ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ጸባን ውጽኢት ጸባን ኣእዱግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ኣብ ሰርብያ ካብ ጸባ ኣድጊ ዝስራሕ ፎርማጆ (ቺዝ) ንሓደ ኪሎ-ግራም ብ1,200 ዩሮ ይሽየጥ።
ዋጋ ሓደ ኪሎ-ግራም ፎርማጆ ጸባ ኣድጊ፡ ልዕሊ ማእከላይ ወርሓዊ ደሞዝ ናይ ሓደ ሰርብያዊ እዩ።
ኣብቲ ካብ ርእሰ ከተማ ቤልግሬድ ንምዕራብ ኣስታት 80 ኪሎሜትር ርሒቑ ዝርከብ ሕዛእቲ ተፈጥሮ ዛሳቪካ ጥራሕ እዩ ዝሽየጥ።
"ሓደ ኪሎ-ግራም ፎርማጆ ንምስራሕ 25 ሊትሮ ጸባ ኣድጊ የድሊ። እዚ ድማ ሓንቲ ኣድጊ ልዕሊ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ዝጸንሕ ግዜ እተፍርዮ መጠን እዩ፡" ክብል ኣካያዲ እቲ ሕዛእቲ ዛሳቪካ ቩክ ሲሚክ ምስ ቢቢሲ ኒውስ ሰርብያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።
ካብቶም ዝኸበሩ ፎርማጆታት እኳ እንተዀነ፡ ክብረወሰን ዝሓዘ ግን ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ኣብ ስጳኛ ዝተዳለወ 'ብሉ ቺዝ' ኣብ 2024 ን2.5 ኪሎ-ግራም ብ36 ሽሕ ዩሮ ስለ ዝተሸጠ ክብረወሰን ዓለም ሒዙ ይርከብ።
እቲ ኣብ ሰርብያ ዝስራሕ ክቡር ፎርማጆ፡ እቶም ገንዘብ ዘለዎም ጥራሕ እዮም ዝረኽቡዎ። ዋላ'ውን እቲ ሓያሎ ጨናፍር ኣብያተ መግቢ ዘለውዎ ስሙይ ሰርብያዊ ተጻዋቲ ቴኒስ ኖቫክ ጆኮቪች እውን ንትካላቱ ናይ ዓመት ምሉእ ቀረብ ከም ዝዓደገ ይንገረሉ።
ኣካያዲ ናይቲ ዝተሓዝአ ተፈጥሮ ዛሳቪካ ነበር ስሎቦዳን ሲሚች ከም ዝበሎ፡ ጆኮቪች ንፍርቂ ኪሎ-ግራም ፎርማጆ ጸባ ኣድጊ ብኣስታት 480 ዩሮ ዓዲጉዎ'ሎ።
ተፈጥሮኣዊ ገነት
ኣብ ውሽጢ 36 ትርብዒት ኪሎ-ሜተር ዝስፍሓቱ ሕዛእቲ ተፈጥሮ ዝርከብ ዛሳቪካ፡ ፍሉያት ዝዀኑ ዓይነታት ኣትክልትን እንስሳታትን፣ ከምኡ፡ውን ኣፍራስ በረኻን ኣማኢት ዓይነታት ኣዕዋፍን ይነብርሉ። ይዅን'ምበር፡ እቶም ዝበዝሑ ፍሉጣት ነበርቱ 300 ኣእዱግ ብምዃኖም፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ሕርሻ ኣእዱግ ይገብሮ።
እቲ ፎርማጆ ጸባ ኣድጊ ሰርብያ ዘፍሪ ሕርሻ ዛሳቪካ፡ ኣብቲ ከባቢ ብ'ፑለ' እዩ ዝፍለጥ።
ኣእዱግ ብገታርነቶም ዝፍለጡ እኳ እንተዀኑ፡ ለዋሃትን ሕብረተሰብ ዝፈትዉን ፍጥረታት እዮም።
"ነፍሲ-ወከፍ ኣድጊ ናይ ገዛእ ርእሱ ስብእና ኣለዎ፡" ይብል ሓላፊ ናይቲ ሕርሻ ኒኮላ ኒሊክ።
"ገሊኦም ዝያዳ ተጻወትቲ፡ ገሊኦም ድሩት ንጥፈት ዘለዎም እዮም። ኵሎም ግን ክትተናኽፎም ዝፈትዉ እኳ እንተዀኑ፡ ክበዝሕ ግን ኣይመርጹን፡" ይብል።
ካብቶም 300 ኣእዱግ ኣስታት ደርዘን ጥራይ እዮም ተባዕትዮ።
ኣንስትዮ ኣእዱግ ድሕሪ ሕርሲ ትሽዓተ መዓልቲ ኣትሒዘን ርክብ ይጅምራ። እዚ ድማ ዳርጋ ንነዊሕ ከጥቡዋ ይገብረን።
ኣእዱግ ምጥባው ዝቕጽላ ወይ ጸባ ዝህባሉ ግዜ ግን፡ ኣብ ጐድነን ውላደን ክሳብ ዘሎ ጥራሕ እዩ። ጸባ ኣድጊ ብመጠኑ ኣዝዩ ውሑድ ኰይኑ እዩ ዝፍጠር።
"ሓንቲ ኣድጊ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 300 ሚሊ-ሊትር ጸባ ጥራሕ እያ እተፍሪ። እዚ ድማ ክንዲ ብርጭቆ ማይ ዝኸውን እዩ፡" ይብል ሲሚክ።
