እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ንመተሓላለፊ ነዳዲ ዓለም እንተዓጽያቶ ምጽኣተ-ኣለም ከስዕብ ይኽእል'ዶ?
ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ነዳድን ጋዝን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ብዝርከብ መጻብቦ ሆርሙዝ እዩ ዝውሕዝ።
እዚ መስመር እንተተዓጽዩ፡ ዓለማዊ ቍጠባ ዓሚቝ ሳዕቤን ከጋጥሞ እዩ። ዋጋ ነዳዲ ስለዝውስኽ ዓለምለኻዊ ንግዲ እውን ብዓቢኡ ክሕመስ ትጽቢት ይግበር።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ትካላት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ፡ ኢራን ነዚ ቀንዲ መስመር መራኽብ ብምዕጻው ሕነ ክትፈዲ ከምትኽእል ብዙሓት ይግምቱ።
እዚ እንተዀይኑ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዋጋታት ክንህርን ንገለ ካብተን ዓበይቲ ቍጠባታት ዓለም ክጸልዎን ተኽእሎ ኣሎ።
ካብቲ መጻብቦ ዝርብሓ ላዕለዎት ኣምጻእቲ ዝዀና ቻይና፡ ህንድን ጃፓንን ዝርከብኦ ሃገራት ድማ ኣዝየን ክህሰያ ይኽእላ።
መጻብቦ ሆርሙዝ እንታይ እዩ?
ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት መራኽብ ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣብ ምትሕላፍ ነዳዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ብሰሜን ብኢራን ብደቡብ ድማ ብዖማንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝዳወብ እዚ መስምር፡ ኣብ መእተዊን መውጽኢኡን ኣስታት 50 ኪ.ሜ ጥራይ ስፍሓት ኣለዎ።
ነቲ ወሽመጥ ምስ ባሕሪ ዓረብ ዘራኽብ ዝጸበበ ቦታ ድማ ኣስታት 33 ኪ.ሜ ስፍሓት እዩ ዘለዎ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳድን ጋዝን ድማ ይጥቀሙሉ።
ኣብ ፍርቂ ዓመት 2023 ጥራይ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 20 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ብዚ መስመር ከምዝሓለፈ ምምሕዳር ሓበሬታ ጸዓት ኣመሪካ ይግምት። እዚ ድማ ኣብ ዓመት ኣስታት 600 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።
እቲ ነዳዲ ካብ ኢራን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ከም ዒራቕ፡ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እውን ዝርከብ እዩ።
ነዚ መስመር ምዕጻው እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
ኣብዚ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኢራንን እስራኤልን ዝኸፍአ ተርእዮ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻው ከተጠቓልል ከምዝኽእል ሓላፊ ትካል ስለያ ዓባይ ብሪጣንያ ኤምኣይI6 ነበር ሰር ኣሌክስ ያንገር ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ምዕጻው ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዘስዕቦ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ንምእማኑ ዘጸግም ቍጠባዊ ጸገም ከምዘስዕብ ርዱእ'ዩ።"
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኩዌት ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብ ጂኦፖለቲካ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ባደር ኣል-ሳይፍ ድማ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ቀጥታዊ ሳዕቤን ክሀልዎ ይኽእል'ዩ።
ምኽንያቱ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ [ከምኡ'ውን] ዕዳጋታት ኣክስዮን ነቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘሰንብድ ግበረመልሲ ክህቡ ይኽእሉ እዮም" ይብል።
እተን ቍጠባአን ኣብ ሰደድ ጸዓት ኣዝዩ ዝተመርኮሰ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እውን ኣዝየን ክህሰያ ይኽእላ።
