ብዛዕባ መረፃ ሶማሊላንድ ፡ ክትፈልጡዎም ዝግባእ ሓሙሽተ ቁም-ነገራት

ምንጪ ስእሊ, ALI MUSA
ኣብ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ዝካየድ መረፃ ክትፈልጡዎም ዝግባእ ሓሙሽተ ቁም-ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1. ብሌን ዓይኒ ብምጥቃም ምጭብርባር ምቁፅፃር
ወሃቢ-ቃል (ኣፈኛ) እቲ መረፃ ሰይድ ዓሊ ሙሴ ከምዝበሉዎ፡ ሶማሊላንድ ዓቐን ብሌን ዓይኒ (ባዮሜትሪክ) ተጠቒማ መይላ መረፃ ብምክያድ ኣብ ዓለም ፈላሚት ሃገር እያ።
ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ ነፃን ግልፅን መረፃ ብምክያድ፡ ሃገሮም ናይ መጀመርታ ሃገር ንምዃን ከምዝሃቀነት ድማ ወሲኾም ሓቢሮም።

3.5 ሚልየን ዝግመት ቁፅሪ ህዝቢ ዘለዋ ሶማሊላንድ፡ ካብ መንጉኡ 704 ሺሕ ድምፁ ክህብ ተመዝጊቡ።
2. ምስ ፊንላንድ ዘለዋ ርክብ
ንመረፃ ሕፁያት ኮይኖም ካብ መንጎ ዝቐረቡ ሰለስተ ተነሓናሕቲ፡ እቶም ክልተ ማለት'ውን፥ ኣብዱራሕማን ኢሮና ፈይሳልን ዓሊ ዋራቢን ዜግነቶም ፊንላንዳዊያን እዮም።
እቶም ሳልሳይ ተነሓናሒ ሙሴ ቢሂ ዓብዲ ነበር ወታሃደር እንትኾኑ፡ ብ1970 ዓ.ፈ ኣብ ሩስያ ወታሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ እዮም።

እቲ መረፃ ንቕድሚት ዝተናወሐ እንትኸውን፥ ካብ ሰለስቲኦም ሓደ ኣብ ስልጣን ዘለዉ፡ ፕሬዚዳንት ኣሕመድ ሲልያኖ ንምትካእ እዮም ዝነሓንሑ ዘለዉ።
ኣሕመድ ሲልያኖ ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ድሕሪ ፃንሒት ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ክለቁ ተባሂሉ ትፅቢት ተገይሩሎም እንተነበረ 'ኳ፥ ባይቶ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር፥ ኣጓኒፉ ዝነበረ ድርቂ ንምክልኻል ኣብ ስልጣን ክቕንዩ ወሲኑ።
3. ናይ ዳላይ ላማ ምልክት
ሶማሊላንድ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ዜጋታታ ተኸተልቲ እስልምና ሃይማኖት እንተኾኑ፥ ኣብ ጎስጓስ መረፃ ናይ ዳላይ ላማን ቡድሂዝም ሰዓብቲ ተሳቲፎም።
ፋይሳል ኣሊ ዋራቤ ፥"ደገፍቲ ውድብ ዋዳኒ ዝሓዝዎ ቀለም ሕብሪ አራንሺ፥ መነነንቲ ቡድሃ ዘምሰሎም እንትኸውን፥ መራሒኦም ድማ ዳላይ ላማ ይመስሉ" ኢሎም።
እቲ ርኢቶኦም ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ነቀፌታ ዘስዓበሎም እንትኸውን፡ ገሊኦም ድማ ኣብ እምነት ዘነፃፀረ ፀርፊ እዩ ኢሎሞ።

ደገፍቲ ውድብ(ዓቃባውያን) ዋዳኒ ኣብታ ከተማ ሕብሪ ኣራንሺ ዘለዎ ክዳን ብምኽዳን፡ ሰውነቶም ብቀለም ሕብሪ ኣራንሺ ቀቢኦም ተራእዮም።
4.ኣብ ቀጥታ ቴሌቬዝን ዝተሓላለፉ ክትዓት
እቶም ተወዳደርቲ ብቀጥታ ፈነወ ኣብ ዝመሓላለፍ ክትዕ ቴሌቬዥን እንትቀርቡ ንፈለማ ግዜ እዮም።
ኣብ መጀመርታ ግዜ ዝቐረበ ክትዕ 'ኢንስፓየር' ኣብ ዝበሃል ጉጅለ መናእሰይ እንትኸውን፡ ኣብ መረባ ትዊተር ጥራሕ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ዝተሳተፍሉ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ኣዘራራቢ ዛዕባ ድማ፡ ምስ ሑቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ፡ ኣብ ወደብ በርበራ ወተሃደራዊ ማእኸል ንምህናፅ ዝተገበሩ ስምምዓት እዮም።
ፋይሳል ዓሊ ዋሬባን ሙሴ ቢሂ ዓብዲን፡ እዚ ስምምዕነት ኣፍልጦ ዘይብላ ሶማሊላንድ ዓለም-ለኸ ኣፍልጦ ንክትረክብ ዘኽእላ እዩ ብምባል፡ እዚ ስምምዕ ደጊፎሞ።
ይኹን እምበር ዓብዱራሕማን መሓመድ ኢሮ፡ ትኽክለኛ ስምምዕነት ኣይኮነን ብምባል ተቓዊሞሞ።
ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ፡ "ካብ ሑብራት ዓረብ ኢሚሬትስ ገንዘብ ወሲዶም እዮም" ብዝብል ዝሕመዩ እንትኸውን፡ ንሳቶም ግና ሙሉእ ብሙሉእ ክሒዶሞ።

5.ኣፍልጦ እንድሕር ዘይተረኸበ'ኸ
ዋላ እኳ ሶማሊላንድ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ኣይሃልዋ፡ ካብ 24 ሃገራት ነቲ መረፃ ዝከታተሉ ክመፁ እዮም።
ካብ ኮሌጅ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዝመፁ ዳይሬክተር እቶም ልኡኻት፡ ሚካኤል ዋልስ እንትኾኑ፡ ሓገዝ ገንዘብ ዝረኽቡ እውን ካብ መንግስቲ ኢንግሊዝ እዩ።
ነቲ መረፃ ዝኸውን 20 ሚልየን ዶላር እጃመን ካብ ሞንጎ ዘበርከታ፡ ኣሜሪካ፡ ኖርዌይን ሕብረት ኣውሮጳን እንትኾኑ፡ ዋላ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተሳትፎ ኣይገበረትንን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







