ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ እንታይ እዩ?

ንመንግስቲ ዝተረከበ ናይ ጉጅለ ከበድቲ ብረታት ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ፣ ምስንባትን ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምፅንባርን መስርሕ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ፌደራልን ብዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ከም ዝተቛረፀ ተገሊፁ።

እቲ መስርሕ ካብ ዝቋረፅ ሰለስተ ሰሙን ከም ዝገበረ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ'ውን፡ ዝተጀመረ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕን ናይ ምጥያሽን መስርሕ ከም ዝተቛረፀ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ምክትል ኮምሸነር ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ፡ "እቲ ዝተጀመረ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ መስርሕ በቲ ዝተመደበ ክቕፅል ኣይከኣለን። ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻልን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ኣፈላላይ ኣብ ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕ ከም ዝኾነ ድማ ሓቢሩ።

"ንሶም [ኣዝዝቲ ሓይልታት ትግራይ] ሕቶ ኣልዒሎም። ሰራዊት ምክልኻል ድማ በቲ ዝተጀመረ መስርሕ ኢና ክንከይድ ዘለና ኢሉ። በዚ'ዩ ክፍተት ተፈጢሩ። ተወካሊ ሰራዊት ምክልኻል፡ በቲ ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ መሰረት ዕጥቂ ንምርካብ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን' ዝብል ቅረታ ኣቕሪቡልና" ብምባል፡ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ፌደራልን ዘይስምማዕ ከም ዝተፈጠረ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

እቶም ኣብ ደማዊ ኵናት ትግራይ ኣንፃር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ መሻርኽቱ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ክዋግኡ ዝፀንሑ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ኵናት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምግትኡ ስዒቡ ዕጥቂ ክፈትሑን ዘድልይ ስልጠናን እግሪ መትከልን ወሲዶም ናብ ማሕበረሰብ ክፅንበሩን ትፅቢት ነይሩ።

በዚ ድማ ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2017 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስንባት፣ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያሽን መስርሕ ብወግዒ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።

ኣባላት ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዝርዝር ኣፈላላይ ዘተ ከም ዘድልዮ ዝሓበረ እቲ ምክትል ኮምሽነር፡ ኣብዚ እዋን ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣኼባታት ስለ ዝኾኑ ግና እቲ ዝድለይ ዘተ ከካይዱ ከም ዘይከኣሉ ገሊፁ።

ኣይተ ተስፋኣለም፡ "ሕዚ ክልቲኦም ኣካለት ተራኺቦም፡ 'እንታይ እዩ እቲ ዘካትዖም ዘሎ?' ዝብል ሓደ ብሓደ ምይይጥ ኣይተገበረሉን። እቶም ኣዘዝቲ ናይ ትግራይ 'ዕጥቂ ዘይነርክበሉ ምኽንያት ኣሎ' እዮም ዝብሉ፤ ንምምይያጥ ክንረኽቦም ፈቲንና ግና ክንረኽቦም ኣይከኣልናን" ኢሉ።

እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይን ኣዘዝቲ ትግራይ ንምንታይ ዕጥቂ ከረክቡ ዘይደለዩ ዝብል ምኽንያትን ብዝርዝር ንምርዳእ ግና ተወሳኺ ዘተ ከም ዘድልዮ ኣአንፊቱ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ካብ 12 ክሳብ 14 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣመራርሕኡን "ብክሕደትን መሳርሒ ሓይልታት ወፃኢ ብምኽሳስ" ምትዕርራይ ክግበረሉ ፀዊዖም ነይሮም።

እቶም ኣዘዝቲ ኣብ ጐኒ እቲ [ኣፍልጦ ዘይረኸበ] ጉባኤ ዘካየደ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል [ዶክተር] ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ከም ዝስለፉ'ውን ኣነፂሮም።