ንኣብነት ስዑዲ ዓረብ በቲ መጻብቦ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 6 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ እያ እትሰድድ። ብመሰረት መጽናዕቲ ትካል ትንታነ ቮርቴክሳ እታ ዝበዝሐ እትሰድድ ሃገር እያ።
ኢራን ድማ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 1.7 ሚልዮን በርሚል ሰደድ ከምእትገብር ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ጸዓት ይሕብር። ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ፋይናንሳዊ ዓመት 67 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ነዳዲ ናብ ወጻኢ ከምዝሰደደት ግምታት ማእከላይ ባንክ ኢራን ይጠቅስ
ሃገራት ኤስያ እውን ኣዝዩ ክህሰያ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ 2022፡ ኣስታት 82 ሚእታዊት ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓለፈ ዘይተጻረየ ነዳድን ጋዝን ናብ ሃገራት ኤስያ ዘቕንዐ ነይሩ።
ቻይና ጥራይ ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ኢራን ነዳዲ ከምእትገዝእ ይግመት።
ኣብዚ መስመር ዘጋጥም ዝዀነ ይዅን ምዝንባዕ፡ ኣብ ዋጋታት ወጻኢታት ነዳድን ምፍራይን ክውስኽ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ወጻኢታት ማኑፋክቸሪን ወሰኽ ከስዕብ ዝኽእል ኰይኑ እቲ ጽልዋ ኣብ መወዳእታ ናብ ተጠቀምቲ ክሰጋገር ይኽእል። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝቕባበ ዋጋ ነዳዲ ዝጸልው እዩ ክኸውን።
እቲ ጽልዋ ንቻይና፡ ህንዲ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ብዓቢኡ ክጸልወን እዩ።
ኢራን ነዚ መጻብቦ ብኸመይ ክትዓጽዎ ትኽእል?
ሃገራት ካብ ገማግም ባሕረን ክሳብ ኣስታት 22 ኪ.ሜ ክቆጻጸራ መሰል ከምዘለወን ሕግታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
እዚ ማለት እቲ ዝጸበበ ቦታ መጻብቦ ሆርሙዝን መስመራት መራኽብን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውሽጢ ግዝኣታዊ ማያት ኢራንን ዖማንን እዩ ዝርከብ።
ኢራን ነተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ በቲ መጻብቦ ዝሓልፋ ኣስታት 3000 መራኽብ ንምዕጋት ክትጥቀመሉ እትኽእል ሓደ ኣድማዒ መገዲ፡ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ክፍጽማ ዝኽእላ ጀላቡን ሳብማሪናትን ተጠቒማ ኣብቲ ማያት ነተጉቲ ምንጻፍ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
ስሩዕ ሓይሊ ባሕሪ ኢራንን ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራን (IRGC) ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ መራኽብ ውግእን ንግዳዊ መራኽብን መጥቃዕቲ ከካይዱ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ዓበይቲ ወተሃደራዊ መራኽብ በቀሊሉ ብኣየር ኣመሪካ ክጥቃዓ ተኽእሎ ኣሎ።
ቅልጡፋት ጀላቡ ኢራን መብዛሕትኡ ግዜ ጸረ መራኽብ ሚሳይላት ዝዓጠቓ እየን። ኢራን ላዕለዋይ ጽፍሒ መራኽብ፡ ፍርቂ ማይ ዝጥሕላ መራኽብን ሳብማሪንን እውን ትውንን እያ።
ክኢላታት ከምዝብልዎ፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ ንግዚኡ ክትዓጽዎ ትኽእል እያ።
እንተዀነ ግን ኣመሪካን መሻርኽታን ግን ወተሃደራዊ መንገዲ ተጠቒመን ዋሕዚ መራኽብ ዳግማይ ብቕልጡፍ ከቐጽላ ከምዝኽእላ ዝኣምኑ ውሑዳት ኣይኰኑን።
ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ፈጺማ ነይራ እያ።
ኣብ መወዳእታ 1980ታት፡ ኣብቲ ንሸሞንተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ኢራንን ዒራቕን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ናብ "ኲናት መራኽብ ጽዕነት" ተሰጋጊሩ ነይሩ። ኢራንን ዒራቕን እውን ቁጠባዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ኣብ ልዕሊ መራኽብ ገለልተኛ ሃገራት መጥቃዕቲ ክፍጽማ ተራእየን ነይረን።
ብፍላይ ነዳዲ ዒራቕ ዝጸዓና መራኽብ ኩዌት ተቓላዕቲ ኰይነን ነይረን። ስለዚ መራኽብ ውግእ ኣመሪካ ብዕጀባ ከሕልፈአን ጀሚረን።
ኢራን ነቲ መጻብቦ ክትዓጽው ድያ?
