ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መሓዙት ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ኢራን ይሕመሳ ኣለዋ

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብቲ ትሕቲ ጽሩይ ሰማይ፡ እታ ዝወቐበት ዓበይቲ ህንጻታትን ቪላታትን ዘለዋ ኣቡዳቢ ትርአ።

እታ ውዕውዕቲ ከተማ ሕጂ በጻሕቲ ዘይብላ፡ ድሪምላይነርን ኣየርባስን ዝዓይነተን ነፈርቲ ዘይኰናስ ባላስቲክ ሚሳይላትን ድሮናታን ካብ ኢራን ዝዓልበላ ከተማ ኰይና ኣላ።

ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ምኒስተር ምክልኻል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብታ ሃገር "165 ባላስቲክ ሚሳይል፡ ክልተ ክሪዝ ሚሳይልን 541 ድሮናትን" ካብ ኢራን ከም ዝተወንጨፋ ገሊጹ።

መዓርፎ ነፈርቲ ባሕሬን'ውን ብሰንበት ብርቱዕ ደብዳብ በጺሑዎ።

ሓደ ነባሪ ባሕሬን ብጽሑፍ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ "ብብርቱዕ ነትጒን ናይ መጠንቀቕታ ደወልን'የ ተበራቢረ፣ ብውሕዱ ዕስራ ግዜ ዝኸውን ናይ ፍንጀራ ድምጺ ሰሚዐ፡" ኢሉ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ድምጺ ኣብቲ ዞባ ንቡር ኣይኰነን። ብቐዳም እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ካብ ዝጅምራ ግን፡ ኢራን ንዒላማታታ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ጥራይ ኣይኰነትን ሓጺራቶ ዘላ።

መጀመርታ ኣብቲ ኣብ ባሕረይ ዝርከብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ወተሃደራዊ መዓስከር ጀሚራ ናብ መዓርፎ ነፈርትን ሰለማውያን ሰባት ዝነብርሉ ቦታታትን ምጥቃዕ በጺሓ ኣላ።

ሕጂ ኣብ ምዕቡላት ሆቴላት፡ ማእከላት ዕዳጋ፡ ነዋሕቲ ህንጻታትን፡ መዓርፎ ነፈርትን ካልእን ኣብ ምጥቃዕ ትርከብ።

እዚ ህንጻታት እዚ ከኣ ሓደ መዓልቲ ብድሮናትን ሚሳይላትን ክጥቃዕ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ቅድመ ምድላዋት ተገይርሉ ዝተሃንጸ ኣይኰነን።

ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ኢራን ንጐረባብታ ኣጥቂዓ ንዝብል ክሲ ንምምላስ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከም ዘይወዓሉዎ ብምግላጽ፡ "ነዘን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘለዋ ጐረባብትና ኣየጥቃዕናየንን፣ ንሕና ንህላወ ኣመሪካ ኣብዘን ሃገራት ኢና ነጥቅዕ ዘለና። እዘን ጐረባብትና ሕርቃነን ኣብ ልዕሊ ነዚ ኵናት ዝኣወጀ እየን ከውጽኣ ዘለወን፡" ኢሉ።

እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ናይ ኣጋጣሚ'ዩ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይመስልን።

ኢራን ከምቲ ብተደጋጋሚ ኣቐዲማ ብንጹር ትገልጾ ዝነበረት፡ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺምዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሓባባሪት እያ ኢላ ዝሓሰበታ ሃገር ሕነ ክትፈዲ ምዃና ከተጠንቅቕ ጸኒሓ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንኢራን ኣካል ናይዚ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ከም ዘይኰና ንምግላጽ፡ ዝተፈላለየ ሜላታት ክጥቀማ ጸኒሐን'የን።

ብመሰረቱ፡ ንነዊሕ እዋን ወተሃደራዊ መሻርኽቲ ዋሽንግተን ብምኻነን ክቕጽዓ ጸኒሐን እየን።

ቅድሚ እስላማዊ ሰውራ፡ ኣብ ግዜ ሻህ፡ ኢራን "ፖሊስ ወሽመጥ" ተባሂላ ትፍለጥ ነይራ።

ካብ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጀሚራ ከኣ ንጐረባብታ ሓላፍነት ጸጥታ ናይቲ ዞባ ንኽትወስድ ብተደጋጋሚ ከተእምነን ትፍትን ነይራ'ያ።

መራሕቲ ኢራን፡ ነተን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ንሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክሰጓን ንኢራን ከም ሓላዊተን ክወስድኣን ከእምኑ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን፡ ግን ኣይተዓወቱን።

እቶም ዓቓባውያን፡ ብንጉሳዊ ስድራቤት ንሃገራቶም ዘመሓድሩ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ሓሳብ ኢራን ኣይማእመኦምን።

