ትግራይ፡ ናብ ፖለቲካዊ ምክሳስ ዝተሰጋገረ ሓደጋ ጥምየት ተፈናቐልቲ

ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ትግራይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተፈናቐልቲ ኣብ 146 ማእከላት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዘለዉ ገሊፁ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንተፈናቐልቲ ዝወሃብ ሓገዝ ሎሚ እውን እኹል ኣይኰነን ክብል ኣብቲ ዘውፀኦ መግለፂ ይሕብር።
ኣብ ወርሒ ንሓደ ሰብ 15 ኪሎ እኽልን ኪሎን ፈረቓን ንፀብሒ ዝኸውን ጥረምረን ከምኡ እውን ፍረቂ ሊትሮ ዘይትመልእ (0.45) ዘይቲን እዩ ዝወሃቦም።
ተፈናቐልቲ ካብ መግቢ ብተወሳኺ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ፡ ንኣብነት ንሕክምና፡ ማይ፡ ንመጥሐኒ እኽሊ፡ ክዳን፡ መፅለሊ፡ ንደቆም መምሀሪ ዝኣመሰሉ ወፃኢታት ንምሽፋን ካብተን ዝወሃቦም እኽሊ ሸይጦም ከምዝጥቀሙ ገሊፁ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ድማ እቲ ዝወሃቦም ሓገዝ ነቲ ዘድልዮም ወፃኢታት ሸፊኑ ብህይወት ንኽነብሩ እኹል ኣይኰነን ይብል። እቲ ሓደጋ'ውን ኣብ ማእከል መዕቖቢ ሕፃፅ ጥራይ ከይኮነስ ኣብ ኵለን 146 ማእከላት መዕቖቢ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ ኢሉ።
ድሕር ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ንተሓገዝቲ ካብ ምልመላ ክሳብ ዕደላ እኽሊ ብዘይ ሓደ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ባዕልቶም ከምዝፍፅምዎ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይሕብር።
እቲ ሎሚቕነ ኣብ ሕፃፅ ብዝተወሰኑ መናእሰይ ዝተቓለሐ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ኵለን 146 ማእከላት መዕቖቢ ዘጋጥም ምንባሩን ንዝምልከቶ ኣካል ደጋጊሙ ከፈልጥ ከምዝፀንሐን ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ትግራይ መዓስከር ተመዛበልቲ ሕፃፅ ረድኤት ኣይተቛረፀን ምባሉ ይፍለጥ።
እቲ ኮምሽን፡ ብረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ "ብቐዳምነት ትዅረት ብምግባር ናይ ምግቢ ሰብኣዊ ሓገዝ የቕርብ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ማእከል ተመዛበልቲ ሕፃፅ፡ ብዘጋጠመ ጥሜት ተመዛበልቲ ይሞቱ ከምዘለዉን ንሕማማት ከም ዝተቓልዑን ብሰፊሕ ክንገር ድሕሪ ምጽንሑ እዩ፡ እቲ ኮምሽን ነዚ መግለፂ ኣውፂኡ።
እቲ ዝለኣኽ ሓገዝ ኣብ ዝግባኦ መዓላ ከም ዝወዓለ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዝገለፀ እቲ ኮምሽን፡ ኣብዚ ክፍተት ምህላው ከም ዝተዓዘበ ብምሕባር፣ ነዚ ክፍተት ምምላእ፡ ሓላፍነት ከባብያውን ክልላውን ምምሕዳር ከም ዝዀነ እዩ ገሊፁ።
'ጥምየት ከም መሳርሒ ፖለቲካ'
ብወገን መራሕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይኹን ህወሓት ዝቐርብ ክሲ መንግስቲ ፌደራል ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክመልስ ድልየት ከምዘይብሉ ይጠቅስ።
ብተደጋጋሚ ኣብ ዝስምዑ ክስታት፡ መንግስቲ ፌደራል "ንውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ መሊኡ ከፈፅም ብዘይምድላዩ" ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን።
በዚ ምኽንያት ንዝበፅሖም ሓደጋታት ጥምየት፣ ሕማማትን ድሕነትን ድማ እቲ ብቐዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ተሓታቲ ከምዝኾነ መራሕቲ ትግራይ ይገልፁ።
ብኣንፃሩ ካብ መራሕተን ሹመኛታትን መንግስቲ ብልፅግና ዝወሃብ መግለፂታት "ህወሓት ንጉዳይ ተፈናቐልቲ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቀመሉ" ምህላዉ የመልክት።
ምስቲ ኣብዚ ቕነ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ተፈናቐልቲ ሕፃፅ ብዝተሓሓዝ ንመራሕቲ ህወሓት ብምንቃፍ መልእኽቲ ዘሕለፈ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ሽፈራው ተኽለማርያም (ዶክተር) እቲ ጉዳይ "ከም ፖለቲካዊ መሰርሒ" ይኸውን ምህላዉ ተዛሪቡ።
እቲ ኮሚሽነር ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ (ኢዜኣ) ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ መራሕቲ ህወሓት "ንህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ምቕጻዕ ዳግማይ ከም መሳርሒ ፖለቲካ ይጥቀመሉ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ።
