ወራር ሊባኖስ፡ ክስዕቡ ዝኽእሉ ተርእዮታት እንታይ እዮም?

እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊታ ናብ ሊባኖስ ንኽኣቱ ዝግበር ዘሎ ምድላው ምዃኑ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እስራኤል ሄርዚ ሃለቪ ገሊጹ።

ንሱ ንወተሃደራት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እተን ኣብ ሰማይ ዝዝንብያ ዘለዋ ነፈርቲ ውግእ ብዘይ ምቍራጽ የጥቅዓ ኣለዋ። እዚ ድማ ንስኻትኩም ክትኣትዉ እንከለኹም ምቹእ ባይታ ንምፍጣርን ዓቕሚ ህዝቦላህ ንምድኻምን ዝዓለመ እዩ” ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተራእየ ግጭት ንብዙሓት ነቲ ኣብ 2006 ዝተኻየደ ኲናት ዘዘኻኽር ኰይኑ፡ ድሕሪ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ምድራዊ ስርሒታት ስዒቡ።

ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ኣሐይሉ ስለዝቐጸለ፡ ብኽልቲኡ ወገን ቀጻሊ ምትዅታዃት ተራእዩ።

እስራኤል ንሊባኖስ ክትወርር እንተወሲና እቲ ወራር እንታይ ክመስል ይኽእል?

እስራኤል ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ክትጸንሕን ክትቈጻጸሮን ትደሊ ድያ?

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ወራር ንምክያድ ትዳሎ ኣላ?

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ብሰንኪ’ቲ ምስ ሕዝቦላህ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ካብ መንበሪኦም ገዛኦም ንዝተመዛበሉ ኣስታት 60 ሽሕ ነበርቲ ብሰላም ናብ መረበቶም ክምለሱ ስለምዃኖም ብተደጋጋሚ ተመባጺዑ እዩ።

ትማሊ ረቡዕ 25 መስከረም፡ እስራኤል ናብ ሊባኖስ ክትኣቱ ከም ዝሓሰበት ንጹር ኰይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እቶም ነበርቲ ዘስዕቦ ስግኣት ንምውጋድ እዩ።

ሄርዚ ሃለቪ ንወተሃደራት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ "ሎሚ’ውን ክንቅጽል ኢና፡ ደው ኣይንብልን ኢና፤ ኣብ ኵሉ ቦታን ዝተረኸብሉን መጥቃዕትና ቀጻሊ እዩ። እቲ ዕላማ ኣዝዩ ንጹር'ዩ-ነበርቲ ሰሜን ብሰላም ንምምላስ" ኢሉ።

ቅድሚ እዚ፡ ብሰኑይ 23 መስከረም፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዒላማ ሕዝቦላህ እዩ ኣብ ዝበለቶ ቦታታት ብዝተፈጸመ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 550 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብኡ ዝርከብ በዓል መዚ ጥዕና፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ሓካይምን ዝርከብዎም ሲቪላት ካብቶም ዝተቐትሉ ምዃኖም ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ዝቐጸለ ኰይኑ እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሊባኖስ ምድራዊ ሓይሊ ክትልእኽ ምዃና ብዙሓት ተንተንቲ ይግምቱ ኣለዉ።

እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እትወስዶ ስጕምቲ እንታይ ክመስል ይኽእል?

እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየደቶ ውግኣት ዝተፈላለየ ሜላታት ተኸቲላ እያ።

ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ተርእዮታት ንምርዳእ፡ እስራኤል ኣብ 1982ን 2006ን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካየደቶ ወራራት ደጊምካ ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ።

ኲናት 1982፡ ምሉእ ግዝኣታዊ ወራር

ኣብ 1982፡ ሓይልታት እስራኤል ናብ ሊባኖስ ብምእታው፡ ስግረ-ዶባዊ ወራር ፍልስጤም ንምግታእ፡ ህላወን ጽልዋን ሶርያ ኣብ ሊባኖስ ከብቅዕን ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ክፍርም ዝኽእል ዝያዳ ተመሓዛዊ መንግስቲ ኣብ ሊባኖስ ንምቛም ክሕግዙን ፈቲኖም - ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ዲፕሎማስያዊ ልኡኻት እስራኤል።

ኣብቲ እዋን እቲ ብያሲር ዓራፋትን ትካሉ ሓርነት ፍልስጤምን እትምራሕ ፍልስጤም ንእስራኤል ኣፍልጦ ስለዘይሃቡ እስራኤል ድማ ንፍልስጤም ኣይትድግፍን እያ።

