ግጭት እስራኤልን ኢራንን ብኪነታዊ ብልሒ ብዝተሰንዐ ዝተጋነነ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት የዕለቕልቕ

ዝተሰነዐ ስእሊ

እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንደሓር ማዕበላዊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ኣሎ።

እቲ ብቢቢሲ 'ቨሪፋይ' ዝተገምገመ ዓሰርተታት ልጥፎታት ንኣድማዕነት ግብረመልሲ ቴህራን ንምግናን ዝዓለመ እዩ።

ትንተናና ንብርክት ዝበሉ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ዘጋንኑ ብኪነታዊ ብልሒ (ኤ.ኣይ) ዝተፈጥሩ ቪድዮታት - ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት እስራኤል ዘርእዩ ናይ ሓሶት ምስልታት ረኺቡ።

እተን ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተረኽባ ብብዝሒ ዝተራእያ ሰለስተ ናይ ሓሶት ቪድዮታት፡ ብሓባር ኣብ ዝተፈላለዩ ገጻት ልዕሊ 100 ሚልዮን ተራእየን ኣለዋ።

ደገፍቲ እስራኤል ብወገኖም ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታቶም፡ ኣብ ኢራን ዝተኻየዱ ተቓውሞን ምትእኽኻባትን ዝገልጽ ናይ ቀደም ልጥፎታት ዳግማይ ብምዝርጋሕ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝውስኽ ዘሎ ተቓውሞን ኢራናውያን ንወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ዝምጕስ ደገፍን ከም ዘርእዩ ዘርእይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብኢንተርነት ኣካፊሎም ኣለዉ።

እስራኤል ብ13 ሰነ ኣብ ኢራን መጥቃዕቲ ምክያዳ ሲዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓያሎ ዙርያታት መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኢራን ኣከቲሉ'ሎ።

ሓደ ምንጪ ምስልታት ዝትንትን ትካል፡ መጠን ናይቲ ኣብ ኢንተርነት ዝቐርብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ "ዘገርም" ክብል ብምግላጽ፡ ካብቲ ግጭት መኽሰብ ንምርካብ ብምህቃን፡ ኣቓልቦ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ንምስሓብ ዝተዳለወ መደናገሪ ትሕዝቶታት ምዝርግሑ ከሲሱ።

"ካብ ፓኪስታን ካብ ዝመንጨዉ ምስቲ ግጭት ምትሕሓዝ ዘይብሎም ኣሳእል ጀሚርና፡ ካብቲ ክሳብ ጥቅምቲ 2024 ዝተኻየደ ኣድማታት ከም ሓድሽ ገርካ ዝዝርግሑ ዘለዉ ቪድዮታት - ገሊኦም ልዕሊ 20 ሚልዮን ተራእዮም።"

"ብዘይካዚ ብኤኣይ ዝፍጠር ትሕዝቶ ከም ሓቀኛ ፍጻመታት ክዝርግሑ ንርኢ ኣለና፡" ክብል ጂኦኮንፊረድ ዝተባህለ ናይ ኦንላይን ምርግጋጽ ጉጅለ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ገለ ማሕበራዊ ገጻት "ወናማት ዘርጋሕቲ" ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኰይኖም፡ ኣብ ቍጽሪ ሰዓብቶም ርኡይ ዕቤት ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ።

ዳይሊ ኢራን ሚሊታሪ ዝተባህለ ምስ ሰበስልጣን ቴህራን ርክብ ዘይብሉ ደጋፊ ኢራን ዝዀነ ገጽ፡ ኣብ ኤክስ ዝነበሩ ሰዓብቱ ክሳብ ብ13 ሰነ ልዕሊ 700,000 ጥራይ ዝነበሩ፡ ኣብ 19 ሰነ ናብ 1.4 ሚልዮን ክዓቢ ክኢሉ።