ብሰንኩ ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ብዙሓት ጀነራላት ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ከም ዝወፅኡ ዝዝከር ኰይኑ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ንመግለፂ እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ "ኣዋጅ ዕልዋ መንግስቲ" ብምባል ከም ዝኾነኖ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ትግራይ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ኣመራርሓታት ፅዑቕ ኣኼባታት ይካየዱ ከም ዘለዉ ካብ ትግራይ ዝወፅኡ ሓበሬታት የመልክቱ።

ዝርዝር ኣጀንዳ ናይቶም ኣኼባታት ብዝምልከት ግን ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።

ተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ከም ሓበሬታ ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ፡ ክሳብ ሕዚ ሓይልታት ትግራይ ዝፈትሕዎ ዕጥቂ ናብ መንግስቲ ፌደራል ኣይኣተወን።

ኣይተ ተስፋኣለም፡ "ብመስርሕ ዲዲኣር ዕጥቂ ምስ ኣረከቡ፡ እቲ ዕጥቂ ንፀጥታ ሓይሊ እቲ ክልል እዩ ዝወሃብ። ናብ ፌደራል ዝመፅእ ዕጥቂ የለን። ትግራይ ንዘለዋ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ፖሊስ፣ ሚሊሻን ኣድማ ብተናን ብዘሎ መለክዒ፡ እቲ ዕጥቂ መሊሶም ንባዕሎም ስለ ዝዕጠቕዎ እቲ ዕጥቂ ኣብ ትግራይ'ዩ ዝቕመጥ፡" ብምባል፡ ካቢኔ ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ነዚ ዕጥቂ ከም ዝርከቦ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ካብ ዘለዉ 274 ሽሕን 800 ሓይልታት ትግራይ ኣብ ቀዳማይ ዙር፡ ደቂኣንስትዮ፣ ውጉኣትን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝርከብዎም 75 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ክሰናበቱ መደብ ነይሩ።

እንተኾነ ክሳብ ሕዚ 7953 ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ጥራሕ ከም ዝተሰናበቱ እቲ ኮምሽን ንቢቢሲ ገሊፁ።

ንዝሰናበትቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝወሃብ መጠን እግሪ መትከሊ ገንዘብ'ውን ቅረታ ኣለዉ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ክሰናበቱ መደብ ተታሒዝሎም ካብ ዝተሰናበቱ ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ንሕድሕድ ተሰናበትቲ ተጋደልቲ ቅድምያን ድሕርን ስልጠና ብጠቕላላ 1800 ዳላር ክኽፈሎም "ቃል ተኣቲውሎም'ኳ እንተነበረ፡ 90 ሽን 400 ብር ጥራሕ እግሪ መትከሊ ከም ዝተውሃቦም ይገልፁ።

ዕጡቓት ትግራይ ዘረክብዎ ፈኮስትን ማእከላይን ብረታት

ምንጪ ስእሊ, EBC

ኣብዚ ጉዳይ ብቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ምክትል ኮምሽነር ሃገራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ፡ ዝሰናበቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ዝተውሃቦም ወፃኢ ዝተኣተወሎም ናይ ገንዘብ መፅብዓ የለን ኢሉ።

"ናይ መፋነዊ 90 ሽሕን 400 ብር ተኸፊልዎም ኣሎ። በዚ መሰረት፡ በቲ ክልል እግሪ ዝተኽልሉ መንገዲ ዘተሓባብር ዝመርሕ፣ ዘመቻችው ዓብይ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣሎ። ክልል ብናይ ባዕሉ፡ ፌደራል'ውን ብናይ ባዕሉ፡ ብዓይነት፣ ብስልጠናን ዝተፈላለየ ነዋይን እግሪ ክተኽሉ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ካብዚ ወፃኢ ግና ንቐፃሊ ክንድዚ ክንህበኩም ኢና ተባሂሉ ዝተኣተወሎም ቃል የለን" ዝብል ምላሽ ሂብሉ።

ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ፡ ነዚ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ፣ ምስንባትን ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምፅንባርን መስርሕ፡ ብጠቕላላ 762 ሚልየን ዳላር ከም ዘድልይ ገሊፁ ነይሩ።