ኣብ መግቢ ሓደ ቤት ትምህርቲ 'ተመን ተረኺቡ' ብዙሓት ተመሃሮ ሓሚሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ህንዲ፡ ኣብ መግቢ ቤት ትምህርቲ ዝሞተ ተመን ድሕሪ ምርካቡ፡ ነቲ ምሳሕ ዝበልዑ ልዕሊ 100 ህጻናት ከም ዝሓመሙ ኣብ ዝገልጽ ጸብጻባት ምጽራይ የካይድ ኣሎ።
ኣቕረብቲ፡ ነቲ ዝሞተ ተመን ኣብቲ መግቢ ዝተሰርሓሉ ዓብይ ድስቲ ምስረኸብዎ ኣብ ክንዲ ነቲ መግቢ ዝጕሕፍዎ ንተመሃሮ ምሳሕ ከምዘቕረብዎ እዩ ዝግለጽ ክብል ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ምብራቓዊ ህንዲ ግዝኣት ቢሃር ኣብ እትርከብ ከተማ ሞካማ ኣስታት 500 ህጻናት እቲ መግቢ ከምዝተቐረበሎም ኣመልኪቱ።
ህጻናት ክሓሙ ምስ ጀመሩ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ጽርግያ ከምዝዓጸዉ'ውን ሓቢሩ።
"ኮሚሽንና እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተዀይኑ፡ ሰብኣዊ መሰላት ተመሃሮ ዝግህስ ከቢድ ሕቶ ዘልዕል ጉዳይ ከምዝዀነ ተገንዚቡ'ሎ" ኢሉ።
እቲ መግለጺ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ግዝኣት "ዝርዝር ጸብጻብ" ክቐርብ ጠሊቡ።
እቲ ዝቐርብ ጸብጻብ ከኣ "ኵነታት ጥዕና እቶም ህጻናት" ዘጠቓልል ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ሰዓት ምሳሕ ዝቐርብ ነጻ ናይ ቤት ትምህርቲ መግቢ፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቸናይ (ማድራስ) ነቶም ካብ ድኻ ክፋላት ሕብረተሰብ ንዝመጹ ህጻናት ብዝብል'ዩ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1925 ተኣታትዩ።
ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መደባት ምገባ ንተመሃሮ ሓደ ኰይኑ፡ ጥምየት ንምምካትን ካብ ቤት ትምህርቲ ዘይምትራፍ ንምትብባዕን ዝተኣታተወ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ትሑት ጽሬት መግቢ ብዝምልከት ቅሬታታት ክቐርብ ጸኒሑ'ሎ።
ኣብ 2013፡ ኣብ ግዝኣት ቢሃር ንዝሞቱ 23 ህጻናት ተመሃሮ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝተጠቐሰ ዝተበከለ መግቢ እዩ ነይሩ።
ብዝተገበረ መርመራ "ኣዝዩ መርዛም" መጠን ጸረ-ባልዕ ከምዝተረኸበ ፖሊስ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







