እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካን እስራኤልን ስለምንታይ እየን ናብዚ ሓደገኛ ኩነታት ኣትየን? ተንታኒ ፖለቲካ ቢቢሲ
- Author, ጀረሚ ቦውን
- Role, ዓለምለኸ ኢዲተር ቢቢሲ
- ንባብ: 4 ደቓይቕ
ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኣብ ሓድሽ ኲናት ንምእታው ዝወሰድኦ ውሳነ፡ ዘይግመትን ኣዝዩ ሓደገኛን ኩነታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካን እስራኤልን ከምዝተቐትለ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምግላጹ ድማ ዝያዳ እቲ ኩነታት ዘሻቕል ይገብሮ።
ሞት እቲ መንፈሳዊ መራሒ ብመንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢራን'ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።
እስራኤል ነዚ መጥቃዕታ ንምፍፃም ከም መመኽነይታ፡ "ቅድመ-ምክልልኻል" ዝብል ቃል'ያ ተጠቒማ ኣላ።
ኣብ ታሪኽ፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሓቢሩ።
እቲ መመኽነይታ ግን፡ ነቲ ስግኣት ምላሽ ዝህብ ኣይኰነን፤ "ቅድመ-ምክልልኻል" ዝብል ቃል ዘእምን ኣይኰነን፤ የግዳስ ናይ ምርጫ ጉዳይ እዩ።
እስራኤልን ኣመሪካን፡ ኣብ ኢራን ዝርከብ እስላማዊ ስርዓት ምዃኑ ተዝተቓለዐ ምዃኑ መልኪተን ኣለዋ።
እቲ ስርዓት ምስ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ይገጥም ኣሎ፤ ኢራን ካብቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ሰፊሕ መቕተልቲ ዘስዓበ ዕግርግር ኣይወፀትን ኣላ።
ከምኡ ድማ፡ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ብናይ ዝሓለፈ ዓመት ኲናት [ምስ እስራኤልን ኣመሪካን] ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ።
መደምደምታኦም እዚ ክባኽን ዘይግብኦ ዕድል እዩ ዝመስል።
እዚ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ-ገደል ዘሎ ዓለምለኻዊ-ሕጊ ድማ፡ ካልእ ጽፍዒት እዩ።
ክልቲኦም፡ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን፡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኢራን ንሃገራቶምን ንዓለምን ሓደጋ ምዃና ገሊጾም ኣለዉ።
እስላማዊ ስርዓት ብርግጽ መሪር ጸላኢኦም እዩ።
ኣብ መንጎ ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ወገን፡ ኢራን ድማ በቲ ካልእ ወገን ዘሎ ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ 'ርእሰ-ምክልኻል' ዝብል መመኽነይታ ንምእማኑ ኣጸጋሚ እዩ።
'ኲናት፡ ፖለቲካዊ ምርጫ እዩ'
ኲናት ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ። ሓደ ግዜ ምስ ተጀመረ ክትቆጻጸሮ ብባህሪኡ ኣጸጋሚ እዩ።
መራሕቲ ንጹር ዕላማ የድልዮም።
ኔታንያሁ ንኢራን ንዓሰርተታት ዓመታት ከም ሓደገኛ ጸላኢ እስራኤል ገይሩ ይርእያ ነይሩ። ነዚ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቴህራን ዘሎ ስርዓትን ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራንን ሃሰያ ከብጽሓሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ እዩ።
