እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕዝቦላህ፡ ኣብ ሊባኖስ ዘለዎ ደገፍን ተቓውሞን እንታይ ይመስል?
እዚ ኣብዚ እዋን መንጐ ሕዝቦላህን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሊባኖስ ንተራ እቲ ሰልፊ ሺዓ ዝምልከት ዓሚቝ ፍልልይ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝነቱግ ዘሎ።
እዚ ቅድሚ’ቲ ሕዝቦላህ ንመጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ደቡብ እስራኤል ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደበራት እስራኤል መጥቃዕቲ ንምፍጻም ብ 8 ጥቅምቲ ዘሕለፎ ውሳነ ዝነበረ እዩ።
እንተዀነ እዚ ምፍልላይ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን ሕዝቦላህ ተባሂሉ ብቐሊሉ ናብ ንጹር ምፍንጫል ክወርድ ኣይክእልን እዩ።
ኣብ ሊባኖስ፡ ዓመታት ዝቐጸለ ብዛዕባ ሕዝቦላህ ዝቐርብ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዳርጋ ሕመረት ኵሉ ፖለቲካዊ ዘተ እታ ሃገር ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ንሕዝቦላህ ምድጋፍ ወይ ኣንጻሩ ምዃን ኣብ ህዝባዊ ይዅን ውልቃዊ ዕላላት፡ ኣብታ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ኣዝዩ ሰፊሕ ናጽነት ሓሳብን ምዝራብን ዘለዋ ሃገር፡ ቀንዲ ማእከል ዘተ እዩ።
ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎም ረቛሒታት
ኣብ ልዕሊ እቲ ሓያል ወተሃደራዊ ጕጅለ እታ ሃገርን ፖለቲካዊ ውድብን ዘሎ መርገጺ ክንገልጽ ከለና፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግባኦም ብዙሓት ቀጸላታት ኣለዉ።
ሊባኖስ፡ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ሰባት ሓያል ጽልዋ ዝፈጥረላ፡ ብዙሓ-ውድባት ዝሓቘፈት ሃገር እያ።
ብዙሓት ደገፍቲ ሕዝቦላህ ሺዓ ኣስላም ኰይኖም፡ ብርክት ዝበሉ ነቐፍቱን ተቓወምቱን ድማ ሱኒ ኣስላምን ክርስትያንን ሓዊሱ ሺዓ ዘይኰኑ እዮም።
እዚ መልክዕ ግን ብመጠኑ ጥራይ'ዩ ቅኑዕ ዝኸውን።
ዝተፈላለየ ሃይማኖታውን ስነ-ሓሳባውን ምትእስሳር ዘለዎም ንሕዝቦላህ ፍጹም ዝቃወሙ ኣገደስቲ ጕጅለታት ኣለዉ።
ዝበዝሑ፡ ኵነተ-ኲናትን-ሰላምን ሊባኖስ ዝምእዝንን፡ ንስርዓተ-መንግስቲ እታ ሃገር ዘዳኽምን ወኪል ኢራን ገይሮም ይቘጽርዎ።
እቲ ሓያል ወተሃደራዊ ሰራዊት [ሕዝቦላህ] ዕጥቂ ክፈትሕ ይደልዩ።
ካልኦት ድማ ምስ ሕዝቦላህ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ዘይሰማምዑ፡ እንተዀነ ብዛዕባ ምዕጣቑ ዝድግፉ ኣለዉ።
ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ መሓዙቱ፡ እቲ ዝዓበየ ክርስትያናዊ ሰልፊ ዝዀነ ‘ናጻ ሃገራዊ ምንቅስቓስ’ [ኤፍፒኤም] ዝበሃል ውድብ እዩ ነይሩ።
እተን ጕጅለታት ነንሕድሕደን ንምድጋፍ ንዓመታት ተዓጻጻፊ ምርድዳኣት ይገብራ ነይረን።
ኤፍፒኤም፡ ዘይነዓቕ ፖለቲካዊ መሓዛ ሺዓ ኰይኑ፡ ምፍታሕ ኣጽዋሩ ሕዝቦላህ ዘይጽውዕ ክርስትያናዊ ውድብ እዩ።
እቲ ስምምዕ ብዙሕ'ኳ እንተዘይጸንሐ፡ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ብኸመይ ብሃይማኖታዊ ድርኺት ምሕዝነት ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ዘርኢ እዩ።
ዓቕሚ ዘይብሉ ሰራዊት ሊባኖስ
ብዙሓት ሰባት፡ ድኹም ሃገራዊ ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋላ’ውን እቶም ካብ ቀንዲ ደግፍቱ ዘይኰኑ፡ ሓያል ወተሃደራዊ ዓቕሚ ዘለዎ ሕዝቦላህን ዕጥቁ ክፈትሕ ኣይደልዩን።
እስራኤል ኣብ 1982 ንሊባኖስ ወሪራታ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ክሳብ 2000 ንገለ ክፋል ደቡብ እታ ሃገር ጐቢጣ፡ ክሳብ ሕጂ ንገለ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺራ ትርከብ።
