እያ ነይራ። ፓኪስታን፡ ርእሰ ከተማ ካቡል ንእትርከበን ሓያሎ ቦታታት ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዳ።
ኣውራጃታት ፓክቲያን ካንዳሃርን እውን ገለ ካብተን ዝተሃስያ ቦታታት እየን። ካንዳሃር ጣሊባን ዝተፈጥረላን ደጀኑን እያ።
ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ተጻብኦታት ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኰይኑ፡ መን ጀሚሩዎ ንዝብል ሕቶ - መልሱ ንመን ትሓቶ እዩ ዝውስኖ።
መንግስቲ ጣሊባን፡ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ኣብ ጥቓ ዶብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መደበራት ፓኪስታን ስርሒት ከም ዝጀመረን ሓያሎ መደበራት ከም ዝተቘጻጸረን፣ ከምኡ'ውን ወተሃደራት ፓኪስታን ከም ዝቐተለን ዝማራኸን ቅድሚኡ ምሸት ገሊጹ።
እቲ ስርሒት "ፈዳይ ሕነ፡" ምንባሩ ብምግላጽ፡ ሰራዊት ፓኪስታን መሬት ኣፍጋኒስታን ብምውራርን ልዑላውነት ብምጥሓስን ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ብምቕታሎም ግብረመልሲ ንምሃብ ከም ዝወፈሩ ተሓንዩ።
ቅድሚ ሰሙን 21 ለካቲት ምሸት፡ ነፈርቲ ፓኪስታን ንምብራቓዊ ኣውራጃታት ናንጋርሃርን ፓክቲካን ዒላማ ከም ዝገበራ ጠቒሶም ነይሮም።
ሕቡራት ሃገራት በቲ መጥቃዕቲ 13 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ካብ ዘተኣማምኑ ምንጪታት ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ገሊጹ።
ፓኪስታን ካብዚ ዝተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ። እቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ መሕብኢ ቦታታት ናይ ዕጡቓት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ትገልጽ። ኢስላማባድ፡ ኣፍጋኒስታን ጣሊባን (ናይ ፓኪስታን ዕጡቓት) ዝዕቈብሉ ቦታታት ከም ዘጥቀዐት እያ ትምጕት።
ፓኪስታን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢስላማባድ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ሺዓ ዝተፈጸመ ነብሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ብኣባላት ናይቲ ናይ ፓኪስታን ጣሊባን ዝተባህለ ዕጡቕ ጕጅለ ከም ዝተፈጸመ "መርትዖ" ከም ዘለዋ ትገልጽ። ኣፍጋኒስታን ግን ነቲ መጥቃዕቲ ዳዕሽ ከም ዝፈጸሞ ትሕብር።
ፓኪስታን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብትእዛዝ ናይቶም ብመንግስቲ ጣሊባን ዝድገፉ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝመደበሮም ኣመራርሓ ተቓወምቲ ዕጡቓት ይፍጸም ከም ዘሎ ትኸስስ።
መንግስቲ ጣሊባን፡ መሬቱ ንጸጥታ ናይ ዝዀነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከም ዘይኰነን ፓኪስታን ኣብ ኣፍጋኒስታን እትገብሮ ዘላ ተግባራት ብኣፍጋኒስታን ዝተደፋፍአ ከም ዘይኰነ ብተደጋጋሚ ይገልጽ።
እቲ ናይ መወዳእታ ከቢድ ውግእ ኣብ መንጎ ክልተአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኻየደ ኣብ ጥቅምቲ 2025 እዩ። ኣብ መንጎ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ሓያሎ ስግረዶባዊ መጥቃዕትታት ተኻዪዱ። ፓኪስታን ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዳ።
ቐጠርን ቱርኪን ኣብ ዶሓን ኢስታንቡልን ዘተ ክካየድ ጽዒረን። እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ጽኑዕ ኣይነበረን፣ እቲ ዝርርብ'ውን ነቲ ውግእ ደው ከብሎ ኣይከኣለን።
ክልተኦም ወገናት፡ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዕቱብ ከም ዘይወሰዶ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ይወቅስ።
ብወተሃደራዊ መዳይ ፓኪስታን ኣዝያ ሓያል እያ፤ ሓያሎ ታንክታት፡ ነፈርትን ምዕቡል ቴክኖሎጂ ምክልኻልን ኣለዋ።
መንግስቲ ጣሊባን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስትን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሓይልታት ወጻእን ዝረኸቦ ገለ ኣጽዋራት ኣለዎ። ዋላ እኳ እገዳ ኣጽዋር ዝተነብሮ እንተዀነ፡ ብጸሊም-ዕዳጋ ክዕድግ ከም ዝኸኣለ ግን ይገልጽ እዩ።
ኣፍጋኒስታን ነፈርቲ ከም ዘለዋ ወይ'ውን ኣብ ውሽጢ ፓኪስታን ኣትያ ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ዝሕብር መርትዖ ዛጊት የሎን።
ጣሊባን ኣንጻር እቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ጥምረት ንልዕሊ 20 ዓመታት ስለ ዝተዋግአ፡ ኣብ ዘይስሩዕን ናብ ጐረባብቲ ኣቲኻን ናይ ዝግበር ኲናትን ተመኵሮ ኣለዎ።
ኣብዚ ዳሕረዋይ ምትፍናን፡ መንግስቲ ጣሊባን ኣብ ፓኪስታን ንዝርከቡ ዒላማታት ንምውቃዕ ድሮናት ተጠቒሙ። እተን ድሮናት ሕሱራት፡ ንኣሽቱን ኣብ ኣጠቓቕማአን ቀለልትን ኰይነን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ዘሎ ዓይነታት ውግኣት ዝቐየራ፡ ኣብኡ'ውን መልክዕ ውግኣት ይቕይራ ኣለዋ።
እዚ ኣብ መንጎ ክልተአን ተፈጢሩ ዘሎ ዳሕረዋይ ኵነታት ክሳብ ክንደይ ከም ዝቕጽል ንምግማት ኣጸጋሚ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ካብ ክልተኦም ወገናት ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ውሑድ ስለ ዝዀነ።
ጣሊባን ንወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ክፉታት ኣይኰኑን። ብፍላይ ኣብ ጥቓ ዶብ ሓበሬታ ምርግጋጽ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ፓኪስታን፡ ካብ ከባቢታት ዶብ ብናጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ምእካብ እውን ቀሊል ኣይኰነን።
ንግዲ ክልተአን ሃገራት ካብ ጥቅምቲ 2025 ጀሚሩ ደው ኢሉ ከም ዘሎን ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝነውሐ ግዜ ደው ከም ዝበለን ተፈሊጡ። እዚ ድማ ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ኣፍጋኒስታን ንኸም ብዓል ኣገደስቲ መድሓኒታት ሓዊሱ ጐዳኢ ኰይኑ ኣሎ።
ነቶም ድሮ ጥሜትን ድኽነትን ዘጋጠሞምን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሕግታት ጣሊባን ዝነብሩን ተራ ኣፍጋናውያን ከቢድ ኵነታት እዩ።
ካብ 2021 ኣትሒዞም ሓደ እወታዊ ነገር ዝተመኰሩዎ እንተ'ልዩ፡ ዕለታዊ ፍንጀራታት ቦምብ ካብ ምስማዕ ምዕራፎም እዩ ነይሩ። እዚ ድማ በዚ ኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ ዝጀመረ ግጭት ክብረዝ ጀሚሩ ኣሎ።