ኔታንያሁ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ሓፈሻዊ ምርጫ'ውን ይፅበዮ ኣሎ።
ምስ ሓማስ ንክልተ ዓመት ዘካየዶ ኲናት ዝረኸቦ ውፅኢት፡ እስራኤል ኣብ ኲናት ኣብ እትኣትወሉ እዋን ፖለቲካዊ መርገጺኡ ከም ዝሕይል ይኣምን።
ዕላማታት ትራምፕ ክቀያየር ፀኒሑ እዩ።
ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርኢ፡ ኣብ ጥሪ ኣብ ኢራን ናብ ኣደባባይ ንዝወፅኡ ሰልፈኛታት፡ ሓገዝ ይመፅእ ከምዘሎ ገሊፁሎም ነይሩ።
መብዛሕትኡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብቲ እዋን ንመራሒ ቬንዙዌላ ኣብ ምእላይ ተጸሚዱ ስለዝነበረ፡ ወተሃደራዊ ኣማራፂታት ኣይነበሮን።
ኣመሪካ ክልተ ነፈርቲ ዝሽከማ ዓርሞሽሽ መረኽብ፡ ናብቲ ዞባ ብምንቅስቓስ፡ ከምኡ'ውን ብመሬት ዘይነዓቕ ኣጋር ሓይሊ ኣዋፊራ ነይራ።
ትራምፕ ብዛዕባ ሓደጋታት ኒዩክለራዊ ድሌታት ኢራን ብዙሕ'ኳ እንተተዛረበ፡ ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ኲናት፡ ትራምፕ መደብ ኒዩክለራዊ ኢራን "ተደምሲሱ" ኢሉ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ።
ስርዓት ኢራን ወትሩ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከምዘይብሉ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ መደብ ኒዩክለራዊ ሓይሉ፡ ሲቪላዊ ረብሓ ዘይብሉ ደረጃ ዩራንየም ከምዘሀብተመ ይእመን።
እንተወሓደ ቦምባ ናይ ምስራሕ ኣማራጺ ዝደሊ ይመስል። ክሳብ ሕጂ ግን፡ እስራኤልን ኣመሪካን ነዚ ዘረጋግፅ መርትዖ ኣየቕረባን።
ትራምፕ ኣብ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ "ናጽነት" ኣብ ቀረባ ምዃኑ ንህዝቢ ኢራን ሓቢሩ ኣሎ። ኔታንያሁ'ውን ከምኡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
እቲ ኲናት ንህዝቢ ኢራን ናይ ስርዓት ለውጢ ከምዘምፀአሉ፤ እዚ ርግጸኛ ምዃን ኣይከኣልን።
ብመገደ መጥቃዕቲ ኣየር ጥራይ ለውጢ ስርዓት ክመፀሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ትሑት እዩ።
ኣብ ዒራቕ፡ ሳዳም ሑሴን ኣብ 2003 ብኣመሪካ ዝምራሕ ገዚፍ ወራር ሓይሊ ተኣልዩ። ሙዓመር ቃዛፊ ኣብ 2011 ብኔቶን ገለ ሃገራት ዓረብን ሓይሊ ኣየር ብዝተዋህቦም ሓይልታት ካብ ሊብያ ተኣልዩ።
ኣብ ክልቲኡ ግን፡ ከም ውጽኢቱ ምፍራስ ሃገር፡ ኲናት ሓድሕድን ቅትለታትን ኣሽሓት እዩ ኣስዒቡ።
ሊብያ ሕዚ'ውን ፍሽልቲ ሃገር እያ። ዒራቕ ክሳብ ሕዚ ምስ ሳዕቤናት ናይቲ ወራርን፡ ንዕኡ ስዒቡ ዘጋጠመ ምፍሳስ ደምን ትቃለስ ኣላ።
ኣብዚ ናይ ሕዚ፡ ሓይሊ ኣየር ጥራይ ተጠቒምካ ነቲ ስርዓት ምፍራስ እንተኣጋጢሙ'ውን፡ እቲ እስላማዊ ስርዓት ብሰብኣዊ መሰላት ዝኣምን ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ኣይክትካእን እዩ።
ኣብ ደገ ኰነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ነዚ ሃጓፍ ዝመልእ ኣማራጺ ውድብ የለን።
ዳርጋ ንፍርቂ ዘመን፡ ስርዓት ኢራን ብስነ-ሓሳብ፣ ብብልሽውናን ብዘይ ምሕረት ሓይሊ ምጥቃምን ዝድገፍ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ስርዓት ሃኒፁ እዩ።
ስርዓት ቴህራን ኣብ ጥሪ ሰልፈኛታት ካብ ምቕታል ንድሕሪት ከምዘየዕብል ኣመስኪሩ እዩ።
ኣብ ጎደናታት ወፂኦም ነቲ ስርዓት ብምብዳህን ናጽነት ብምሕታቶምን፡ ኣሽሓት ደቂ ሃገር ድራር ጥይት ኰይኖም። 'ተኲስካ ቅተል' ዝብል ትእዛዝ ጥራይ ዝፅበዩ ዕጡቓት ኣለዉዋ።
ሞት ላዕለዋይ መራሒ እንታይ አዩ ከስዕብ