ናብ ይሕሸና ዝበልዎ ከኣ ተጸጊዖም። ነታ ኣንጻር ኢራን ዝዀነት ኣመሪካ፡ ኣብ መሬቶም ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽህልዋ ባቦም ኣርሕዮሙላ።

እዚ ዝፈጠሮ ደበና'ዩ፡ ዝናብ ድሮናትን ሚሳይላትን ዘዝንበሎም ዘሎ።

እዚ ድማ ብድምሩ ከመይ ገይሮም ዳግማይ ምስቲ ሕጂ ዘሎ መሪሕነት ኢራን ናብ ንቡር ዝምድና ዝቐርብ ነገር ክህልዎም ከም ዝኽእል ምርኣይ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

እተን ነነዊሕ ዓመታት ንወተሃደራት ኣመሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ መሬተን ወተሃደራዊ መዓስከራት ክሃንጹ ዝፈቐዳ ስዑድ ዓረብን ዖማንን ካብ ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ፍልይ ብዝበለ መምሎቒ ዝኸውን ሕጓ ኣጽኒሐን'የን።

ዖማን ምስ ኢራን ጽቡቕ ርክብ'ዩ ጸኒሕዋ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣመሪካን ብዛዕባ ንዩክለር ዝግበር ዝነበረ ዘተታት ንሳ'ያ ተማእክሎ ነይራ።

ኢራን ግን ኣብ ዖማን'ውን ዓይና ኣይሓሰየትን፣ ኣብ ንግዳዊት ወደብ ዱቑም ናይ ድሮን መጥቐዕቲ ፈንያትላ።

ርእሰ ከተማ ስዑድያ ርያድ'ውን ብቐዳም ዒላማ መጥቃዕቲ ኢራን ድሕሪ ምዃና፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብቝጥዐ ተሪር መግለጺ ኣውጺኡ።

"ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ንዞባ ሪያድን ምብራቓዊ ኣውራጃን ዒላማ ዝገበረ ቅሉዕን ደይመዳያውን መጥቃዕቲ ኢራን ብጽኑዕ ቃላት ብምንጻግ ብትሪ ትዅንኖ። እዚ መጥቃዕትታት ብዝዀነ ይዅን ምስምስ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡" ይብል መግለጺ ንግስነት ስዑድ ዓረብ።

ኢራን ንጐረባብታ ዝዀና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ከተጥቅዕ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

ኣብ 2019 ብኢራን ዝድገፉ ምሊሻታት ኣብ ልዕሊ ናይ ስዑድያ መፍረ መድሃኒት ብዝፈጸምዎ ናይ ድሮናት መጥቃዕቲ፡ እቲ ትካል ሰደዱ ብፍርቂ ክንኪ ደሪኹ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ'ውን ኢራን ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ናታንዝ፡ ኢስፍሃን ፎርዶን ዝበሃላ መደበራት ንዩክለር ዝፈጸመኦ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቐጠር ዝርከብ መዓስከር ኣል ኡዳይድ ናይ ማላስቲክ ሚሳይል መጥቃዕቲ ፈጺማ።

ኢራን፡ ነቲ መዓስከር ከተጥቅዖ ምዃና ሓቢራ'ያ ፈጺማቶ።

እታ ዝበዝሐ ካብ ህዝባ ተኸታሊ ሽዓ ዝዀነት ባሕሬን'ውን፡ ኢራን ነቶም ዕጡቓት ተቓወምታ ትምውል፡ ትዕልምን ተዐጥቕን ከም ዘላ ብተደጋጋሚ ትኽስስ'ያ።

እዚ ሕጂ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕትታት ከኣ ነዚ ከይተረዳእካ ምሉእ ስእሊ ክህልዋካ ኣይክእልን።

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኵናት ብኸመይ'ዩ ክውዳእ?

ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንእስራኤልን ንመንግስታት ማእከላይ ምብራቕን ብቐንዱ ከኣ ንህዝቢ ኢራን እቲ ዝበለጸ ነገር፡ እቲ ኣብ ኢራን ዘሎ እስላማዊ መንግስቲ ብሰለማዊ መንገዲ ብደሞክራስያዊ መንግስቲ ምቕያር'ዩ። ብድሕሪ'ዚ እዮም ኢራናውያን ምስ መላእ ዓለም ጽቡቕ ርክብ ክህልዎም ዝኽእል።

እዚ ግን ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣዝዩ ዝርሓቐ'ዩ።

ኢራንን ኣመሪካን ሕጂ ቀዳምነት ሂበንኦ ዘለዋ ጉዳይ፡ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ከይተበገሰ እንከሎ ብምድምሳስ፡ ኢራን ስግኣት ከም ዘይትፈጥረለን ንምግባራ'ዩ።

ንሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኣብዚ እዋን ቀንዲ ብድሆ ኰይንዎ ዘሎ ነገር፡ መስመር ምክልኻል ንምድልዳል ንመራኽብ ውግእ ኣመሪካ ነጥቅዕዶ ዋላስ ዓቕሊ ዶናልድ ትራምፕ ንዘይምፍትታን ነዚ ዘሎ 'ሕቡእ' ወተሃደራዊ መሳርሒታት ብዓቕሊ ሒዝናዮ ንጽናሕ ዝብል'ዩ።

ኢራን ውሱን ቍጽሪ ሚሳይላትን ድሮናትን እኳ እንተ ሃለዋ፡ እተን ኣንጻራ ዘለዋ ሃገራት'ውን እቲ ተሪፍወን ዘሎ መከላኸሊ ኣየር ውሑድ ምዃኑ ትፈልጥ'ያ።

እተን ጐረባባታ፡ ኢራን ሚሳይላታን ድሮናታን ቅድሚ ምውዳኣ ዘለወን መከላኸሊ ኣየር እንተ ወዲአን'ዩ ዝያዳ ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘሻቕለን።

እቲ ሚዛን ሓይሊ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን'ዩ ዘሎ።

እተን ምስ ኢራን ገጢመን ዘለዋ ክልተአን ሃገራት ካብ ዓለም ዝሓየላን ዝተራቐቐ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ዝዓጠቓን'የን።

ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 200 ነፈርቲ ዝጸዓና ክልተ ዓበይቲ መራክብ ኣመሪካ ኣለዋ፣ እታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጽኑዕ እገዳ ዝነበረት ኢራን ግን ከስግእ ዝኽእል ሓይሊ ኣየር'ውን የብላን።

ኣመሪካን እስራኤልን ብመዳይ ምቍጽጻር ሰማያት ፈጺሙ ምስ ኢራን ክወዳደር ዘይክእል ልዕልና'ዩ ዘለወን።

እቲ ብዝበዝሐ ህዝቢ ኢራን ተቐባልነት ዘይብሉን ምስ ግዜ እናተዳኸመ ዝመጽአን መንግስቲ ኢራን፡ ሓንቲ ዝምክሓላ ነገር ነቲ ብኣመሪካን ምዕራባውያን ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣወጆ እገዳ ስዒሩ ንኢራን ብኽልተ እግራ ደው ክትብል ክገብራ ስለ ዝኸኣለ'ዩ።

እዚ ዘሎ ኵነታት ከምዚ ዘለዎ ክቕጽል እንተዀይኑ ልዕሊ ኣመሪካን እስራኤልን ኢራን'ያ ክትህሰ፣ ኣመሪካን እስራኤል ክዕወታ ዘሎ ተኽእሎ ከኣ ይዓቢ።

ኢራንን ኣመሪካን ናብ ዝርርብ ናይ ምምላስ ተኽእሎ ኣለወን ድዩ?

መንግስቲ ኢራን እንተፈሪሱ እቲ ዝርርብ ኣድላዪ ኣይክኸውንን'ዩ።

መንግስቲ ኢራን ካብዚ ዝፍጸሞ ዘሎ መጥቓዕትታት ሓመዱ ነጊፉ እንተሰሪሩ ግን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሰለስተ ጠለባት ሒዛ'ያ ናብቲ ዝርርብ ክትኣቱ።

ነቲ ኣሎ ዝብሃል ኒዩክለራዊ መደብ ኢራን ምግታእ፤ መደብ ባሊስቲክ ሚሳይል ኢራን ምቁራጽ፤ ከምኡ'ውን ኢራን ኣብ ዙርያ'ቲ ዞባ ንዝርከቡ ከም ሓማስ፡ ሑዝቡላህን ሑቲን ዝኣመሰሉ ምሊሻታት እትህቦ ደገፍ ከተቋርጽ ዝብል ነጥብታት ብኣመሪካ ክቐርብ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ዝነበረ ዘተ ተማእክል ዝነበረት ዖማን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጀኔቫ ዝጀመረ ዘተ ጽቡቕ ተስፋ ተራእይዎ ከምዝነበረ'ያ ትገልጽ።

ቅድሚኡ ግን ምቁራጽ ቶኲሲ ንምግባርን ብድሕሪኡ ናብ ዘተ ንምእታውን ተበግሶታት ክውሰድ ይኽእል'ዩ።

ግን ንኽልቲኤን ሃገራት ዘቐራርበን ነጥብታት ዝተረሓሓቐ እንተዀይኑ ግን እቲ ወተሃደራዊ ምጥቓዕቲ ዝቅጽል'ዩ ዝመስል።