ኢራን ኣብ ዝሓለፉ ግጭታት ነቲ መጻብቦ ክትዓጽው ብተደጋጋሚ ኣፈራሪሓ ነይራ። እዚ ምፍርራሕ ግን ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣይፈልጥን።
ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኣብ ዝነበረ ኲናት መራኽብ ጽዕነት ጥራይ እዚ ክትገብር ቀሪባ ነይራ። ሽዑ እውን እንተኾነ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢሉ ናይ ዝሓልፋ ቁጽሪ መራኽብ ብኸቢድ ኣይተጸልወን ነይሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኢራን ምፍርራሓ እንተፈጺማ ግን እቲ ኵነታት ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኢራን ነዚ ሆርሙዝ እንተዓጽያ "ቍጠባዊ ነብሰ ቅትለት" ከም ዝኸውን ብምግላጽ፡ መሻርኽቲ ኢራን ዝኾነት ቻይና ጣልቃ ክትኣቱ ጸዊዑ።
ሩቢዮ ብሰንበት ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ኣብ ቤጂንግ ዝርከብ መንግስቲ ቻይና ብዛዕባ እዚ ክድውለሎም እላቦ፡ ምኽንያቱ ነዳዶም ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣዝዮም ይምርኮሱ" ኢሉ።
እንተዘይኰይኑ ድማ ኣመሪካ ካልእ ኣማራጺታት ከምእትጥቀም እዩ ኣአንፊቱ።
ቻይና ግና ዛጊት መልሲ ኣይሃበትን። ይዅን'ምበር ዲፕሎማስያዊ ጽልዋኣ ተጠቒማ ኢራን ነቲ መስመር ከይትዓጹ ክትገብር ትኽእል እያ።
ኢራን ነቲ መጻብቦ ብምዕወጻው ካብ እትረኽቦ መኽሰብን፡ እቲ ክሳራ ከምዝበዝሕ ተንታኒት ጸዓት ቫንዳና ሃሪ ይገልጽ።
ንሱ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ነዚ መስመር እንተዓጽያ "ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ምስ ዝርከባ ኣፍረይቲ ነዳድን ጋዝን ክትጻላእን ነቲ መስመር ብምዝራግ ቁልፊ ዕዳጋኣ ዝዀነት ቻይና ክተቆጥዕን ትኽእል'ያ" ኢሉ።
ኣማራጺ መስመራት ኣለዉ'ዶ?
ኢራን ነቲ መስመር ከምእትዓጽው እትገልጾ ምፍርራሕ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሰደድቲ ነዳዲ ኣማራጺ መስመራት ከማዕብላ ደሪኽወን እዩ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 5 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ከጓዕዝ ዝኽእል 1200 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መስመር ኣዳልያ እያ።
ኣብ 2019 ድማ ንግዚኡ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንምስዳድ ተጠቒማትሉ ነይራ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዋ ዕደና ነዳዲ ምስ ወደብ ፉጃይራ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ብምትሕሓዝ መዓልታዊ 1.5 ሚልዮን በርሚል በርሚል ትሰድድ።
ኣብ ሓምለ 2021፡ ኢራን ዘይተጻረየ ነዳዲ ናብ ወሽመጥ ዖማን ንምግዓዝ ዝዓለመ መስመር ጎረህ-ጃስክ ኣመሪቓ ነይራ። እዚ መስመር ኣስታት 350 ሽሕ በርሚል ከሕልፍ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ እታ ሃገር ግን ዛጊት ኣይተጠቐመትሉን።
እዞም ኣማራጺ መስመራት ብድምሩ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 3.5 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ንምስዳድ ዘኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ድማ ብግምት 15 ሚእታዊት ካብቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ብቲ መጻብቦ ዝሓልፍ ዘይተጻረየ ነዳዲ እዩ።