እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዶብ ክልተ ሃገራት - ህንድን ፓኪስታንን
ኣብቲ መስመር ቍጽጽር -ሎክ (LoC) - ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተነቃፊ ዶብ ምንባር ማለት፡ ወትሩ ኣብ መንጐ ዘይርጕእ ሰላምን ወሰን ግጭት ምንባር ማለት'ዩ።
እዚ፡ ንህንድን ፓኪስታንን ዝፈላሊ ሓደገኛ ዶብ እዩ።
ድሕሪ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ፖልጋም ዝተባህለ ኣብ ምምሕዳር ካሽሚር ዝርከብ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክልቲአን ሃገራት ዳግም ኣፍ-ደገ ግጭት ረጊጸን ተመሊሰን።
ብኽልቲኡ ሸነኽ፡ ናብቲ መስመር ቍጽጽር ደብዳባት ተፈጺሙ፤ እዚ መንበሪ ኣባይቲ ኣዕንዩን ህይወት ሰባት ቀዚፉን።
ብወገን ህንዲ ብውሕዱ 16 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ፓኪስታን ድማ 40 ሲቪላት ከም ዝሞቱ ትገልጽ።
ክንደይ ዝኣክል'ዩ ብቐጥታ ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ሞይቱ ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን።
ኣብ ካናዳ እትነብር ፓኪስታናዊት ጸሓፊት ኣናም ዛካርያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣብ ሎክ ዝርከቡ ስድራቤታት ተቓላዕቲ ጽንኩር ወጥሪ ህንድን ፓኪስታንን እዮም። ተዅሲ ዳግማይ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ብዙሓት ናብ ድፋዓት ይሃድሙ፡ ጥሪትን መነባብሮን ይጠፍኡ፡ ትሕተ ቅርጺ - ኣባይቲ፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ - ይጕዳእ። እቲ ተቓላዕነትን ዘይርጕእነትን ኣብ መዓልታዊ ዝነብሩሉ ክውንነቶም ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ፡" ትብል።
ህንድን ፓኪስታንን 3,323 ኪ.ሜ ዶብ ይካፈላ።
እዚ ድማ ነቲ 740 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መስመር ቍጽጽር ይሓውስ፤ ከምኡ'ውን ብግምት 2,400 ኪ.ሜ ዝሽፍን ኣህጉራዊ ዶብ (IB) ኣለወን።
ሎክ -LoC ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ህንድን ፓኪስታንን፡ ኣብ 1949 መስመር ተዅሲ ደው ምባል ንኽገብራ ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ብመሰረት ብ1972 ዝተፈረመ ስምምዕ ሲምላ ተሰይሙ።
እቲ ንካሽሚር ቈሪጹ ዝሓልፍ መስመር፡ ክልቲአን ሃገራት ምሉእ ብምሉእን ብኸፊልን ዝመሓደርን - ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ጽዑቕ ወተሃደራት ዘለዎዎ ዶብ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ግጭት ጠፊኡ ኣይፈልጥን፤ ተዅሲ ደው ምባል ድማ እቲ ዝቕጽል ጐንጺ ክሳብ ዝለዓል ጥራይ ዝጸንሕ'ዩ።
ምጥሓስ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ካብ "ትሑት ደረጃ ተኹሲ ክሳብ ዓበይቲ ምዝማት መሬትን መጥቃዕቲታትን፡ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጃዋሃርላል ነህሩ ደልሂ (JNU) ክኢላ ፖሊሲ ወጻኢ ሃፒሞን ጃኮብ።
(መሬት ምምንዛዕ፡ ከም ጫፍ ጐቦታት፡ ድፋዓት ወይ መከላኸሊ ዞባታት ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ቦታታት ብሓይሊ ምሓዝ ከጠቓልል ይኽእል።)
