እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ንምቕታል ኣዋርሕ ዝወሰደ ውጥን ኣመሪካን እስራኤልን
እቲ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝቐተለ መጥቃዕቲ፡ ከምቲ ዝተገመተ ፍርቂ ለይቲ ዘይኰነስ ረፋድ'ዩ ተፈጺሙ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣመሪካን እስራኤልን ቅድሚ ሰዓታት ዝበጽሐን ወሳኒ ስለያዊ ሓበሬታ ክጥቀማሉ ስለ ዝወሰና እዩ።
ንኣዋርሕ፡ ላዕለዎት ሰባት ኢራን መዓዝ ክራኸቡ ይኽእሉ ዝብል ንምፍላጥ ክከታተላ ቀንየን፤ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኻመኒ ሰንበት ንግሆ ኣብ ማእከላይ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ከም ዝኸውን ድማ ፈሊጦም።
ካልኦት ላዕለዎት ወተሃደራውን ስለያውን ሓበሬታታት ኣብ ሓደ እዋን ዝራኸብሉ ቦታ እውን ብልክዕ ፈሊጦም ነይሮም።
ኣመሪካን እስራኤልን ንኣዋርሕ ምንቅስቓሳት እቲ ላዕለዋይ መራሒ ክከታተላ ጸኒሐን እየን።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ እንታይ ዓይነት ሜላ ተጠቒሞም ዝብል ኣፋፍኖት እኳ እንተሃበ፡ እቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ሜላታት ግን ሕጂ'ዉን ምስጢራዊ እዩ።
"ካብ ስለያናን ኣዝዩ ረቂቕ ስርዓተ ክትትልናን ክሃድም ኣይከኣለን።"
እዚ ምንጪ፡ ሰብ ክኸውን ይኽእል ነይሩ፤ ግን ቴክኒካዊ ምክትታል ኢራናውያን ውልቀሰባት ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 12 መዓልታት ኲናት እስራኤልን ኢራንን፡ ምስ ኒዩክለራዊ መደብ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ተመራመርትን ሰበስልጣንን ዒላማ ኰይኖም ነይሮም።
ምንቅስቓስ ውልቀሰባት ንምክትታል ድማ፡ እስራአኤል ቴሌኮምን ሞባይል ቴሌፎንን ከምዝተጠቕመት ተገሊጹ'ዩ።
እዚ ድማ ሓሓሊፉ፡ ምክትታል ምንቅስቓሳት ምስ ወሰንቲ ሰበስልጣን ዝተኣሳሰሩ ሓለውቲ የጠቓልል።
ኣብ ነዊሕ ግዜ፡ እዚ ንንጥፈታት ንምግማትን ንምርዳእን ከምኡ'ውን ናይ ተቓላዕነት ህሞታት ንምልላይ ክሕግዝ ይኽእል።
ኢራን፡ እቲ ላዕለዋይ መራሒኣ ኣብ ዓይኒ ጸላእታ ከም ዝኣተወ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ ንኣዋርሕ ነዞም ተቓላዕነት ምልላይን ምግጣምን ዘይምኽኣላ፡ ንጸጥታን ጸረ ስለያን ኢራን ዓሚቝ ውድቀት እዩ።
ኢራናውያን፡ ኣብ ቀትሪ መዓልቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝህሉ ተኽእሎ ትሑት እዩ ኢሎም'ውን ገሚቶም ክዀኑ ይኽእሉ።
ኣብዚ ጉዳይ እዚ እቲ ስለያ፡ ካብ ሲኣይኤ ዝመጽአ ኰይኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ግን ናብ እስራኤል ከም ዝተሰጋገረ ኒውዮርክ ታይምስ ይሕብር።
እስራኤል ንመሪሕነት ዒላማ ኣብ ምግባር ትኹረት ክትገብር፡ ኣመሪካ ድማ ዝያዳ ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከተተትኵር ምክፍፋል ዕዮ ከም ዝነበረ እዩ ዘርኢ።
ብወሳኒ መልክዑ፡ እቲ ስለያ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ላዕለዋይ መራሕን ካልኦት ሰበስልጣንን እኹል ሓበሬታ ክህብ እንከሎ፡ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ክትኩሳ ዝኽእላ ጀት ተጠቒሞም መጥቃዕቲ ንምውጣን ኣኽኢሉዎም።
እዚ መጥቃዕቲ ዝሰፍሐ ወፍሪ ብምጅማር ነቲ ዝተረኽበ ዕድል ንምጥቃም ዝዓለመ'ዩ ነይሩ።
ጀት እስራኤል ናብ ቴህራን ክበጽሓ ኣስታት ክልተ ሰዓታት ክወስደለን ይኽእል፤ እንተዀነ ክሳብ ክንደይ ርሒቐን ተተኰስቲ ከም ዘወንጨፋ ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ውሳነ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን፡ ጀት እስራኤል፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 09፡40 ነቲ ቀጽሪ ንምጥቃዕ 30 ቦምባታት ከም ዝተጠቕማ ይግለጽ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ላዕለዋይ መራሒ ንነብሱ ንምክልኻል፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ቀጽሪ ዝርከብ ትሕተ- መሬት ዝነበረ ዕርዲ ይጥቀም ስለ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ነቲ ዒላማ ከም ዝተወቕዐ ንምርግጋጽ እኹል ዕምቈት ንምፍሓር ብዙሕ ተተኰስቲ የድሊ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካልኦት ቦታታት ርእሰ ከተማ ኢራን እውን ተሃስዮም እዮም፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማሱድ ፔዘሽክያን ሓደ ካብኣቶም ኰይኑ፡ ድሒሩ ዝወጽአ መግለጺ ውሑስ ምዃኑ ሓቢሩ።
ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ዓሊ ሻምካኒ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጅ ጀነራል ዓዚዝ ናሲርዛደህን ኣዛዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ጀነራል መሓመድ ፓክፑርን ዝርከብዎም ሰለስተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምክልኻል ኢራን ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ።
እተን ነፈርቲ ኣብ ዝተጸግዓሉ እዋን፡ ፍርቂ ለይቲ ኰይኑ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣኑ ተኣኪቡ እቲ ምዕባለታት ንምክትታል ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ነይሩ።
ኢራን ግን ነዚ ተኽእሎ ተዳልያ ነይራ፤ ንካመኒ ጥራይ ዘይኰነስ ንብዙሓት ላዕለዎት ሰበስልጣን እውን ናይ ምትኽኻእ መደባት ከም ዝተገብረ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ማለት፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዑደት እዚ ግጭት እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ገና መፃኢ ዝረአ እዩ።