እዚ ድማ ሰሙን ኣብ ዘይመለእ ብ85% ወሰኽ ከርኢ ክኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ገጻት ተሳተፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቀላቐሉ ዘለዉ ኵሎም ሰማያዊ ምልክት (ቨሪፋይድ) ዘለዎም ኰይኖም፡ ዝበዝሑ ብተደጋጋሚ ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ዝለጠፉን እዮም።

ገሊኦም ወግዓዊ ዝመስል ኣስማት ስለ ዝጥቀሙ፡ ገለ ሰባት ሓቀኛ 'ኣካውንት' ምዃኖም'ኳ እንተ ገመቱ ፡ ብሓቂ ግን መን የካይዶም ከም ዘሎ ንጹር ኣይኰነን።

ዋና መርማሪት ሓላፊት ተንተንቲ ጉጅለ ጌት ርያል ሳሊባ ኢማኑኤል፡ እዚ ውሕጅ ናይ ሓሶት ሓበሬታ "ኣብ እዋን ግጭት ኪነታዊ ብልሒ (ኤኣይ) ብዘይቅጥዒ ክጥቀመሉ ንመጀመርታ ግዜ ርኢና፡" ብምባል ንቢቢሲ ቨሪፋይ ሓቢራ።

እቶም ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተገምገሙ ኣካውንታት ብተደጋጋሚ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተሰርሑ ምስልታት ይዝርግሑ ነይሮም። እዚ ድማ ንዓወት ግብረመልሲ ኢራንን ንመጥቃዕቲ እስራኤል ንምግናንን ዝዓለመ ይመስል።

ሓደ 27 ሚልዮን ግዜ ዝተራእየ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ተልኣቪቭ ዓሰርተታት ሚሳይላት ክወድቁ ዘርኢ እዩ።

ካልእ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ድማ ኣብታ እስራኤላዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ብለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዘርኢ እዩ።

ሳሊባ፡ እቲ ዝዝርጋሕ ምስልታት መብዛሕትኡ ግዜ ብለይቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝገልጽ ብምዃኑ፡ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ገሊጻ።

ናይ ኪንታዊ ብልሒ ናይ ሓሶት ምስልታት፡ ናይ እስራኤል ኤፍ-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ከም ዝዓነዋ ንምግላጽ ዘተኰረ እዩ።

ኤፍ-35 ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሐት ኰይና ኣብ ምድርን ኣየርን ዒላማታት ክትሃርም እትኽእል ምዕብልቲ ነፋሪት ኲናት እያ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ጉጅለ ተንተንቲ ኣለቴያ ሊዛ ካፕላን እቲ ዕስለ ምስልታት ናይ ብሓቂ እንተ ዝኸውን ኢራን ን15% ሰራዊት እስራኤል ምደምሰሰት ነይራ ብምባል ንቢቢሲ ቨሪፋይ ትገልጽ።

ዛጊት ዝዀነት ካብ ነፈርቲ ኲናት ኤፍ-35 ተወቒዓ ምውዳቓ ኣይተራጋገጸን ዘሎ።

ኣብ ሓደ ብብዝሒ ዝተባጽሐ ልጥፎ፡ ሓንቲ ጀት ኣብ ምድረበዳታት ኢራን ድሕሪ ምውዳቓ ከም ዝተሃስየት ዘርኢ'ዩ። ይዅን እምበር ምልክታት ምትላል ኪነታዊ ብልሒ ድማ ግሁድ ነይሩ።

እቶም ዓጒጐማ ዝረኣዩ ሰላማውያን ሰባት ክንድቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መካይን ዝኸውን ግዝፊ ነይርዎም። እቲ ወዲቓትሉ ዝነበረት ሑጻ ብዓቢዩ ነፋሪት ከም ዝወደቐቶ ምልክት ኣይነበሮን።

