ዳላይ ላማ፡ ንሓደ ወዲ መልሓሶም ንኽመጦም ብምሕታቶም ተጣዒሶም

ቤት ጽሕፈት ዳላይ ላማ፡ እቶም መራሒ ከም ‘ዝተጠዓሱ’ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቤት ጽሕፈት ዳላይ ላማ፡ እቶም መራሒ ከም ‘ዝተጠዓሱ’ ገሊጹ

መንፈሳዊ መራሒ ቲበት ዳላይ ላማ፡ ንሓደ ወዲ መልሓሶም ክልሕስ ዝደሊ እንተዀይኑ ክሓትዎ ዘርእይ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርጋሑ ኣዘራራቢ ኰይኑ ይርከብ።

ነዚ ስዒቡ እቶም መራሒ ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለዉ።

እቲ ኣብቲ ቪድዮ ዝረአ ፍጻመ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ዳራምሻላ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ዳላይ ላማ ዘጋጠመ ይመስል።

እቲ እዋን ብናይ 'ኤም 3 ኤም ፋውንዴሽን' ዝተዳለወ ናይ ክእለት ስልጠና መደብ ዝተዛዘመሉ'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ናይ ፍጸመ ስነ-ስርዓት፡ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ምስ ስልጠና ዝዛዘሙ ኣስታት 120 ተመሃሮ ተራኺቦም ነይሮም።

ኣብቲ መደብ ዝተሳእሉ ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም።

ኣብ ሓንቲ ካብተን ቪድዮታት ዝረአ ፍጻመ ግን ኣዘራራቢ ኰይኑ ይርከብ።

ሓደ ካብቶም ስልጠና ዝዛሙ ተመሃሮ፡ ናብቶም መንፈሳዊ መራሒ ቀሪቡ ክሓቝፎም ዝኽእል እንተዀይኑ ክሓትት ይርአ።

ሽዑ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ "መጀመርታ ኣብዚኣ" ኢሎም ናብ ምዕጉርቶም የመልክቱ። እቲ ወዲ’ውን መጀመርታ ምዕጉርቶም ሰዒሙ ቀጺሉ ይሓቑፎም።

እቲ ፍጻመ በዚ ኣየብቀዐን።

እቶም መራሒ ነቲ ወዲ ብኢድ ሒዞም፡ "ኣብዚ'ውን" እናበሉ ናብ ከንፈሮም የመልክቱ። እቲ ወዲ’ውን ከም ዝተበሃሎ ኣብ ከንፈሮም ይስዕሞም።

ድሕሪኡ ዳላይ ላማ ግንባር እቲ ወዲ ብግንባሮም ይነኽኡ እሞ መልሓሶም የውጽኡ።

ሽዑ "መልሓሰይ ድማ ምጠጥ" ይብልዎ። ኣብቲ ቪድዮ ገለ ሰባት ክስሕቁ ይርኣዩ።

እቲ ወዲ መልሓሱ የውጽእ፤ እቶም ሃይማኖታዊ መራሒ ’ውን ከምኡ።

ብድሕሪ’ዚ መሊሶም ይተሓቛቖፉ።

እቲ ወዲ ናብ "ሰላምን ሓጎስን ዝፈጥሩ ሕያዎት ደቂ ሰባት" ክጥምት ድማ ይነግርዎ።

ነቲ ፍጻመ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርገሐ ሰፊሕ ነቐፌታታት ኣስዒቡ’ዩ።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እቲ ፍጻመ ዘይግቡእን ዘሰክፍን ምዃኑ ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

ስለዝዀነ’ውን እቶም መራሒ በቲ ፍጻመ ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለዉ።

ብሰንኪ "ቃላቶም ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት" ነቲ ህጻንን ስድርኡን ይቕሬታ ክሓትቱ ከም ዝደልዩ ቤት ጽሕፈት እቶም መንፈሳዊ መራሒ ገሊጹ።

"ብዙሕ ግዜ ቅዱስነቶም፡ ምስ ዝረኸብዎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣብ ቅድሚ ካሜራን ከይተረፈ ብገርህነትን ብጸወታን ይጨርቁ'ዮም። በቲ ፍጻመ ድማ ተጣዒሶም እዮም" ክብል እቲ ቤት ጽሕፈቶም ኣመልኪቱ።

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት መልሓስ ምውጻእ ከም ነውሪ ዝቑጸር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ቲበት ግን ናይ ሰላምታ ምልክት እዩ።

ዳላይ ላማ፡ ኣብ 1959 ኣንጻር መግዛእቲ ቻይና ዝተላዕለ ናዕቢ ስዒቡ፡ ካብ ቲበት ድሕሪ ምህዳሞም ኣብ ህንዲ ኣብ ስደት ክነብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ 2019፡ እቶም መንፈሳዊ መራሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ዝዀነት መጻኢት ጓል ኣንስተይቲ ዳላይ ላማ "ሰሓቢት" ክትከውን ከም ዘለዋ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ብዝሃብዎ ርእይቶ ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ዳላይ ላማ ይቕሬታ ክሓትት ተገዲዱ ምንባሩ ይዝከር።