ብዙሓት ክኢላታት ከም ዝብሉዎ፡ ሎክ ኣብነት "ብደም ዝተሳእለ፡ ብግጭት ዝተፈጥረ ዶብ" እዩ ይብሉ።
ከምኡ'ውን ከምቲ ጸሓፊት ዛካርያ እትብሎ፡ "ብህንድን ፓኪስታንን ዝተቐርጸ፡ ንካሽሚራውያን ኣብ ግምት ከየእተወ ድማ ወተሃደራዊን ኣጽዋርን ዝተገብረሉ፡" መስመር'ዩ።
ከምዚ ዓይነት ዶባት ኲናት ኣብ ደቡብ ኤስያ ሓድሽ ኣይኰነን።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ቍጠባ ለንደን ፕሮፌሰር ዓለምለኻውን ንጽጽራዊን ፖለቲካ ሱማንትራ ቦዝ፡ እቲ ዝያዳ 'ሓምላይ መስመር' ብዝብል ዝፍለጥ- ኣብ 1949 ዝነበረ መስመር ምቍራጽ ተዅሲ - ዶብ እስራኤልን ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪን ምዃኑ ይዛረብ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 2021 ኣብ መንጐ ክልቲአን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ዝጸንሐ ግዝያዊ ህድኣት ድማ፡ድሕሪ'ቲ ዳሕረዋይ ተጻብኦታት ብቐሊሉ ምፍራሱ ዘገርም ኣይኰነን።
ክኢላ ትካል ትንታነ ብድሆታት ህንዲ ካርነጊ ህንዲ ዝዀነ ሱርያ ቫሊያፓን ክሪሽና፡ "እዚ ሕጂ ኣብ ዶባትን ኣህጉራዊ ዶባትን (IB) ዝረአ ዘሎ ምዕባለ፡ ኣብ ዶብ ንኣርባዕተ ዓመታት ተዛማዲ ሰላም ዝጸንሐ ብምዃኑ ትርጕም ዘለዎ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ዶብ ህንዲን ፓኪስታንን ዝፍጸም ዓመጽ ሓድሽ ኣይኰነን - ቅድሚ እቲ ኣብ 2003 ዝተገበረ ተኹሲ ደው ምባል፡ ህንዲ ኣብ 2001 4,134 ጥሕሰት ሕጊ፡ ኣብ 2002 ድማ 5,767 ጥሕሰት ከም ዝተፈጸመ ጸብጺባ።
እቲ ኣብ 2003 ዝተገበረ ተዅሲ ደው ምባል፡ ካብ 2004 ክሳብ 2007 ብዝተፈጸሙ ንኣሽቱ ጥሕሰታት ተጣሒሱ፤ ኣብ 2008 ግን ወጥሪ ዳግማይ ተላዒሉ ክሳብ 2013 ድማ ኣዝዩ ተጋዲዱ።
ካብ 2013 ክሳብ መጀመርታ 2021፡ ሎክን ኣይቢን ቀጻሊ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ግጭት ርእዮም።
ኣብ ለካቲት 2021 ዝተሓደሰ ተዅሲ ደው ምባል፡ ክሳብ መጋቢት 2025 ቅልጡፍን ቀጻልን ምንቁልቋል ጥሕሰት ኣስዒቡ።
"ኣብቲ ጽዑቕ ስግረ-ዶባዊ ተዅሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዶባት ንኣዋርሕ ክመዛበሉ ርኢና ኢና" ይብል ክሪሽና።
ካብ መወዳእታ መስከረም ክሳብ መጀመርታ ታሕሳስ 2016፡ ብሰንኪ ምጥሓስ ተዅሲ ደው ምባልን ስግረ-ዶባዊ ተዅሲን ልዕሊ 27 ሽሕ ሰባት ካብ ከባቢታት ዶባት ተመዛቢሎም።
ዘይርጕጽነት እቲ ኵነታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ ፓሃልጋም ወጥሪ ተላዒሉ፡ ህንዲ ነቲ ብውዕል ማያት ኢንዱስ (IWT) ዝፍለጥ ቀንዲ ውዕል ምክፍፋል ማይ ህንዲን ፓኪስታንን ደው ኣቢላቶ።
ፓኪስታን ምላሽ ሂባ፡ ካብቲ ኣብ 1972 ዝተገብረ ስምምዕ ሲምላ ክትወጽእ ምዃና ኣፈራሪሓ፡ ንሎክ ወግዓዊ ዝገበሮ ስምምዕ- ክሳብ ሕጂ ግን ኣይወጽአትን።
"እዚ ትርጕም ዘለዎ እዩ፡ ምኽንያቱ ስምምዕ ሲምላ መሰረት ናይቲ ሕጂ ዘሎ ሎክ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ዋላ'ኳ ፖለቲካዊ ፍልልያት እንተሃለዎም ብሓደ ወገን ከይቅይሩዎ ተሰማሚዖም'ዮም፡" ይብል ክሪሽና።
ጄኮብ ብወገኑ፡ ብገለ "ዘገርም ምኽንያት" ኣብ ዙርያ ሎክ ዝፍጸም ጥሕሰት ተኹሲ ደው ምባል ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ከስዕቦ ዝኽእል ምግፋሕ ግጭት ኣብ ዝግበር ዘተን ክትዓትን ከም ዘይተራእየ ይዛረብ።