መራሕቲ ህወሓት ነቲ ኣብ መፅለሊ ተፈናቐልቲ ንዝርከቡን ብመርሃግብሪ ሴፍቲኔትን ንዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ መዓልኡ ከይውዕል ይገብሩ ምህላዎም እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ሕፃፅ ዘጋጠመ ኩነታት መርትዖ ምዃኑ ገሊፁ።
"ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ኣብ መዓስከራት ተፈናቐልቲ ንዝርከቡ ወገናት ዝቐርብ ረድኤት ብምምንጣል ድራማዊ ፕሮፓጋንዳ የጋውሕ ኣሎ" ኢሉ።
ልዕሊ 2 ሚልዮን ተፀባዪ ረድኤት
ሎሚ እውን ምፍንቓል ይቕፅል ምህላዉ ዘመልከተ መግለፂ ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይ፡ ካብ ፀለምቲ፡ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዝነበሩ ሎሚ ድማ ብምኽንያት ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ፀጥታዊ ሽግር ናብ ትግራይ ዝምለስ ዘሎ ብዝሒ ተፈናቓልቲ ይውስኽ ምህላዉ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ እኹል መዕቖቢ ብዘይ ምህላዉ፡ እቶም ተፈናቐልቲ ምስቲ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ኣብ ህንፀቶም ዘይተዛዘመ ኣባይትን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ብምንባር ከርፋሕ ህይወት ይሓልፉ ምህላዎም እቲ ትካል ኣዘኻኺሩ።
ኰይኑ ግን ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ስሩዕ ማእከል መዕቆቢ ንዘየለዉ ካብ 2016 ዓ.ም[ግ] ኣትሒዙ ኣብ 5 ወረዳታት ንዝነብሩ ተፈናቐልቲ ኣብ ረድኤት ከካትት ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቖም ከምዝርከቡ ድማ ይኸስስ።
እዚ ዘይፍትሓዊን ዘይሕጋዊን መምርሒ ዝበሎ ክዕረ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተተሓበረ ክሳብ ሕዚ መፍትሒ ክወሃብ ብዘይምኽኣሉ ብዙሕ ተፈናቓላይ ንሕማም ሞትን ተቓሊዑ ምህላዉ ኣገንዚቡ።
ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2 ሚልዮንን ፈረቓን ብዝሒ ህዝቢ ረድኤት ዘድልዮ ምህላዉ ኣብቲ ዝተካየድ ሓደ ሃገራዊ ዋዕላ ከምዘቕረበን ነዚ ድማ ኣዘዝትን ሰብ ሞያን ፈደራል መንግስቲ ከምኡ እውን ወሃብቲ ረድኤትን ናብ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ዝተረድእዎ ከምዝዀነን ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ካብ ብሃገር ሰጊሩ ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥን እዩ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ማእከላት መዕቖቢ ተፈናቐልቲ፡ ኣብ ከተማታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነብሩን ብዘይ ገለ ድጋፍ ዝተመለሱ ተፈናቐልቲ ብድምር ኣብ ልዕሊ 1 ሚልዮንን 7 ሚእቲ ሽሕን ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ሓደጋ ልዕሊ ዓቕሚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣበቲ ከባቢ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሉ እቲ ኮምሽን ኣብ መግለፂኡ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ነቲ ዝርከብ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ እኳስ ከቢድ ሕፅረት ነዳዲ ካልእ ዓንቃፊ ማሕለኻ ኰይኑ ምህላዉ ጠቒሱ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፤ መንግስቲ ፈደራል፡ መንግስቲ ክልላት ኢትዮጵያ፡ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያን ብደረጃ ዓለምን ዝርከቡ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ነዚ ብኲናትን ብሓደጋ ተፈጥሮን ኣብ ሽግር ንዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ኩለመዳይ ሓገዝ ንምግባር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከካይዱ ብስም ህዝቢ ፀዊዑ።
"መሰረታዊ ፀገም ተፈናቐልቲ ዝፍታሕ መሰሎም ተኸቢሩ ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ናብ መረበቶም እንትምለሱ ጥራሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፈደራል፡ ክልልን ማሕበረሰብ ዓለምን ንመስርሕ ምምላስ ተፈናቐልቲ ተግባራዊ ክገብሩ" ኣብቲ ዘውፀኦ መግለፂ ኣስሚሩሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







