ሊባኖስ፡ ፈለማ ብመልእኽቲ ተሌፎን ደሓር ብቦምባ ነፈርቲ ትናወጽ

ሰኑይ ኣብ ሊባኖስ ድሕሪ እቲ ኣብ 1990 ዝተዛዘመ ኲናት ሓድሕድ እታ ዝኸፍአት መዓልቲ ኰይና ኣላ። ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ልዕሊ 550 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካብኣቶም እቶም 50 ህጻናት’ዮም።

ብዙሓት ሰባት ብመንገዲ መልእኽቲ ኤስኤምኤስ፡ ኣውቶማቲክ ጻውዒት ተሌፎን ወይ ብዝተጨውየ ፈነወ ራድዮ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ተቐቢሎም።

ሰበስልጣን እስራኤል እቶም ዝተልኣኹ መልእኽትታት ከም መጠንቀቕታ ከምዝተላእኩን፡ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ንምግባር ዝዓለመን ከምዝዀነ ገሊጾም።

ኣብ ሊባኖስ ግን “ስነ-ኣእምሮኣዊ ውግእ” እዩ ብዝብል እዮም ተወሲዶም።

እቲ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ናይ ‘ውጽኡ’ መልእኽትታት ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ወጋሕታ ዝተላእከ ኰይኑ፡ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሰባት ብተሌፎኖም ካብተን ሕዝቦላህ ኣጽዋር ይኽዝነሉ’ዩ ዝበሎ ዓድታትን ከባቢታትን ክወጹ ዝጽውዕ ኤስኤምኤስ መልእኽቲ በጺሑዎም።

ካብ ዶብ እስራኤል 4 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቤት ሊፍ እትቕመጥ ነማት፡ ሓዋ ካብቶም መልእኽቲ ዝበጽሖም ሰባት ሓደ ከምዝዀነ ንቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ።

እታ ምስ ሓዋ እትነብር ጓል 49 ዓመት ነማት፡ "ንብረትና ዓሺግና ክንከይድ ኢና ተቐዳዲምና" ትብል። “ቅድሚ ሕጂ ኲናት ርኢና ኢና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግን የለን፤ ዓሚቝ ሓዘንን ቃንዛ ልብን ይስምዓና።”

ሕጂ ኣብ ሓደ ከም ግዝያዊ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ይነብሩ ኣለዉ።

ብዘይካ’ቲ መልእኽትታት፡ ሓላፊ ኩባንያ ቴሌኮም ሊባኖስ ኦገሮ ኢማድ ክረይዲህ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 80 ሽሕ ፈተነ ጻውዒት ከምዝተገብረን፡ እዚ ድማ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ከምዝዀነ ዝእመንን፡ ሰባት ክወጹ ዝሓትት ምዃኑን ገሊጹ።

ነቲ ጻውዒታት ተሌፎን "ዕንወትን ህውከትን ንምፍጣር ዝግበር ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት" ክብል ገሊጽዎ። ሚኒስትሪ ዜና ሊባኖስ ኣብ ውሽጢ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ንዝርከቡ ሰባት ክወጹ ዝሕብር ሓደ ጻውዒት በጺሕዎ።

ሚኒስተር ዜና ዝያድ ማካሪ ንቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ መልሲ ከምዘይህቡ ሓቢሩ።

ወሲኹ፡ "እስራኤል ኵሉ ዓይነት ስነ-ኣእምሮኣዊ ውግእ ትጥቀም’ያ ዘላ" ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቶም መልእኽትታትን ጻውዒታትን ምስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዕርድታት ሕዝቦላህ ዝያዳ ጽዑቕ ደብዳብ ክትገብር መደብ ከምዘለዋ ዘጠንቀቐቶ ወተሃደራዊ መጠንቀቕታ ዝሳነ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መላእ ሊባኖስ፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ በይሩት ሓድሽ ዙርያ “ሰፊሕ መጥቃዕቲ” ጀሚሩ’ዩ።

እስራኤል ሓደ ካብቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ዝጥቀመሉ ሜላታት፡ ኣብ ውሽጢ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ሊባኖስ ሚሳይላትን ኣጽዋርን ምሕባእ ምዃኑ ትኣምን።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ኣቪቻይ ኣድራይ፡ ሰባት ካብቲ "ሕዝቦላህ ኣጽዋር ዝኽዝነሉ ገዛውቲ ክወጹ" ብምምሕጻን፡ "ሕዝቦላህ ግዳይ መስዋእቲ ይገብረኩም ኣሎ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

