ትራምፕ፡ ኣብ ቀራና መንገዲ - ኣብ ቅድመኡ ዘሎ ኣማራጺታት እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ግጭት እስራኤልን ኢራንን ኣመልኪቱ ክህቦ ኣብ ዝጸንሐ መግለጺ፡ ንመጥቃዕቲታት እስራኤል ምሉእ ደገፍ ካብ ምግባር ብዝተቘጠበ ቃና ካብቲ ኵነታት ፍንትት ኢሉ ዝጸንሐ ክመስል እንከሎ፡ ሕጂ ድማ ናብቲ ጉዳይ ዝተመለሰ ይመስል።
እቲ ውግእ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንኣኼባ ጕጅለ-7 ኣቋሪጹ ምምላሱ፡ ዘይርጕጽ ዝመስል ስምዒት ዘንጸባረቕ ዘሎ የምስሎ። ንሱ፡ ናብ ዋሽንግተን ዝተመለሰሉ ምኽንያት "ዓበይቲ ጉዳያት" ኣለዉኒ ክብል እዩ ገሊጽዎ።
ዋይት ሃውስ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ፡ ምምላስ ትራምፕ፡ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ዘሎ ኵነታት" ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፣ እቲ ፕረዚደንት ግን ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ምስ ምቍራጽ ተዅሲ ዝዀነ ምትሕሓዝ የብሉን፡" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣቐዲሙ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ብምሉእ ምውህሃድ ምስ ኣመሪካ" ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እዚታት ድማ ብዙሕ ትንታነ ዘድልዮ ኵነታት ኣብቲ ፕረዚደንት ይንጸባረቕ ከምዘሎ ኣመት ኰይኑ፡ እንታይ ኣማራጺታት እዮም ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ተጻዒኖም ዘለዉ ብዝብል መንጽር ምርኣዩ የድሊ።
1. ትራምፕ ኣብ ክልተ ጫፋት
ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ሚሳይላት እስራኤል ንኢራን ኣብ ዝሃረመሉ እዋን፡ ትራምፕ፡ ንመራሕቲ ኢራን "ዝያዳ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ" ክጽበዩ ከምዘለዎም ኣፈራሪሑ ነይሩ።
ናይ መወዳእታ ዕላማ ትራምፕ ዝፍለጥ እዩ፤ ንሱ ልክዕ ከም መሻርኽቱ ነታንያሁ ኢራን ኒዩክለሳዊ ቦምብ ከም ዘይህልዋ ምግባር እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ እቲ ወሳኒ ነገር ግን ሕራያኡ እዩ። ትራምፕ ዘይከም ናታንያሁ፡ ጉዳይ ዘይምዕጣቕ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ኢራን ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ብዝግበር ስምምዕ ክኸውን እዩ ዝደሊ። እዚ መንገዲ'ዚ ንነብሱ ከም ዓለማዊ ፈጣሪ ሰላም ኰይኑ ንኽርአ ዝገብሮ ጻዕሪ'ውን ከዐውት ስለዝኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ናብዚ ብኸመይ ክበጽሕ ክምዝኽእል ኣጸጊምዎ ዘሎ ይመስል። ሓንሳብ ብዛዕባ'ቲ ስግኣት ኰይኑ ዘሎ ሓይሊ ኢራን ተሪር መግለጺ ይህብ፣ ካልእ ግዜ ድማ ዲፕሎማሲ ክጥቀም ዝደለየ ይመስል። ዝሓለፈ ሰሙን፡ እዚ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ምስ ኢራን ኣብ ሓደ ስምምዕ ንኽብጻሕ ደራኺ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።
ዘይተገማቲ ምዃኑ፡ ብደገፍቱ ድማ ከም ሓደ ክልሰሓሳብ "ዕቡድ ሰብኣይ" ስትራተጂ ዝምድናታት ወጻኢ ዝጥቀም ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።
እዚ ክልሰሓሳብ'ዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ከም ሜላ ዘተ ትራምፕ ንምግላጽ ዝጥቀስ ዝነበረ ኰይኑ፡ ትራምፕ ኮነ ኢሉ፡ ዘይርጉጽ ወይ ዘይተገማቲ መሲልካ ምቕራብ፡ ተጻረርቲ (ኣብ ጉዳይ ትራምፕ ድማ መሓዙት ከይተረፉ) ናብቲ ዝደልዮ ንኽመጽኡ ንምግዳድ ከም ሜላ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ምዃኑ እዩ ዝእመን።
እዚ ድማ ብገለ ሸነኹ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ሪቻርድ ኒክሰን ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዘዘትሮ ምዃኑ ምስ ዝንገር ኣገባብ ዝተኣሳሰር ምዃኑ እዩ ዝጥቀስ።
