እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ነቲ ድሙቕ ሰማያት ዱባይ ናብ ደልሃመት ዝቐየሩ ሚሳየላት
ዱባይ ንዓመታት ዕድላት ንግድን መገሻን ንዝደልዩ ወጻእተኛታት ጽባቐን መስሓብን ኰይና እያ ፀኒሓ።
ኣብ'ቲ ዘይርጉእ ሰፊሕ ዞባ ንዝርከቡ ነበርቲ እውን ውሑስ መዕቆቢ ኮይና ነይራ።
ሚሳይላት ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዱባይ ክዝምብዩ ምስ ጀመሩ ግን፡ ብዙሓት ብስንባደ ተዋሒጦም።
ጓል ኣርባዓ ዓመት ሆፊት ጎላን ሓንቲ ካብኣቶም እያ።
እታ እስራኤላዊ ካናዳዊ ጸላዊት ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣብ ልዕሌና ሚሳይላት ክዘንብበ ኣይለመድናን፡" ኢላ።
"ብፍላይ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ'ቲ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ስንባደ እዩ ፈጢሩልና" ።
መብዛሕትአን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ክሳብ ሕጂ ዝተዓገታ ክመስላ እንከለዋ፡ ገለ ካብቶም ፍሉጣት ህንጻታት ኢማራት ዓረብ ግን ተሃስዮም ኣለዉ ።
ካብዚኦም ኣብቲ ምዕሩግ ከባቢ ፓልም ጁመይራ ዝርከብ ሆቴል ፌርሞንት ዘ ፓልምን ሆቴል ቡርጅ ኣል ዓረብን ይርከቡዎም።
ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዛይድ ኣቡዳቢን'ዉን ተሃሪሞም፤ ኣብ ካልኣዋይ መዓርፎ ነፈርቲ ሓደ ሰብ ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ።
ዱባይ ንዓመታት ዕድላት ንግድን መገሻን ንዝደልዩ ወጻእተኛታት፡ ጽብቕትን ሰሓቢትን መዕረፊት እያ ፀኒሓ።
ኣብ ዱባይ ዝመደበራ ተወዳዳሪት ደሴት ፍቕሪ - 'Love Island' - ' ዝነበረት ኣራቤላ ቺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢማራት ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ዘፍርሕ ግዜ" ክትብል ገሊጻቶ።
ብሪጣንያዊት ሞዴልን ጸላዊትን ፔትራ ኤክለስቶን፡ "ውሕስነት ክስምዓና ኢና ናብ ዱባይ መጺእና፤ እግርና ክስድር ምስ ጀመረ ድማ እዚ ኣጋጢሙ፡" ኢላ።
ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ነበር ሪዮ ፈርዲናንድ ኣብ መደብ ኩዕሶ እግሪ ሪዮ ፈርዲናንድ ፕረዘንትስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሚሳይላት፡ ነፈርትን ነፈርቲ ውግእን - እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን ነይረ፤ ብልዕሌና ክኸዱ ክትሰምዕ ከለኻ ዘፍርሕ'ዩ፡ ከምኡ'ውን ዓበይቲ ቦምባታት ክትሰምዕ ከለኻ። ዝርዝር ሓበሬታታት ስለ ዘይብልና እዚ እንታይ ምዃኑ ኣይንፈልጦን ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ፡ ገለ ሰባት ዱባይ ተመሊሳ ሓንቲ ካብተን ውሑሳት መዕቈቢታት ዓለም ኰይና ክትቅፅል ድያ ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ገይሩዎም ኣሎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ፕሮፌሰር ኪነ ህንጻ ያሰር ኤልሸሽታዊ፡ እቶም ተርእዮታት ነቲ ዱባይ "ዘመናዊትን ገስጋሲትን ከተማ" ምዃና ዝገልጽ ሓሳብ ከም ዝደወኖ ገሊጹ።
"እቲ ምስሊ ሕጂ ይድወንን ይስበርን ኣሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ን20 ዓመታት ኣብ ዱባይ ዝነብር ዝነበረ ምሁር ወሲኹ፡ እቲ ዕንወት ዋላ'ውን ዓቢ እንተዘይኰነ፡ ከም ሆቴል ፌርሞንት ዝኣመሰሉ ህንጻታት ምልክት ናይቲ ዱባይ እትውከለሉ ምስሊ ብምዃኖም - "ሃብታማት ሰባት ገንዘቦም ብዘይ ስግኣት ዘውፍሩላን ዝመርጹዋን፡" ክትኸውን ኣኽኢሎምዋ ምጽንሖም ጠቒሱ።