ፍርቂ ናይዚ ድማ እቲ ዒሉ (ውላዳ) ይጠቡዎ። እዚ ድማ ንምፍራይ ፎርማጆ ወሓደን ግዜ ዝወስድን ይገብሮ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስጢር ፎርማጆ ጸባ ኣድጊ
እዚ ፎርማጆ እዚ ፍሉይ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ኒኮላ ኒሊክ ብዛዕባ እቲ ምስጢራዊ ቀመም ምስ ተሓተተ፡ ፍሽኽ ብምባል፡ "እዚ፡ ክነግረኩም ኣይክእልን እየ፡" ይብል።
ካብ ጸባ ኣድጊ ፎርማጆ ምፍራይ ዝብል ሓሳብ ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብኣቦ ቩክ ሲሚክ ዝዀነ ስሎቦዳን ሲሚች ዝተሓስበ እዩ።
ድሕሪ ብዙሕ ፍሹል ፈተነታት፡ መሃንድሳት መግቢ ሕዛእቲ ዛሳቪካ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሜላ ምፍራይ ፎርማጆ ዕውት ከም ዝገበሩዎ ይግለጽ።
እቲ ብዓል ዝና ፎርማጆ፡ ናብ ዕዳጋ ኣይቀረበን፣ ንወጻኢ'ውን ኣይተላእከን። ኣብ ሕዛእቲ ዛሳቪካ ኬድካ ጥራሕ እዩ ክዕደግ ዝኽእል።
"ኣብ ዓመት ካብ 25 ክሳብ 30 ኪሎ-ግራም ጥራሕ ኢና ነፍሪ። እዚ ድማ ብርቂ ፍርያት ይገብሮ፡" ይብል ሲሚክ።
ሰርብያ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ንኣሽቱ ሕርሻታት ኣእዱግ ኣለውዋ። መብዛሕትኦም ግን ኣብ ክንዲ ፎርማጆ፡ ኣብ ምሻጥ ጸባ ከም ዘተኵራ ማሕበር ሓረስቶት ከብቲ ሰርብያ ይሕብር።
ምህርቲ ጸባ ኣድጊ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ ኣብ ቍጠባ ብዙሕ ጽልዋ ከም ዘየሕድር ቤትምኽሪ ንግዲ ሰርብያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብ'ፑለ' ዝፍለጥ 50 ግራም ፎርማጆ ጸባ ኣድጊ ሰርብያ፡ ካብ 50 ክሳብ 70 ዩሮ ብዝበጽሕ ዋጋ ይሽየጥ።

ነቲ ፎርማጆ ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ፍሉይ መምርሒታት ይሓትት። ሕዛእቲ ተፈጥሮ ዛሳቪካ ድማ እቲ እንኮ ኣፍራዪ ናይቲ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ፎርማጆ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
"ንሕጂ ንዝዀነ ሰብ፡ እቲ ምስጢር ከነካፍሎ መደብ የብልናን፡" ይብል ሲሚክ።
ዋላ'ኳ ካብ ዓለምለኻውያን ዓደግቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ጠለብ እንተ ቀረበሎም ሲሚክ ግን ሰደድ እቲ ፎርማጆ ቀዳምነት ከም ዘይወሃቦ ይዛረብ።
"ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብዛዕባና ክሰምዑ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሕና ድማ ነፍሲ-ወከፍ እነፍርዮ ፎርማጆ ንሸጦ ኣለና፡" ይብል ብዓርሰ-እምነት።
መብዛሕትኦም ዓደግቶም ከኣ ነዚ ብርቂ ዝዀነ ምቁር መግቢ ክኸፍሉ ዓቕሚ ዘለዎም ሃብታማት ወጻእተኛታት ምዃኖም ኣይሓብአን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







