እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ ብዛዕባ ዘካየደቶ ደብዳብ እንታይ ንፈልጥ?
ኢራን ኣብ ቐጠር ናብ ዝርከብ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ሚሳይላት ወንጪፋ።
ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዒላማ መጥቃዕቲ ኢራን ከምዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።
ዛጊት ዝተፈልጠ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣል-ኡደይድ ዝበሃል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ዓቢ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ዒላማ ዝገበረ እዩ።
'ታስኒም' ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ንወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ደብዲቦም ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ ካብ ርእሰከተማ ዶሓ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ኣል ዑደይድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣስታት 8000 ወተሃደራት ከምዘለዉ ይንገር።
ኢራን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊኣ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ሕነ ክትፈዲ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ ገሊጻ ኣላ።
ጨንፈር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ዝኾነ ሓለዋ ሰውራ እስላማዊ ሰውራ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢራን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነታ ዝኾነ መጥቃዕቲ ሕነ ከይፈደየት ኣይትተርፍን" ይብል።
ክንደይ ሚሳይላት ከምዝተተኮሰ ዝተፈላለየ ጸብጻባት ወጺኦም። ኢራን ሽዱሽተ ከምዝተኮሰት ክትገልጽ እንከላ፡ ኣመሪካ 14፡ ቀጠር ድማ 19 ከምዝተተኮሰ ሮይተርስ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት። ብተወሳኺ ኩሎም ማሳይላት ከምዝተዓገቱ ይሕብር።
ቐጠር ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን ብምኹናን ንልኡላውነታ ዝጥሕስ'ዩ ክትብል ተቓዊማ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ቅሉዕ ምጥሓስ ልኡላውነት ሃገረ ቐጠር ምዃኑ ኢና ንሓስኢቦ" ኢሉ።
ስርዓተ-ምክልኻል እታ ሃገር ነቲ ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኢራን ከምዘበርዓኖ'ውን ማጅድ ኣል-ኣንሳሪ ጠቒሱ።
ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ወተሃደራት ኣቒዲሞም ከምዝወጹ ዝሓበረ እቲ ኣፈኛ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ጠቒሱ።
"ድሕነት ናይቶም ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ቐጠር ዝርከብዎም ሰባት ንምርግጋጽ ኩሉ ዘድሊ ጥንቃቐታት ተኻይዱ እዩ"።
"በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰለን ዝተቐትለን ከምዘየለ ነረጋግጽ" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ሃገሩ ተመጣጣኒ ግብረመልሲ ናይ ምሃብ መሰላ ሕሉው ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ቴህራን ግን እቲ መጥቃዕቲ ናብ ኣመሪካ ዘነጻጸረ እምበር ንቐጠር ንምህራም ዝዓለመ ከምዘይኮነ'ያ ትምጉት ዘላ።
ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታተን ድሕሪ ምጥንቃቐን፡ ዶሓ ንክሊ ኣየራ ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ ነይራ።
ዋሽንግተን ኣስታት 40,000 ወተሃደራት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከምዘለዉዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ኣመሪካ ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣኼባ ተጸሚዶም ከምዘለዉ ይንገር ኣሎ።
ኣብቲ ህጹጽ ኣኼባ ኣቦመንበር ጠቕለልቲ ስታፋት ጀነራል ዳን ኬንን ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ፒት ሄግሰትን ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራታ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኢራን እትህቦ ግብረመልሲ ኣብ ዝቕጽል ሰዓታት ክንጸር ትጽቢት ይግበር።