ዝተሰንዐ ስእሊ

ካልእ ኣብ ቲክቶክ 21.1 ሚልዮን ዝተራእየ ቪድዮ፡ ካልእ ነፋሪት ኲናት እስራኤል፡ ኤፍ-35 ብሓይሊ ኣየር ተሃሪማ ክትወድቕ ከላ ዘርኢ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ግን ካብ ናይ መጻወቲ ቪድዮ ዝወጽአ እዩ።

ቲክቶክ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብቢቢሲ ቨሪፋይ ሕቶ ምስ ቀረበሉ እዩ ኣልዩዎ።

ካፕላን ገለ ካብቲ ኣብ ኤፍ-35 ዝግበር ዝነበረ ትዅረት፡ ኣሌቴያ ቅድሚ ሕጂ ምስ ጽልዋ ስርሒታት ሩስያ ብዘተኣሳሰሮ ገጻት ዝድረኽ ምንባሩ ገሊጻ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጽልዋ ስርሒታት ሩስያ ካብ ንውግእ ዩክረይን ዝግበር ደገፍ ንምድኻም ካብ ምፍታን ናብ ኣጽዋራዊ ዓቕሚ ምዕራባውያን - ብፍላይ ድማ ኣመሪካውያን -ጥርጣረታት ምዝራእ መንገዱ ከም ዝተቐየረ ኣመልኪታ።

"ሩስያ ብሓቂ ጸረ ኤፍ-35 የብላን። ስለዚ እንታይ ክትገብር ትኽእል? ኣብ ውሽጢ ዝተወሰና ሃገራት ንዕኡ ዝግበር ደገፍ ንምድኻም ክትጽዕር' ትኽእል እያ" ትብል ካፕላን።

ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ግጭት እስራኤል ኢራን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ግን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ካልኦት ግጭታትን'ውን ዝጽብጽቡ ብዝነበሩ ፍሉጣት ገጻት እንከይተረፉ እዩ ግጉይ ሓበሬታ ዝዝርጋሕ ዘሎ።

ድርኺቶም ዝተፈላለየ'ኳ እንተዀነ፡ ገለ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ሰዓብትን ተራኣይነትን ንዘለዎም ገጻት ክፍሊት ይህቡ ብምዃኖም፡ ገሊኦም ካብቲ ግጭት ገንዘብ ንምኽዕባት ዝጽዕሩ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ገሊጾም።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ገጻት ደገፍቲ እስራኤል ዝወሓዙ ልጥፎታት'ውን መንግስቲ ኢራን እናወሰኸ ዝኸይድ ተቓውሞታት የጋጥሞ ከም ዘሎ ኣብ ዝገልጽ ሓሳባት ዘተኰረ እዩ።

ካብዚኦም ኢራናውያን ኣብ ጎደናታት ቴህራን "እስራኤል ንፈትዋ ኢና" ዝብል ጭርሖታት እናጨርሑ ብሓሶት ዘርኢ ብሰብ ሰርሒ ብልሒ ተዳልዩ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን ዝግበር ግምታት እናዓበየ ምስ ከደ - ገለ ኣካውንታት ብኪነታዊ ብልሒ ዝተፈጥሩ ምስልታት ናይ ቢ-2 ቦምባ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ክዝርግሑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቢ-2 እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ኣትሒዛ ጥቡቕ ኣቓልቦ ስሒባ ኣላ፣ ምኽንያቱ፡ ንሳ እታ እንኮ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን መጥቃዕቲ ክትፍጽም እትኽእል ነፋሪት እያ።

ወግዓውያን ምንጭታት ኢራንን እስራኤልን'ውን ገለ ካብቲ ናይ ሓሶት ምስልታት ኣካፊሎም ኣለዉ። ኣብ ቴህራን ዝርከባ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሓሶት ተንቀሳቓሲ መጥቃዕትን ብኪነታዊ ብልሒ ዝፈጠሮ ምስልን ናይ ዝወደቐት ኤፍ-35 ጀት ክካፈላ እንከለዋ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዘካፈሎ ልጥፎ ድማ ኣብ ኤክስ፡ ናይ ቀደምን ምስቲ ሓድሽ ግጭት ዘይተዛመደ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ምድብዳብ ሚሳይላት ብምጥቃሙ፡ መተሓሳሰቢ ቀሪብሉ።

