ብዛዕባ መረፃ ሶማሊላንድ ፡ ክትፈልጡዎም ዝግባእ ሓሙሽተ ቁም-ነገራት

ዝሓለፈ መረፃ ሶማሊላንድ

ምንጪ ስእሊ, ALI MUSA

ኣብ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ዝካየድ መረፃ ክትፈልጡዎም ዝግባእ ሓሙሽተ ቁም-ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ብሌን ዓይኒ ብምጥቃም ምጭብርባር ምቁፅፃር

ወሃቢ-ቃል (ኣፈኛ) እቲ መረፃ ሰይድ ዓሊ ሙሴ ከምዝበሉዎ፡ ሶማሊላንድ ዓቐን ብሌን ዓይኒ (ባዮሜትሪክ) ተጠቒማ መይላ መረፃ ብምክያድ ኣብ ዓለም ፈላሚት ሃገር እያ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ ነፃን ግልፅን መረፃ ብምክያድ፡ ሃገሮም ናይ መጀመርታ ሃገር ንምዃን ከምዝሃቀነት ድማ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ መረፃ ሶማሊላንድ
መግለጺ ስእሊ, ጉዱእ አካል ዜጋ ድምፆም እንተንብሩ።

3.5 ሚልየን ዝግመት ቁፅሪ ህዝቢ ዘለዋ ሶማሊላንድ፡ ካብ መንጉኡ 704 ሺሕ ድምፁ ክህብ ተመዝጊቡ።

2. ምስ ፊንላንድ ዘለዋ ርክብ

ንመረፃ ሕፁያት ኮይኖም ካብ መንጎ ዝቐረቡ ሰለስተ ተነሓናሕቲ፡ እቶም ክልተ ማለት'ውን፥ ኣብዱራሕማን ኢሮና ፈይሳልን ዓሊ ዋራቢን ዜግነቶም ፊንላንዳዊያን እዮም።

እቶም ሳልሳይ ተነሓናሒ ሙሴ ቢሂ ዓብዲ ነበር ወታሃደር እንትኾኑ፡ ብ1970 ዓ.ፈ ኣብ ሩስያ ወታሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ እዮም።

ኣብዲራህማን ኢሮ
መግለጺ ስእሊ, ካብ መንጎ ተነሓናሕቲ ሓደ ዝኾኑ ኣቦ ወንበር ውድብ ዋዳኒ፡ ኣብዲራህማን ኢሮ

እቲ መረፃ ንቕድሚት ዝተናወሐ እንትኸውን፥ ካብ ሰለስቲኦም ሓደ ኣብ ስልጣን ዘለዉ፡ ፕሬዚዳንት ኣሕመድ ሲልያኖ ንምትካእ እዮም ዝነሓንሑ ዘለዉ።

ኣሕመድ ሲልያኖ ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ድሕሪ ፃንሒት ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ክለቁ ተባሂሉ ትፅቢት ተገይሩሎም እንተነበረ 'ኳ፥ ባይቶ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር፥ ኣጓኒፉ ዝነበረ ድርቂ ንምክልኻል ኣብ ስልጣን ክቕንዩ ወሲኑ።

3. ናይ ዳላይ ላማ ምልክት

ሶማሊላንድ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ዜጋታታ ተኸተልቲ እስልምና ሃይማኖት እንተኾኑ፥ ኣብ ጎስጓስ መረፃ ናይ ዳላይ ላማን ቡድሂዝም ሰዓብቲ ተሳቲፎም።

ፋይሳል ኣሊ ዋራቤ ፥"ደገፍቲ ውድብ ዋዳኒ ዝሓዝዎ ቀለም ሕብሪ አራንሺ፥ መነነንቲ ቡድሃ ዘምሰሎም እንትኸውን፥ መራሒኦም ድማ ዳላይ ላማ ይመስሉ" ኢሎም።

እቲ ርኢቶኦም ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ነቀፌታ ዘስዓበሎም እንትኸውን፡ ገሊኦም ድማ ኣብ እምነት ዘነፃፀረ ፀርፊ እዩ ኢሎሞ።

ሕብሪ ኣራንሺ ዝተኸደኑ፡ ደገፍቲ ውድብ ዋዳኒ
መግለጺ ስእሊ, ሕብሪ ኣራንሺ ዝተኸደኑ፡ ደገፍቲ ውድብ ዋዳኒ

ደገፍቲ ውድብ(ዓቃባውያን) ዋዳኒ ኣብታ ከተማ ሕብሪ ኣራንሺ ዘለዎ ክዳን ብምኽዳን፡ ሰውነቶም ብቀለም ሕብሪ ኣራንሺ ቀቢኦም ተራእዮም።

4.ኣብ ቀጥታ ቴሌቬዝን ዝተሓላለፉ ክትዓት

እቶም ተወዳደርቲ ብቀጥታ ፈነወ ኣብ ዝመሓላለፍ ክትዕ ቴሌቬዥን እንትቀርቡ ንፈለማ ግዜ እዮም።

ኣብ መጀመርታ ግዜ ዝቐረበ ክትዕ 'ኢንስፓየር' ኣብ ዝበሃል ጉጅለ መናእሰይ እንትኸውን፡ ኣብ መረባ ትዊተር ጥራሕ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ዝተሳተፍሉ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ኣዘራራቢ ዛዕባ ድማ፡ ምስ ሑቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ፡ ኣብ ወደብ በርበራ ወተሃደራዊ ማእኸል ንምህናፅ ዝተገበሩ ስምምዓት እዮም።

ፋይሳል ዓሊ ዋሬባን ሙሴ ቢሂ ዓብዲን፡ እዚ ስምምዕነት ኣፍልጦ ዘይብላ ሶማሊላንድ ዓለም-ለኸ ኣፍልጦ ንክትረክብ ዘኽእላ እዩ ብምባል፡ እዚ ስምምዕ ደጊፎሞ።

ይኹን እምበር ዓብዱራሕማን መሓመድ ኢሮ፡ ትኽክለኛ ስምምዕነት ኣይኮነን ብምባል ተቓዊሞሞ።

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ፡ "ካብ ሑብራት ዓረብ ኢሚሬትስ ገንዘብ ወሲዶም እዮም" ብዝብል ዝሕመዩ እንትኸውን፡ ንሳቶም ግና ሙሉእ ብሙሉእ ክሒዶሞ።

ብቀጥታ ፈነወ ቴሌቬዥን ዝካየዱ ንሕንሓት

5.ኣፍልጦ እንድሕር ዘይተረኸበ'ኸ

ዋላ እኳ ሶማሊላንድ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ኣይሃልዋ፡ ካብ 24 ሃገራት ነቲ መረፃ ዝከታተሉ ክመፁ እዮም።

ካብ ኮሌጅ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዝመፁ ዳይሬክተር እቶም ልኡኻት፡ ሚካኤል ዋልስ እንትኾኑ፡ ሓገዝ ገንዘብ ዝረኽቡ እውን ካብ መንግስቲ ኢንግሊዝ እዩ።

ነቲ መረፃ ዝኸውን 20 ሚልየን ዶላር እጃመን ካብ ሞንጎ ዘበርከታ፡ ኣሜሪካ፡ ኖርዌይን ሕብረት ኣውሮጳን እንትኾኑ፡ ዋላ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተሳትፎ ኣይገበረትንን።

ሶማሊላንዳውያን
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መረፃ ሶማሊላንድ ብዙሕ መረፅቲ ድምፆም ኣንቢሪም