ኣብ ሓድሽ ዓመት ንመንእሰያታ ኮንዶም ብናጻ ክትህብ ዝወሰነት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንእሰያት ፈረንሳ ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም ኮንዶም ብናጻ ክረኽቡ መንግስቲ እታ ሃገር ወሲኑ'ሎ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ብሓሙስ ንጥዕና መንእሰያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ዩ ነቲ ውሳነ ኣፍሊጡ።
ኢማኑዌል ማክሮን ከምዝበሎ፡ ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ናብ ፋርማሲታት ብምኻድ ኮንዶማት ብናጻ ክወስዱ ክኽእሉ'ዮም።
እቲ ስጉምቲ "ንእሽቶ ሰውራ ኣብ ምክልኻል ጥንሲ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ፈረንሳ፡ ኣብ 2020 ከምኡ'ውን ኣብ 2021 ዝተራእየ ብጾታዊ ርክባት ዝመሓላለፍ ሕማማት ብ30 ሚእታዊት ወሲኹ ነይሩ።
እዚ ሓድሽ ስጉምቲ፡ ኣካል ናይቲ ነቲ ጸገም ንምቁጽጻር ዝውሰድ ዘሎ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ኮይኑ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ብቐሊሉ ንምርካብ ዝዓለመ'ዩ።
ኣብ 2018 መንግስቲ ፈረንሳ፡ ነቶም ብትእዛዝ ሓካይም ወይ መሕረስቲ ኮንዶም ዝዓደጉ ሰባት ዋጋ ናይቲ ዝገዝእዎ ኮንዶም ክኸፍል ወሲኑ ነይሩ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ድማ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ክሳብ 26 ዓመት ዝዕድሚአን ኩለን ደቂኣንስትዮ ብናጻ ክወሃብ ተወሲኑ። እቲ ስጉምቲ ንኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ደቂኣንስትዮ ዕድል ዝፈጠረ'ዩ። ኣቐዲሙ ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዩ እቲ ዕድል ተዋሂቡ ነይሩ'ዩ።
ፕረዚደንት ማክሮን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እቲ ስጉምቲ ንበይኑ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ዝውሰድ ዘሎ ካልእ ናይ ጥዕና ተበግሶታት ምዃኑ ጠቒሱ።
ገለ ካብቲ ካልእ ተበግሶታት፡ ኩለን ደቂኣንሰትዮ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ብናጻ ካብ ፋርማሲታት ክወስዳ፡ ከምኡ'ውን ነተን ካብ 26 ዓመት ንታሕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ብናጻ መርመራ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት (ብዘይካ ኤች-ኣይ-ቪ) ክግበረለን ዝብሉ ይርከብዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