ጄኮብ ኣብታ 'ላይን ኦን ፋየር: ሲዝፋየር' እትብል መጽሓፉ፡ "ክልተ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት፡ ከም 105 ሚ.ሜ ሞርታር፡ 130ን 155 ሚ.ሜ መዳፍዕን ጸረ ታንክ ዝምራሕ ሚሳይላትን ዝኣመሰሉ ኣጠቓቕማ ልዑል ደረጃ ዘለዎም ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት፡ ንሲቪላውን ወተሃደራውን ክሳራታት ከመይ ከም ዘምለጣ ንባዕሉ ዘገርም'ዩ" ክብል ጽሒፉ።
ህንዲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ብህንዲ እትመሓደር ካሽሚር፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣንጻር መግዛእቲ ህንዲ ዕጥቃዊ ናዕቢ ዝረኣየት ካሽሚር ዕጡቓት ንምእታው ሽፋን ምክልኻል ትጥቀም።
ፓኪስታን ብግደኣ፡ ህንዲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ከባቢታት ብዘይ ምኽንያት ተዅሲ ብምትኳስ ትኸስስ ይብል።
ኣብ ዶብ ህንድን ፓኪስታንን ዝፍጸም ምጥሓስ ተዅሲ ደው ምባል ውጽኢት ምውሓድ ላዕለዋይ ደረጃ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ከምኡ'ውን ናይቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ምቅይያር ምዃኑ ይምጕት።
እቲ ተጻብኦታት መብዛሕትኡ ግዜ ብኣዘዝቲ ግንባር እዩ ዝጅምር - ሓሓሊፉ ብማእከላይ ፍቓድ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ብዘይ ማእከላይ ፍቓድ።
ገለ ክኢላታት፡ ቅድሚ ዳርጋ 20 ዓመታት ኣብ መደርደሪ ዝተቐመጠ ሓሳብ ዳግማይ ክንርእዮ ግዜኡ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም፡ ማለት ንሎክ ናብ ወግዓዊ፡ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶብ ምቕያር።
ካልኦት ድማ ተኽእሎ ክውንነታዊ ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ይዛረቡ።
ሱማንትራ ቦስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ሓሳብ ፍጹም ዘይከኣል'ዩ፡ ዕጹው መገዲ'ዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ካርታታት ህንዲ ንመላእ መሬት እታ ናይ ቀደም ግዝኣት ጃሙን ካሽሚርን ከም ኣካል ህንዲ'ዮም ዘርእዩ።
"ንፓኪስታን፡ ንሎክ ኣካል ኣህጉራዊ ዶብ ምግባር ማለት፡ ነቲ ናይ ካሽሚር ክርክር - ህንዲ ብዝመረጸቶ ውዕላት ምፍታሕ ማለት'ዩ። ኵሉ መንግስትን መራሕን ፓኪስታን፡ ሲቪላዊ ይኹን ወተሃደራዊ፡ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ነዚ ነጺጕዎ'ዩ፡" ኢሉ።
ካብ 2004 ክሳብ 2007፡ ንሎክ ናብ ልዙብ ዶብ ምቕያር፡ ኣብ ልዕሊ ካሽሚር ንዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ሰላም ህንዲን ፓኪስታንን ከማእክል ይኽእል እዩ ዝብል ነይሩ።
ድሓር ግን እዚ መስርሕ እዚ ተበታቲኑ።
ሎሚ፡ እቲ ዶብ ዳግማይ ብደብዳባት ተጣሒሱ።
ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ድማ ካልእ ዑደት ዓመጽን ዘይርጕጽነትን ሒዙሎም መጺኡ።
"ቀጺሉ እንታይ ከም ዝኸውን ፈጺምካ ኣይትፈልጥን። ሎሚ ምሸት ናብ መስመር ቍጽጽር ገጹ ክድቅስ ዝደሊ ሰብ የለን፡" ክብል ሓደ ሰራሕተኛ ሆቴል ናይቲ ብፓኪስታን ዝመሓደር ካሽሚር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እዚ ድማ፡ ተዃሳሒ ሰላም ክሳብ ክንደይ መስኮት ዓውደ ውግእ ክኽፈት ከም ዝኽእል ዘዘኻኽር ምዃኑ የገንዝብ።