እስራኤል ነዚ መጠንቀቕታታት ዘውጽአት ሰባት ናብ ውሑስ ከባቢታት ክግዕዙ ኢላ ክትገልጽ እንከላ፡ ገሊኦም ግን ናበይ ክኸዱ ከምዘለዎም ተደናጊሮም ከምዘለዉ ገሊጾም።

ዘይነብ ዝተባህለት ኣደ ሰለስተ ቈልዑ፡ ምስ ሓፍታ ኣብቲ ምስ እስራኤል እትዳወብ ኣውራጃ ናባቲየ ኣብ እትርከብ ዓዲ ከምዝነበረት ብምግላጽ ክልተኤን ብተሌፎን ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ በጽሒወን።

ኣብ ጥቓ ገዛ ሓፍታ ዝተኸዘነ ኣጽዋር ሕዝቦላህ ከምዘየለ’ኳ እንተኣመነት፡ ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ ግን ከምዝተንቀሳቐሳ ገሊጻ። “ብቕልጡፍ ንብረትና ዓሺግና ናብቲ ካብ እንዳ ሓፍተይ ብዙሕ ዘይርሕቕ ገዛይ ሃዲምና።”

ወሲኻ፡ “ገዛ ሓፍተይ ናብቲ ዶብ ዝቐረበ ብምዃኑ ቅኑዕ ነገር ኰይኑ ተሰሚዑና” ኢላ።

ንስድራኹም ተሰናበትዎም

ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ንዝነብሩ ሰባት እውን መልእኽቲ ኤስኤምኤስ በጺሕዎም ኣሎ።

ብ19 መስከረም እስራኤላውያን ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ከምዝበጽሖምን፡ ሰበስልጣን ሳይበር እታ ሃገር ብኢራንን ሕዝቦላህን ከምዝተላእከ ገሊጾም።

መንግስቲ እስራኤል፡ “ንህዝቢ ስንባደ ንምፍጣር ዝግበር ሕሱርን ዘይተራቐቐን ፈተነ” ክብል ገሊጽዎም፤ “ጸላእቲ ብኣእምሮ ሲቪላትና ክጻወቱ ዝገበሩዎ ፈተነታት” ክብል ገሊጽዎ።

እቶም መልእኽትታት ገሊኦም ብተልመዴን ጽሑፍ እብራይስጥ ዝተጻሕፉን ዘስግእ ቃና ዝነበሮም ከምዝዀኑ ተፈሊጡ።

እስራኤላዊ ማዕከን ዜና ሃረዝ ከም ዝጸብጸቦ፡ ሓደ ካብቲ መልእኽቲ፡ “ንእትፈትዎም ሰባት ተፋነዎም፡ ግን ኣይትጨነቑ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብ ሲኦል ክትሓቑፍዎም ኢኹም” ዝብል እዩ።

ኣብቲ መልእኽትታት ስም ናይቲ ላኣኺ ‘ሰይነስረላ’ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንመራሒ ሕዝቦላህ ሰይድ ሓሰን ነስራላህ መወከሲ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

መልእኽትታት ራድዮ

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል’ውን ብዘይ ፍቓድ ፍሪኴንሲ ራድዮ ሊባኖስ ብምውሳድ፡ ኣብ ሓያሎ መደበራት ራድዮ ዝተቐድሐ መልእኽቲ ብምፍናው፡ ሲቪላት ናብ ሕዝቦላህ ካብ ዝቐረቡ ቦታታት ክወጹ ዝሓትት’ዩ።

እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኵነታት ነቲ ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ዘሎ ቅልውላው ምፍንቓል ዘጋደዶ ኰይኑ ቅድሚ እቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዶብ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ካብ ገዛኦም ሃዲሞም ነይሮም።

ሰባት ናብ ሰሜን ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ጽርግያታት ተዓጽዮም።

ብዛዕባ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝምልከት መጠንቀቕታታት ስዒቡ፡ ብዙሓት ወለዲ ኣብ ሊባኖስ ደቆም ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ክወስዱ ክጓየዩ እንከለዉ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድማ ብሰንኪ እቲ ንተምሃሮ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል እዩ ዝበሎ፡ "ጸጥታውን ወተሃደራዊ ኵነታትን" ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ክዕጾ ወሲኑ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ሮኬት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ እስራኤል ስጕምትታት ድሕነት ወሲኹ።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝርከባ ሆስፒታላት ሕሙማት ናብ ካልእ ውሑስ ቦታታት ከግዕዛ ኣዚዙ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ድማ ኣብ ደገ ዝግበር ምትእኽኻብ ካብ 10 ሰባት ከይበዝሕ ተነጊርዎም።