ጸብሒ ኣብ ዝነበሮ ጻሕሊ ዝሸኑ ቻይናውያን ኮተቴታት 300 ሽሕ ዶላር ተቐጺዖም

እቶም ሰኺሮም ዝነበሩ መንእሰያት ኣብቲ ጸብሒ ዝነበሮ ጻሕሊ እናሻኑ ቪድዮ ተሳኢሎም’ዮም ኣብ ማሕበራዊ ሙድያ ዘርጊሐሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቶም ሰኺሮም ዝነበሩ መንእሰያት ኣብቲ ጸብሒ ዝነበሮ ጻሕሊ እናሻኑ ቪድዮ ተሳኢሎም'ዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሖሞ

ክልተ ቻይናውያን ኮተቴታት ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ጸብሒ ኣብ ዝነበሮ ጻሕሊ ብምሻኖም ብቤት ፍርዲ 2.2 ሚልዮን የን [309 ሽሕ ዶላር] ክኸፍሉ ተበይንዎም።

እዚ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ቻይና ሓደ ካብ ዝዓበዩ መግቢ ዘቕርቡ ትካል ዝዀነ ሃይዲላኦ 'ዩ ኣጋጢሙ።

እቶም ክልተ ደቂ 17 ዓመት መንእሰያት ኣብቲ መትሓዚ ጸብሒ እናሸኑ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሖም ኣብታ ሃገር ሓያል ክትዕ ተላዒሉ ነይሩ።

ነቲ ዝተበከለ ጸብሒ [መረቕ] ዝበልዐ ሰብ ኣሎ ድዩ ኣብ ዝብል ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ይዅን'ምበር ትካል ሃይዲላኦ፡ ብድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝነበራ መዓልታት ኣብቲ ቤት መግቢ ንዝተመገቡ ኣሽሓት ተመገብቲ ዓሰርተ ዕጽፊ ናይቲ ዝኸፈልዎ ክኽሕሶም ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣብ መጋቢት፡ ትካል ሃይዲላኦ ናይ ኣስታት 23 ሚልዮን የን ክሳራ ከም ዘጋጠሞ፡ እዚ ኸኣ እቲ ንዓማዊሉ ንምኽሓስ ዘውጸኦ ወጻኢታት ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ቤት ፍርዲ ሻንግሃይ እቶም ክልተ ኮተቴታት ንብረት እቲ ትካል ከም ዝግሃሱን ንሽም እቲ ትካል ከም ዘበላሸዉን ብምግላጽ፡ እዚ ኣብ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ዘይምችኡነት ዝፈጥር ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ስድራ እቶም ኮተቴታት'ውን ደቆም ብስነስርዓት ኣብ ምዕባይ ብኵራት ከም ዘርኣዩ ብምግላጽ ንሶም'ውን ንሕብረተሰብ ክኽሕሱ ከም ዝግባእ እቲ ቤት ፍርዲ ምግላጹ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሐን።

በዚ መሰረት እቶም ክልተ ኮተቴታት ነቲ ትካል ንዝገጠሞ ዕንወት 2 ሚልዮን የን፡ ንዘበላሸውዎ መሸፈኒ ጣውላን መጸራረይን 130 ሽሕ የን ከምኡ ከኣ ንሕጋዊ መስርሕ 70 ሽሕ የን ክኸፍሉ እቲ ቤት ፍርዲ በይኑ።

እንተዀነ ትካል ሃይዲላኦ ንዓማዊሉ ንምኽሓስ ንዘውጸኦ ገንዘብ ክከሓስ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ እቲ ትካል ብወለንታኡ ዝገበሮ'ዩ ብምባል፡ እቶም ክልተ ክሱሳት ክኸፍልዎ ከም ዘይግባእ እቲ ቤት ፍርዲ ብይን ሂቡ።

ትካል ሃይዲላኦ ነቶም ካብ 24 ለካቲት ክሳብ 8 መጋቢት ኣብቲ ቤት መግቢ ዝተመገቡ ልዕሊ 4000 ሰባት ናይቲ ዝኸፈልዎ ዓሰርተ ዕጽፊ ክኽሕሶም'ዩ ጠለብ ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ ነቲ ጸብሒ ንምቕራብ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኵሉ ኣቍሑ ብኻልእ ሓድሽ ከም ዝቐየርዎ ኣካየድቲ እቲ ትካል ንዓማዊሎም ሓቢሮም።

ትካል ሃይዲላኦ መጀመርታ ኣብ ዞባ ሲሽዋን'ዩ 'ሀ' ኢሉ ጀሚሩ፤ ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሓት ዓማዊል ብምጥራይ ከኣ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1000 ጨናፍር ከፊቱ ዓቢ ተፈላጥነት ዘጥረየ ትካል'ዩ።

እቲ ትካል ብምቕሉል ኣቀራርባን ንቤተሰብ ዝኸውን ሃዋሁ ብምፍጣርን'ዩ ዝልለ።

ኣብቲ ቤት መግቢ፡ መግቢ ምስ ኣዘዝካ ደቀንስትዮ ኣጽፋረን ብነጻ ዘጽርያለን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ይምደባለን ህጻናት ከኣ ከም ካራሜለ ዝኣመሰለ ምቍር ነገራት ብነጻ ይወሃቦም።