ኣመሪካን እስራኤልን ነቲ ላዕለዋይ መራሒ ክቐትልዎ ከምዝደለዩ ሕጂ ንጹር ኮይኑ ኣሎ።
እስራኤል ቅንጸላ ከም ስትራተጂ ትኣምን። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንመራሕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛን ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስን ቀቲላ እያ።
ኣብ ኢራን ዘሎ እስላማዊ ስርዓት ግን ካልእ ጉዳይ እዩ።
ንሓደ መንግስቲ እምበር ንዕጡቕ ምንቅስቓስ ኣይመርሕን እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ጉዳይ ኣይኮነን።
ሓደ ላዕለዋይ መራሒ እንተተቐቲሉ፡ ብኻልእ ብናይ ኢራን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ (IRGC) ዝድገፍ መንፈሳዊ መራሒ ይትካእ፤ እዚ ድማ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝፍጠር ስግኣት ነቲ ስርዓት ንምክልኻል ንፁር ዕማም ዘለዎ ዕጡቕ ሓይልታት ዝተሰነየ እዩ።
ትራምፕ ዕጥቆም እንተድኣ ኣንቢሮም ሕድገት ከምዝግበረሎም ተዛሪቡ ኣሎ።
ሓለዋ ሰውራ፡ በዚ ፃውዒት ክፍተን ዘለዎ ተኽእሎ ፀቢብ እዩ። መስዋእቲ ኣብ ስነ-ሓሳብ እስላማዊት ሪፓብሊክን ኣብ ሺዓ እስልምናን ዓᎁቕ ቦታ እዩ ዘለዎ።
ትራምፕ፡ ኣብ ፖለቲካን ህይወትን ቀንዲ ድርኺት ዝፈጥር ሓይሊ ገንዘብ ምዃኑ እዩ ዝኣምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፉ ዝብሎ፡ ውሕሉል ድርድር።
ኣብ ኢራን ግን ንሓይሊ ስነ-ሓሳብን እምነትን ዝብድህ ኣይከውንን። እዚ ንምዕቃን ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ።
ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ፡ መሪሕነት ቴህራን ኲናት ከም ዘይተርፍ ተረዲኡ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እስራኤልን ኣመሪካን መጥቃዕቲ እናካየዱ፡ ዝርርብ ይገብሩ ነይሮም።
ስለዚ፡ ኣመሪካ ይኹን ንእስራኤላውያን ንዐኦም ኣይእምኑን እዮም።
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣኑ ካብቲ ንፕሮግራም ኒዩክለር ኢራን ዝድርትን ዕዙዝ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዓወት ምምሕዳር ኦባማ ዝነበረን ውዕል ኒዩክለር ኢራን ዝኾነ ጄሲፒኦኤ ወጺኡ።
ኢራን እንተወሓደ ግዜ ንምዕዳግ ሓድሽ ውዕል ክትቅበል ድልውቲ ክትከውን ከምእትኽእል ምልክታት ተራእዩ እዩ።
ኣመሪካ ግን ኣብ ፕሮግራም ሚሳይል ከቢድ ገደብ ክግበር እያ ጠሊባ፤ ዞባዊ መሻርኽቲ ድማ ተጣጥሕ ነይራ።
እዚ ንዓኣቶም ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ነይሩ፣ ኢድካ ምሃብ እዩ ዚኸውን።
ሕጂ እቶም ዝተረፉ መራሕቲ ኢራን ነቲ ኲናት ብኸመይ ከም ዝኣልዩዎ፡ ከመይ ጌርካ ከም እትድሕንን ሳዕቤናቱ ብኸመይ ከም እተመሓድርን ክሓስቡ እዮም።
ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጎረባብቲ፡ ብዘጋጠመ ዓቢ ዘይርጉጽነት፡ እቲ ፍጻመታት ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤናት ክጭነቓ እየን።
ባህሪ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝተናወሐ ኲናት፡ ነቲ ድሮ ዕግርግር ዝመልኦ፡ ነቲ ዞባ ዀነ ንካልእ ዓለም ዝወጸሉ ሰፊሕን ሓደገኛ ኩነታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።