ገለ ኣማኸርትን ደገፍትን ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን እቲ "ዝለዓለ ጸቕጢ" ምጥቃም ዝብል ሸነኽ ክልሰሓሳብ 'ዕቡድ ሰብኣይ' ይድግፉ።
እዚ ብምግባር ድማ ኣብ መወዳእታ እቲ ስግኣታት ክቕንጠጥ ይኸእል እዩ፤ ምኽንያቱ ኢራን ንዘተ ዕቱብ ተገዳስነት ስለዘይብላ ኢሎም ይኣምኑ። ኢራን ግን ኣብ 2015 ኣብ እዋን ምምሕዳር ኦባማ ውዕል ኒዩክለሳዊ ስምምዕ ፈሪማ ከምዝነበረት ዝዝከር ኰይኑ፡ ነቲ ውዕል ዝሰረዘ ትራምፕ ባዕሉ ምዃኑ ምዝካር የድሊ።
ነታንያሁ፡ ጉዳይ ኢራን ብዲፕሎማሲ ዘይኰነስ ብወተሃደራዊ መገዲ ንኽፍታሕ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ቀጻሊ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ድማ - ዋላ'ኳ ብዙሕ ግዜ ሽልማት ኖቤል ሰላም ናይ ምዕዋት ድሌት ከምዘለዎ ከንጸባርቕ እንተጸንሐ - ነቲ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ኢራን ዝግበር ወተሃደራዊ ጸቕጢ ክቕጽልን መወዳእትኡ ክርኢን ይደሊ ይኸውን እዩ።
ኣብ ርእሲ'ዚ እስራኤል ነቲ ጀሚራቶ ዘላ ዕማም ብዓወት ንኽትፍጽሞ ንኣሜሪካ ጐቲታ ናብቲ ውግእ ከተእትዋ ብድሕሪ መጋረጃ ኣበርቲዓ ከይደፋፍአት ኣይክትተርፍን። እስራኤል ነቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መሳለጥያታት ምህብታም ዩራንየም ከዕኑ ይኽእል እዩ ኢላ እትኣምነሉ 'ባንከር ባስተር' ቦምባታት ካብ ኣሜሪካ ክትረክብ ትደሊ።
እቲ ውግእ እናጸንከረ እንተኸይዱ፡ ካብቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ኢራን ስርዓታዊ ለውጢ ክጽውዑ ዝጸንሑ ሪፓብሊካን ኮንግረስ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝገብርዎ ጸቕጢ ማዕረኡ እናዓበየ ክኸይድ ይኽእል እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ትራምፕ፡ ኢራናውያን ድኹም ጐድኒ ሒዞም ምስኡ ክዘራረቡ ከገድዶም ይኽእል እዩ ንዝብል ክትዕ እውን ዕድል ክህብ ይደሊ እዩ።
እቲ ሓቂ ግን ኢራናውያን ድሮ ኣብቲ መኣዲ ከምዝነበሩን፡ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዖማን መደብ ተታሒዙ ዝነበረ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ክካየድ ዝግባኦ ዝነበረ ሻድሻይ ዙርያ ዘተ ተዳልዮም ከምዝነበሩ እዩ፤ እቲ ዘተ ግን ኣብ መወዳእታ ተሰሪዙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
2. ማእከላይ መርገጺ
ትራምፕ ክሳብ ሕጂ ኣሜሪካ ኣብዚ መጥቃዕቲ እስራኤል ኢድ ከምዘይብላ ደጋጊሙ ክገልጽ ተሰሚዑ እዩ።
እቲ ኵነታት እናጸንከረ እንተኸይዱ ግን ንሓድግታት ዘመነ ስልጣኑ ወሰንቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ሓደጋታት ክወልድ ከምዝኽእል ግሁድ እዩ። ሓይሊ ባሕሪን ኣብ መሬት ዝተተኽሉ ሚሳይላትን ኣሜሪካ ድሮ፡ ነቲ እስራኤል ካብ ኢራን ዝወርዳ ዘሎ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ምክልኻል ይሕግዙ ኣለዉ።
ገለ ኣማኸርቲ ትራምፕ ኣብ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ግን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ከጋድድ ዝኽእል ስጕምትታት ከይወስድ ከጠንቅቕዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ገለ ሚሳይላት ኢራን ንመከላኸሊ እስራኤል- ኣመሪካን ጥሒሶም ሞት ከስዕቡ ድሕሪ ምኽኣሎም እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዓሊ ኻሜኒ ምቕንጻል ነቲ ግጭት ዘጋድዶ ዘይኰነስ ከህድኦ ከም ዝኽእል እዩ ዝምጕት።
እንተዀ ስሙ ዘይተገልጸ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንገለ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትራምፕ ነዚ ሓሳብ ከም ዝቃወም ብንጹር ገሊጹ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3) ድምጺታት ውሻጠ