እቲ ወራር ኣሽሓት ወተሃደራት፣ ኣማኢት ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ዘሳተፈ ሰፊሕ እዩ ነይሩ። እቲ ወፍሪ ብጽዑቕ ደብዳብ ኣየር፡ ሓይሊ ባሕርን መዳፍዕን ዝተሰነየ ምንባሩ ይፍለጥ። እስራኤላውያን ብብዙሕ ግንባራት ኣትዮም፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ድማ ኣብ ወሰን ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት በጺሖም ነታ ከተማ ከቢቦምዋ።

ዓለም ነቲ ብ1982 እተገብረ ወራር ብኸመይ እያ ርእያቶ?

መራሒ ግንባር ሓርነት ፍልስጤም ያሲር ዓራፋት፡ ከምኡ’ውን ኣንጻር እስራኤል ዝደገፍዎ ኣስታት 2000 ወተሃደራት ሶርያ ካብ ሊባኖስ ክወጹ ተገዲዶም።

ኣብቲ እዋን ሓደ ወኪል ቢቢሲ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ነይሩ፤ “ሕጂ ብመርከብ ናብ ግሪኽ ዝኸይድ ዘሎ ሚስተር ዓራፋት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሊባኖስ ዘስዓቦ ኣዕናዊ ውጽኢት፡ ካልእ ክሕግዞ ፍቓደኛ ዝዀነ መንግስቲ ዓረብ ክረክብ ዘይሕሰብ ይመስል” ኢሉ ነይሩ።

ይዅን እምበር እስራኤል ኣብ መላእ ዓለም ብሰፊሑ ተዀኒና ነበረት። ምኽንያቱ ኣብ መስከረም 1982 ኣብ በይሩት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ብክርስትያናዊ ምልሻታት ክጭፍጨፉ እንከለዉ ወተሃደራት እስራኤል ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩን።

እቲ ሳብራን ሻቲላን ዝፍለጥ ጭፍጨፋ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ንዝተፈጸመ ቅትለት ምሩጽ ፕረዚደንት በሽር ገማየል ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኲናት 2006፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዝገበረቶ ውሱን ወራር

ኣብ 2006 ዝተፈጸመ ናይ መሬት ወራር ምስ 1982 ክነጻጸር እንከሎ ድሩትን ብተዛማዲ ዝዘሓለን ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ካብ ውሑዳት ኪሎሜተራት ዘይበዝሕ ከተማታትን ከባቢአንን ዝተደረተ እዩ።

እስራኤላዊ ተንታኒ ፖለቲካ ዮኣቭ ስተርን ብ23 መስከረም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ዝቕጽል ናይ መሬት ወራር ምስቲ ኣብ 1982 ዘጋጠመ ዝመሳሰል ክኸውን ከምዘይሓስብ፡ እንታይ ደኣ ህድእ ዝበለ፡ ጥንቁቕን ዝተሓሰበን ወራር ክኸውን እዩ ኢሉ።

እስራኤል ኣብ ክንዲ ቅልጡፍን ምሉእን ወራር ትጅምር፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከባ ከተማታት በብሓደ ክትሕዝ ከምእትኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ። ምስቲ ኣብ 2006 ዘጋጠመ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ መሬት ሊባኖስ ግን ብዝያዳ ዕምቆት፡ ናብ ሩባ ሊታኒ ክበጽሕ እዩ። ሩባ ሊታኒ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንኽልቲኦም ወገናት ኣገደስቲ ከባቢታት ሊባኖስ ንምቍጽጻር ዝደልዩ ኣገዳሲ ደረት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣመተ ስተርን ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ከተማታት ደቡባዊ ሊባኖስ ሃለዋት ሕዝቦላህ ዝምርኮስ ኰይኑ፡ እዚ ድማ እስራኤል ነተን ከተማታት ከይትቈጻጸርን ቀልጢፋ ከይትወጽእን ዝኽልክል እዩ።

ወተሃደራዊ ተንታኒን ጀነራል ነበርን ሂሻም ጃበር፡ ወተሃደራት እስራኤል ንነዊሕ እዋን ኣብ ሊባኖስ ክጸንሑ እዮም ዝብል ገምጋም ከምዘይብሉ’ዩ ዝካታዕ።

"እስራኤል ኣብ 2006 ምሉእ ግዝኣት ሊባኖስ ክትቆጻጸር ኣብ ዝፈተነትሉ ግዜ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣጋጢምዋ’ዩ" ዝበለ ሒሻም፡ ሕጂ ክመጽእ ዝኽእል ወራር ኣዝዩ ዝተፈልየ መልክዕ ከምዝሕዝ ይዛረብ።

