ኣመሪካ ንዩክረይን ክላስተር ቦምባታት ከምዝሃበታ ኣረጋጊጻ

ክላስተር ቦምባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዩክረይን ኣንጻር ሰራዊት ሩስያ ኣብ እተካይዶ ዘላ ውግእ ክላስተር ቦምባታት ኣመሪካ ትጥቀም ከምዘላ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ከምዝገለጾ፡ እቶም ኣጽዋራት ኣብ ልዕሊ መስመራት ምክልኻል ሰራዊት ሩስያ "ኣድማዒ" ስራሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ፈላማይ ዳህሳስ የመልክት።

ብዙሓት ተፈንጨልቲ ቦምባታት ዝብትኑ ክላስተር ቦምባታት ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ብሰንኪ ዝፈጥርዎ ስግኣት ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ተኸልኪሎም እዮም፡፡

ኣመሪካ ግን ዓቕሚ ኣጽዋር ዩክረይን ንምሕያል ክላስተር ቦምባታት ከተቕርበላ ተሰማሚዓ፡፡

ዩክረይን ብወገና ብዝሒ ዘለዎም ሰራዊት ሩስያ ንምብታን ጥራይ ከምእትጥቀመሉ ቃል ኣትያ፡፡

ነቶም ቦምባታት "ብግቡእ ይጥቀሙሎም ኣለዉ" ዝበለ ወሃቢ ቃል ኪርቢ፡ ድሮ ኣብ ልዕሊ ምክልኻልን ኣሰላልፋን ሰራዊት ሩስያ ጸቕጢ ይፈጥሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ዩክረይን ኣብ ክረምቲ ኣብ ዝጀመረቶ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣጽዋር ትውድእ ከምዘላ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃባ ኣመሪካ ክላስተር ቦምባታት ክትልእኽ ዝወሰነት ኰይና፡ እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ትጽቢት ካብ ዝተገበረሉ ንላዕሊ ዝሑልን ዋጋ ዝሓትትን ኰይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ውሳነ "ኣዝዩ ከቢድ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ መሓዙታ ዝዀና ሃገራት ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ኒውዚላንድን ስጳኛን ምጥቃም እቲ ኣጽዋር ተቓዊመን፡፡

መብዛሕትኦም እቶም ዝተለኣኹ ቦምባታት ቀልጢፎም ዘይፍንጀሩ ስለዝዀኑ ንዓመታት ስግኣት ኰይኖም ክቕጽሉ ይኽእሉ።

እቶም ቦምባታት ሰፋሕቲ ከባቢታ ስለዝሸፍኑ ኣብ ውሽጢ ድፋዓት ንዘለዉ ወታሃደራት ንምጥቃዕ ግን ውጽኢታውያን እዮም።

ሩስያ ነቲ ወራር ካብ አትጅምር ኣትሒዙ፡ ነቲ ኣጽዋር ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝነበሩሉ ከባቢ ከይተረፈ ክትጥቀመሉ ጸኒሓ።

ኣመሪካ ነቶም ቦምባታት ንዩክረይን ክትህባ ምውሳና ስዒቡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ሃገሩ ተመሳሰልቲ ቦምባታት ከምዘለዉዋ ብምጥቃስ "ኣንጻርና ኣብ ጥቕሚ እንተውዒሎም" ንሕና እውን ክንጥቀም ኢና ኢሉ ነይሩ።

ኣዛዚ ናይቶም ኣብ ምብራቓዊ እታ ሃገር ዘለዉ ሓይልታት ዩክረይን ዝዀነ ጀነራል ኦለክሳንደር ሲርስኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ሰራዊቱ "ኣብ ልዕሊ ኣጋር ሓይልታት ጸላኢ ከቢድ ክሳራ ንምውራድ" እቲ ኣጽዋር ከምዘድልዮም ተዛሪቡ።

"ኣዝዩ ቅልጡፍ ውጽኢት ክንርኢ ኢና እንደሊ፤ ብተግባር ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብዚ ብዙሓት ወታሃደራት ኣብ ዝሞቱሉ፡ ኣብ ሩስያ ዘለዉ ኣዝማዶም ’ንምንታይ’ ኢሎም ክሓቱ እዮም’’ ኢሉ።

እንተዀነ ክላስተር ቦምባታት ‘‘ንዅሎም ጸገማት ኣይክፈትሑን እዮም" ክብል እውን ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ምጥቃም እቶም ቦምባታት ኣከራኻሪ ምዃኑ ብምጥቃስ "ሩስያውያን እንተዘይጥቀሙሎም ነይሮም፡ ምናልባት ንሕና ክንጥቀሞም ሕልናና ኣይምፈቐደልናን ነይሩ ይኸውን" ገሊጹ።