ኣናብስን ሓራምዝን ኣብ ዝነብርዎ ሕዛእቲ ዝቐነየ ቈልዓ ብኸመይ ነብሱ ኣድሒኑ?

ምንጪ ስእሊ, Mutsa Murombedzi/Twitter
ኣብ ሰሜናዊ ዝምባብወ ኣናብስን ሓራምዝን ኣብ ዝነብሩሉ ሕዛእቲ ዝቐነየ ቈልዓ ሸሞንተ ዓመት፡ ብህይወት ከም ዝተረኽበ ሓንቲ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ሓቢራ። እቲ ቈልዓ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ንሓሙሽተ መዓልቲ ከም ዝጸንሐ ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ ቲኖተንዳ ፑዱ ዝተባህለ ቈልዓ፡ ካብ ገዛኡ 23 ኪሎሜተር ርሒቑ እናዛወነ ናብቲ ማቱሳዶና ጌም ባርክ ዝበሃል "ሓደገኛ" ሕዛእቲ ጥሒሱ ከም ዝኣተወ፡ኣባል ባይቶ ማሾናላንድ ዌስት ሙትሳ ሙሮምቤድዚ ገሊጻ።
"ኣብቲ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ቦታ፡ ኣብ ማእከል ዝጓዝሙ ኣናብስ ደቂሱ፡ ሓራምዝ እናሓለፉ፡ ፍረታት መሮር እናበልዐ፡" ሓሙሽተ መዓልታት ከም ዘሕለፈ ትዛረብ።
ማቱሳዶና ጌም ፓርክ ኣስታት 40 ኣናብስ ኣለዉዎ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝለዓለ ብዝሒ ኣንበሳ ዝነበሮ ሕዛእቲ ከም ዝነበረ ኣፍሪካን ፓርክ ይሕብር።
ብዓል መዚ ምሕደራ ሕዛእትታትን እንስሳ ዘገዳምን ዝምባብወ፡ ነቲ ፍጻመ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ እኳ እንተዀነ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ግን ተቘጢቡ።
ሙሮምቤድዚ፡ እቲ ቈልዓ ንዘለዎ ፍልጠት በረኻን ናይ ምድሓን ክእለትን ብህይወት ንኽጸንሕ ከም ዝተጠቕመሉ ገሊጻ።
ቲኖተንዳ ካብቲ ዘጋጠሞ መከራ፡ ፍረ መሮር እናበልዐ'ዩ ድሒኑ።
ብተወሳኺ፡ በትሪ ተጠቒሙ ንኣሽቱ ዒላታት ብምዅዓት ዝስተ ማይ ረኺቡ። እዚ ክእለት፡ ኣብ ደረቕ ቦታ ብኸመይ ህይወትካ ተድሕን ዘምህር እዩ።
ኣባላት ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ፡ እቲ ቈልዓ ናብ ዓዱ ንምምላስ መዓልታዊ ከበሮ እናወቕዑ ናብ ቤቱ ዘምርሖ ኣንፈት ከትሕዝዎ ጽዒሮም።
ኣብ መወዳእታ ግን ብሓለውቲ እቲ ሕዛእቲ'ዩ ተረኺቡ።
ቲኖተንዳ ኣብ ሓሙሻይ መዓልቱ ናይ ሓንቲ ሬንጀር መኪና ድምጺ ሰሚዑ ናብኣ ገጹ እኳ እንተ ጐየየ፣ ሰኣን ቍሩብ ግን ከም ዘምለጠቶ እታ ኣባል ባይቶ ትገልጽ።
ከም ዕድል ኰይኑ፡ እቶም መኪና ዝዝውሩ ሓለዋ እቲ ሕዛእቲ፡ "ንእሽቶ ኣሰር እግሪ ሰብ" ርእዮም፡ ክሳዕ ዝረኽብዎ ነቲ ከባቢ ፈቲሾሞ።
"እዚ ምናልባት ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ጻንሒት፡ ናይ ምድሓን ዕድሉ ናይ መወዳእታ ክኸውን ይኽእል ነይሩ'ዩ፡" ትብል እታ ኣባል ባይቶ።
እቲ ፓርክ ልዕሊ 1,470 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝስፍሓቱ ኰይኑ፡ ኣድጊ በረኻ፡ ሓራምዝ፡ ጉማረታትን ኣናብስን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ዝነብሩሉ ቦታ እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሰባት እቲ ቈልዓ ብዘርኣዮ ጽንዓት ወዲሶሞ።
ሓደ ሰብ ኣብ ኤክስ፡ "እዚ ካብ ርድኢት ደቂ ሰብ ንላዕሊ'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።
ካልእ ተጠቃሚ ድማ፡ "ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሰ ክጸውዮ ዝኽእል ዘደንጹ ዛንታ ክህልዎ'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