ጃበር፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ ምድራዊ ስርሒታት፡ ኣዝዩ ጸቢብ ስፍሓት ዘለዎ ስግረ-ዶባዊ ወራር ጥራይ ክድረት ትጽቢት ኣለዎ። እዚ ድማ ውሱን ከባቢታት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እስራኤል ክትገብሮ እትኽእል ነፍሲ ወከፍ ወራር ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ዘይጸንሕ እዩ።

ንሱ ኣስዒቡ እስራኤል ነቲ ናይ መሬት ወራር ኣማራጺ ሓዲጋ ብቕትለትን ስርሒታት ድሕነት ሳይበርን ዝውስኽ መጥቃዕቲ ኣየር ከተሐይል ትጽቢት ኣለዎ።

እቲ ወራር ኣበይ ክኸውን ይኽእል?

ጃበር፡ ምድራዊ ስርሒታት እስራኤል ኣብ "ኣብ ዶባዊ ከተማታት ሊባኖስ ኣብ ዝርከቡ ኣዝዮም ውሱናት ከባቢታት" ክድረት ትጽቢት ኣለዎ። እንተዀ እስራኤል ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሊባኖስ "ስርሒታት ኮማንዶ" ዝመስል ክትፍጽም ምዃና ኣይገለጸን።

ብኣንጻሩ ስተርን፡ ስፍሓት ናይቲ ክካየድ ዝኽእል ናይ መሬት ስርሒት ንደቡባዊ ሊባኖስ ማለት "ኣብ መንጎ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ሩባ ሊታኒን ዘሎ ከባቢ" ዘጠቓልል ክኸውን ትጽቢት ኣለዎ።

እስራኤል ኣብ መጻኢ ላዕለዋይ ኢድ ኣብ ዘተ ብልጫ ንምፍጣር ብዝብል ዕላማ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ኣዕሚቛ ክትኣቱ ከምእትኽእል ይእምት።

ኣብ ኲናት 1982 ዝተኻየደ ወራር ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ሸነኻት ዘተኮረ ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ካብ ብገሊላ ዝፍለጥ ከባቢ ናብ ጎልጎል ባቓ ገጹ ኣብ ምብራቓዊ ሊባኖስን ማእከላይ ኣኽራናዊ ከባቢታትን ዝጀመሩ ኰይኖም፡ እቲ ሳልሳይ ምዕራፍ ድማ ኣብ መንገዲ ገማግም ባሕሪ ካብ ደቡብ ሊባኖስ ናብ በይሩት ዘቕንዐ እዩ ነይሩ።

ዕላማታት እቲ ወራር እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ናይቲ ኣብ 1982 ዝተኻየደ ኲናትን ናይ መሬት ስርሒታቱን፡ ነተን ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝርከባ ከተማታት ካብ ናይ ሮኬታትን መዳፍዕን ርሕቐት ነጻ ምግባር። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ተዋጋእቲ፡ ካብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን 40 ኪ.ሜ ንድሕሪት ናይ ምድፋእ ዕላማ እዩ ነይርዎ።

እስራኤል ኣብ በይሩት ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ሓዊሱ ትሕተ ቅርጺ ውድብ ግንባር ሓርነት ፍልስጤም ንምዕናውን ንሓይልታት ሶርያ ካብ ሊባኖስ ንምውጻእ ዝብል ተወሳኺ ዕላማ ጠቒሳ።

ኣብ 1982 ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ኣብ ጎልጎል ባቓ፡ ኣኽራናት ቾፍን በይሩትን ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ሂሻም ጃበር፡ እቲ ብእስራኤል ክግበር ዝኽእል ወራር ግዝኣት ኣብ ነዊሕ እዋን ውሑድ ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይኣምን።

ብኣንጻሩ ስተርን፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ እተካይዶ ወራር ብኽልተ ምኽንያታት ንዕጡቓት ሕዝቦላህ ካብ ሩባ ሊታኒ ንምድፋእ ዕላማ ከም እትገብር ይኣምን።

“ናብ ከተማታት እስራኤል ዝቐንዐ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሮኬታት ምትኳስ ደው ንምባል፡ ከምኡ’ውን ምስቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝመሳሰል መጥቃዕቲ ከይድገም ምእንቲ ንምክልኻል” ከምዝዀነ ገሊጹ።