ብሰንኪ እዚ፡ "ንዝቕጽሉ ዓመታት ክትኸስር'ያ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ኣብ ማእከል ዓለማዊ ፖሊሲ ጸዓት ላዕለወይቲ ተመራማሪት ዝዀነት ካረን ያንግ፡ ኢራን ንሲቪላውያን፡ ብፍላይ ድማ ትሕተ ቅርጺ በጻሕቲ ዒላማ ንምግባር ዝወሰደቶ ውሳነ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ገሊጻ።
"ንብዙሓት ሰባት ትሕተ ቅርጺ በጻሕቲ ብኸምዚ መገዲ ዒላማ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ዝነበሮም ኣይመስለንን፤ ስለዚ እዚ ገለ ሸነኽ ድሕነት ብገለ መልክዑ ዝጸሊ'ዩ፡" ትብል፡ ኣብ ዱባይ ንሽዱሽተ ዓመታት ትነብር ዝነበረት ያንግ።
እንተዀነ፡ ንነብሳ ከም በዓልቲ ሃብትን ናይ ቴሊቪዥን ፐርሰናሊቲን ምዃና እትገልጽ ነባሪት ከተማ ዱባይ ሆፊት ጎላን፡ ምስሊ ዱባይ ብዙሕ ዝቕየር ኣይመስላን።
"ገንዘብ ይውሕዝ ኣሎ፡ እዚ ድማ ምክልኻል ኣየር ዱባይ ሓያል ምዃኑ ዘርኢ'ዩ፡" ኢላ።
ንሳ፡ ብሰኑይ ናብቲ "ቁሩብ ትሕት ዝበለ" ግን ከኣ ስራሕ ዝበዝሖ ሞል ወይ ማእከል ዕዳጋ ከም ዝኸደት ገሊጻ።
ኣብታ እትነብረላ ደሴት መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ጀሚሩ፡ ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ባሕርን ኣብ ገማግም ባሕርን ክሕንብሱ ከም እትርእዮም ገሊጻ።
ካልእ ነባሪት ዱባይ ኣፍሻ ፋሩቂ፡ ዋላ እኳ እቲ ኩነታት እንተሃለወ፡ ኣብታ ከተማ ስግኣት ድሕነት ከም ዘይተሰምዓ ገሊጻ።
"ኣብ ዱባይ ዝዀነ ነገር እንተሃለወ'ዉን ውሕስነት ይስምዓኒ'ዩ። ስክፍታ ክስምዓኒ ባህርያዊ'ዩ፤ ግን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክፉታት'ዮም፡ ስድራቤታት ድማ ኣብ ደገ'ዮም ዝርኣዩ፡" ትብል።
ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ነቐፌታ ምቕራብ ዘይሕጋዊ እዩ።
ብዙሓት ጸለውቲ ንመንግስቲ ዝንእዱ ጽሑፋት ብኢንተርነት ክዝርግሑ ጸኒሖም እዮም፤ እዚኦም ኣብዚ እዋን፡ ሰባት ስግኣት ክሓድሮም ከም ዘይብሉን ስርዓታት ምክልኻል ሚሳይላት ጽቡቕ ይሰርሕ ከም ዘሎን ይገልጹ።
ኣብ ልዕሊ ኢማራት መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ብሰንበት ናብ ዱባይ ዝኣተወ ዊል ቤይሊ፡ ኢማራት ዓረብ "ነቶም ሚሳይላት ኣብ ምዕጋት ጽቡቕ ስራሕ ትሰርሕ ከም ዘላን" ከምኡ'ውን "ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ምዕባለታት እዋናዊ ሓበሬታ ይወሃቦ ከም ዘሎን፡" ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽአ ጸላዊ ኣካላዊ ብቕዓት፡ ስርሑ ናብ ዱባይ ንምግዓዝን መንበሪ ፍቓድ ንምርካብን ዝነበሮ መደብ ሕጂ ኣብ ሰንፈላል ከም ዘሎ ወሲኹ ገሊጹ።
ቤይሊ ንቢቢሲ ዓረብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ካብ ዝፍጸም ጀሚሩ ኩሉ ተቐይሩ፤ ሕጂ ኣብ ማእከል እዚ ኩሉ ዝካየድ ዘሎ ህውከት ኢና ዘለና፡" ኢሉ።
"እቲ መደባት እንታይ ምዃኑ ርግጸኛ ኣይኰንኩን፤ ኣብዚ ክጸንሕ ድየ ወይስ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለስ ኣይፈልጥን። በቃ ኣይፈልጥን እየ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ክንገብሮ እንኽእል ነገር እንተሃልዩ፡ ብሕቡእ ምጽናሕ፡ ምጽባይን እንታይ ከም ዝፍጠር ምርኣይን'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።