ትራምፕ ዝወስዶ ምርጫታት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝረኸቦ ደገፍ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ እውን ግድን ክሓስበሉ እዩ።
መብዛሕትኦም ኣብ ኮንግረስ ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ክሳብ ሕጂ ንእስራኤል ተሪር ደገፍ ዘለዎም እዮም፤ ኣመሪካ ኣጽዋር ክትሰድድን ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ክትድግፍን ይደልዩ።
ገለ ኣብቲ "ኣሜሪካ ዳግማይ ዓባይ ምግባር" (MAGA) ዝብል ምንቅስቓስ ትራምፕ ዘለዉ ኣገደስቲ ድምጽታት ግን ሕጂ፡ ነቲ ዝጠንተወ "ንእስራኤል ምድጋፍ" ዝብል ልሙድ ኣተሓሳስባ ወይ መትከል ኣሜሪካ ፍጹም ይነጽግዎ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ስለምንታይ እያ ኣሜሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተፈጥረ ሓድሽ ኲናት ተጐቲታ ኣብ ሃደጋ ትኣቱ ዘላ? ዝብል ሕቶ ኣስሚዖም ኣለዉ። ትራምፕ "ኣሜሪካ ንቕድም!" ከቐምጥን ካብ ናይ ወጻኢ ውግኣት ክወጽእን ቃል ከምዝኣተወ ይዛረቡ።
ሓያል ደጋፊ ትራምፕ ዝዀነ ጋዜጠኛ ታከር ካርልሰን ብዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብቕንዕና ኣይሰርሕን ዘሎ፤ እቲ ኣብ ውግኣት ወጻኢ ሃገራት ኣይንኣቱን ዝተባህለ መብጽዓ'ውን ሓሶት እዩ፣ ኣሜሪካ ን "እስራኤል ክትነጽጋ" ድማ ይግባእ ኢሉ።
ካርልሰን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነታንያሁን "ኲናት ዝጸምኦ መንግስቱን"፡ ንወተሃደራት ኣመሪካ ናብቲ ግጭት ክጐትትን ክዋግኡሉን ይፍትን ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኣብቲ ኲናት ምጽንባር፡ ነቶም ንትራምፕ ንኣሜሪካ ቀዳምነት ክህብ ብዝብል መብጽዓኡ ዘድመጹ ሚልዮናት ኣመሪካውያን ማእከል ኣጻብዕቲ ኣውጺእካ ከም ምሽክዕላል ከም ዝዀነ ጽሒፉ።
ደጋፊት ትራምፕን ኣባል ኮንግረስን ማርጆሪ ተይለር ግሪን እውን፡ 'ኣሜሪካ ኣብ ኲናት እስራኤልን ኢራንን ምሉእ ብምሉእ ክትጽንበር ዝደፍእ ሰብ ብሓቂ ደጋፊ "ኣሜሪካ ትቐድም" ዝብል ምንቅስቓስ ከምዘይኰነ ብምግላጽ ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።
ስለዚ፡ እዚ ኵነታት ንትራምፕ ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣእትይዎ ዘሎ ይመስል።
በዚ ድማ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ምድጋፍ ንድሕሪት ክምለስ ጸቕጢ ይገብረሉ ኣሎ። እንተወሓደ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምኡ ይገብር ከምዘሎ ዘርኢ ምልክታት እውን ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ሰሙን፡ ክትዕ 'ኣሜሪካ ትቐድም' [ማጋ] እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምላሽ ሂቡ ነይሩ። ንሱ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን እቲ ኲናት ደው ንኽብል ከምዝተዘራረበ ገሊጹ።
ክሳብ ሰንበት ድማ፡ ኢራንን እስራኤልን ስምምዕ ክገብራ ኣለወን ክብል እዩ ተሰሚዑ። ብተወሳኺ "ኣሜሪካ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝዀነ ኢድ የብላን" ኢሉ።
ኢራን፡ ኣሜሪካ ንእስራኤል እንተሓጊዛ ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ መደበራት ኣሜሪካ ክትሃርም ከምእትኽእል ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ እያ። እዚ [ሓገዝ] ድማ ድሮ ይግበር እዩ ዘሎ።
ኣብዚ ኵነታት ብዝዀነ መንገዲ ወተሃደራት ኣመሪካ እንተተቐቲሎም፡ እቲ ምንቅስቓስ ማጋ ኣንጻር ትራምፕ ዝያዳ ክሕይል ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ትራምፕ ንድሕሪት ከንሳሕብን ንነታንያሁ ነቲ መጥቃዕቲ ቀልጢፉ ደው ንኸብሎ ክነግሮን ጸቕጢ ክገብረሉን ከገድዶ ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