ኣብ ሊባኖስ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ምምካት ኣድማዒ ዝዀነ ግደ ዝተጻወተ፡ ሓይሊ ሰራዊት ሕዝቦላህ ጥራይ እዩ።
ሰራዊት ሊባኖስ ድኹም ዕጥቂ ዘለዎ ኰይኑ፡ ንኣጽዋርን ተተኮስትን ኣብ ደገፍ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ይምርኮስ።
ዝበዝሕ ኣጽዋሩ ድማ ግዜኡ ዝሓለፎ ምዃኑ ይንገር።
ስለዚ ኣብታ ሃገር፡ ብዙሓት ነቲ ጕጅለ ዘይድግፉ’ኳ እንተዀኑ፡ ሕዝቦላህ ሓይሉ ክዕቅብ ይድግፉ ኣለዉ።
'ግንባር ምትሕግጋዝ'
ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዝተሓላለኸ መልክዕ ምድንጋጽ፡ ተጻብኦን ምሕዝነትን፡ ኣብ እዋን ከምዚ ናይ ሕጂ ቅልውላው ዝያዳ ክቀያየር ይኽእል እዩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ብዙሕ ሰብ ፍልልያቱ ንጐድኒ ክግድፍ ይግደድ።
ብዙሓት፡ ሕዝቦላህ ንቓዛ ደጊፉ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምውሳኑ ዝነቐፉን፡ ነታ ሃገር ናብ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ቅልውላው ትጕተት ኣላ ኢሎም ዝኸሱን እውን ከይተረፉ ክደናገጹ ጀሚሮም ኣለዉ።
ብፍላይ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ እስራኤል ንኣባላት ሕዝቦላሕ ዒላማ ዝገበረ፡ ኣብ ልዕሊ ፔጀርን ዎኪ ቶኪን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ምትሕብባር ኣርእዮም እዮም።
እንተዀነ፡ እታ ሃገር ሓላፍነት ኣይወሰደትን።
እዚ ምትሕግጋዝ’ዚ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስን ጐልጐል ባቓን ሰፊሕ ወፍሪ ኣየር እስራኤል ድሕሪ ምጅማሩ ጥራይ’ዩ ዝያዳ ተጋዲዱ።
እዚ ድማ ምስቲ ደቡባዊ ከባቢ በይሩት ዝዀነ ዳህየህ ዝተፈነወ ኣዝዩ ጽዑቕ መጥቃዕቲታት ዝተሰነየ እዩ ነይሩ።
ብሰንኩ ብዙሓት ህጻናት ዝርከብዎም ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ኣስዒቡ። ከምኡ'ውን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ክመዛበሉ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
"ባህሪያዊ ምትሕግጋዝ እዩ” ይብል ኣብ በይሩት- ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዶክተር ጀሚል ሞዋዋድ።
"ኣብታ ሃገር ኣብ መንጐ ጸረ-ሕዝቦላህ ጕጅለታት ከይተረፈ ሰፊሕ ጸረ-እስራኤል ስምዒት ከምዘሎ ንጹር'ዩ።"
ወሲኹ ድማ፡ "ብዙሕ ሰብ ንግዝያዊ ፍልልያት ንጐድኒ ክገድፍ ኣለዎ ይብሉ ኣለዉ።"
ንሱ ከምዝብሎ፡ እዚ ስነ-ሓሳባዊ ወይ ፖለቲካዊ ስኒት ዘይኮነስ፡ ብመንጽር እቲ እስራኤል ክትፍጽሞ ዝጸንሐት ግፍዒ ስነ-ምግባራዊ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዘሎ ምፍልላይ ግን ርኡይ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ እስራኤል ድማ ክትምዝምዞ ትፍትን ትመስል።
ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ስግር ደቡብን ጎልጎል ባቓን ንዝርከባ ከተማታት ሊባኖስ ኣብ ዝድብድባሉ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ንህዝቢ ሊባኖስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ "ኲናት እስራኤል ምሳኻትኩም ኣይኰነን፤ ምስ ሕዝቦላህ እዩ ባእስና" ኢሉ።
ሕዝቦላህ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ክሳብ ክንደይ ደገፍ ክረክብ ይኽእል ንዝብል ሕቶ፡ እዚ ስግረ-ዶባዊ ቅልውላው ክጋደድ ድዩ ወይስ ክቋረጽ ኣብ ዝብል ኣገዳሲ ረቛሒ ዝምስረት ይኸውን።