ብዙሕ ካብቲ ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተገምገመ ግጉይ ሓበሬታታት ኣብ ኤክስ ተኻፊሉ ካብ ዘሎ ኰይኑ፡ ተጠቀምቲ ብተደጋጋሚ ናብ AI chatbot - Grok - ብምምላስ ሓቅነት እቲ ልጥፎታት ንምፍታሽ ይጥቀምሉ ኣለዉ።

ይዅን'ምበር ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት 'ግሮክ' እቶም ናይ ኪነታዊ ብልሒ ቪድዮታት ናይ ብሓቂ ምዃኖም እዩ ኣመልኪቱ።

ሓደ ካብዚ ቪድዮ እዚ፡ እልቢ ዘይብሉ ባሊስቲክ ሚሳይላት ዝጸዓና ናይ ጽዕነት መካይን ካብ ወሰን ኣኽራን ዝርከብ ቦታ ክወጽኣ ዘርኢ ኰይኑ፡ ትሕዝቶ ኪነታዊ ብልሒ ዝሕብሩ ምልክታት - ማለት ኣብቲ ምስሊ ዝነበሩ ኣኻውሕ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም ሳሊባ ገሊጻ።

ዝተሰንዐ ስእሊ

ይዅን እምበር ግሮክ ንተጠቀምቲ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን፡ እቲ ቪድዮ ናይ ብሓቂ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብምሕባር፡ ንጸብጻባት ኒውስዊክን ሮይተርስን ዝርከቦም ዝተፈላልዩ ማዕከናት ዜና ጠቒሱ።

"ንጹርነት ዝእመን ዜናታት መርምሩ፡" ክብል ድማ እቲ ቻትቦት ግጉይ መደምደምታ ሂቡ።

ኤክስ ብዛዕባ መደምደምታ እቲ ቻትቦት ርእይቶ ክህብ ካብ ቢቢሲ ቨሪፋይ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራምን'ውን ብዙሓት ቪድዮታት ተራእዮም እዮም።

ቲክቶክ ንቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዘይቅኑዕ፡ ዘደናግር ወይ ሓሶት ትሕዝቶ ዝኽልክል" መምርሒታት ብንጥፈት ከም ዘተግብርን "ዘደናግር ትሕዝቶ ንምርግጋጽ" ምስ ዘይሻራውያን መርመርቲ ሓቂ ከም ዝሰርሕን ገሊጹ።

ወናኒ ኢንስታግራም ሜታ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

ናይቶም ብኢንተርነት ናይ ሓሶት ስራሕ ዝፈጥሩ ድርኺቶም ዝተፈላለየ እኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ስርሓቶም ግን ብተራ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካፈሉ እዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖትረ ዳም ተመራማሪ ማቲው ፋቺያኒ፡ ሰባት ከም ብግርጭትን ፖለቲካን ዝለዓሉ ክልተኣዊ ምርጫታት ኣብ ዝገጥሞም እዋን፡ ስኑዕ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ኣብ ኢንተርነት ከም ዝዝርጋሕ የረድእ።

"ሰባት ምስ ፖለቲካዊ መርገጺታቶም ዝሰማማዕ ነገራት ደጋጊሞም ከካፍሉ ይደልዩ፣ እዚ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉዳይ ብሓፈሻ ስንባደ ዝፈጥርን ስምዒት ሰባት ዝትንክፍ ትሕዝቶን ዘለዎ ብዝያዳ ብቕልጡፍ'ዩ ኣብ ኢንተርነት ዝዝርጋሕ፡" ይብል።