ትግራይ፡ 'ኣብ መዓስከር ሕፃፅ ረድኤት ኣይተቛረፀን' - ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ

ረዲኤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፋይል

ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ መዓስከር ተመዛበልቲ ሕፃፅ ረድኤት ኣይተቛረፀን ኢሉ።

እቲ ኮምሽን፡ ብረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ "ብቐዳምነት ትዅረት ብምግባር ናይ ምግቢ ሰብኣዊ ሓገዝ የቕርብ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ማእከል ተመዛበልቲ ሕፃፅ፡ ብዘጋጠመ ጥሜት ተመዛበልቲ ይሞቱ ከምዘለዉን ንሕማማት ከም ዝተቓልዑን ብሰፊሕ ክንገር ድሕሪ ምጽንሑ እዩ፡ እቲ ኮምሽን ነዚ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ሕፃፅ፡ ተመዛበልቲ ብጥምየት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ኣብ ድርኩኺት ሞት ከም ዝርከቡን፡ ኣብ ሰናይ ተግባር ዝነጥፉ ቲክቶከራት ክሳብ ዘቃልዕሉ እዋን፡ ብዛዕባ እዚ ክስተት ብግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ይዅን ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣይተዘረበሉን ፀኒሑ።

እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ምስልታት ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ሕፃፅ ዝነብሩ ብሕሱም ጥምየት ኣካሎም ዝተሃሰዩ ኣረጋውያን የርእዩ።

እዚ ክስተት ከቢድ ስንባደ ዝፈጠረ ክኸውን እንከሎ፡ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ወለንተኛታትን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ይረባረቡ ኣለዉ።

እዞም ኣብቲ ማእኸል ተመዛበልቲ ዝርከቡ ኣሽሓት ሰባት ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኰይኖም፡ ብዙሓት ኣላዪ ዘይብሎም ኣረጋውያን፣ ነፍሰጾር ኣደታትን ህጻናትን ብሕጽረት ምግብን ሕክምናን ይሳቐዩ ከም ዘለው፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ መዓስከር ተመዛበልቲ ሓቢሮም'ዮም።

ኣተሓባባሪ እቲ ማእከል ቀሺ ኣብርሃ ኣርኣያ፡ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብውሑድ 300 ሰባት ሓገዝ እኽሊ ከም ዘይረኸቡን፡ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ማእኸል 330 ሰባት ከም ዝሞቱ ንቢቢሲ ገሊፆም ነይሮም።

ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ሓገዝ ንዘድልዮም ዘይተቘራረፀን ምሉእን ሓገዝ ምግቢ ይግበረሎም ከምዘሎ" ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ሕፃፅ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ን14 ሽሕን 413 ተመዛበልቲ ሓገዝ ከም ዝገበረ ገሊፁ።

ኣብ ካልኦት ማእኸላት ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ሓዊሱ፡ "ኣብ መስከረም ን16 ሽሕን 775፣ ኣብ ጥቅምቲ 18 ሽሕን 290፣ ኣብ ሕዳር 17 ሽሕን 813፣ ኣብ ታሕሳስ ድማ ን14 ሽሕን 413 ዜጋታት ዘድሊ ምግቢ ከም ዝተዘርግሐ ገሊፁ።

እቲ ዝለኣኽ ሓገዝ ኣብ ዝግባኦ መዓላ ከም ዝወዓለ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዝገለፀ እቲ ኮምሽን፡ ኣብዚ ክፍተት ምህላው ከም ዝተዓዘበ ብምሕባር፣ ነዚ ክፍተት ምምላእ፡ ሓላፍነት ከባብያውን ክልላውን ምምሕዳር ከም ዝዀነ እዩ ገሊፁ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ፡ እዚ ጉዳይ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽፈልጦን ኣጀንዳ ኰይኑ ንኽወፅእን ንዝገበሩ ውሑዳት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብምንኣድ፡ "ውሑዳት ንህዝቦም ዝሕለቑ መናእሰይ ኣብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ሕፃፅ ተረኺቦም ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት ዘርኢ ቪድዮ ምስዘርግሑ ዝረኣየ ህዝቢ ንዘካይዶ ዘሎ ድጋፍ የመስግን" ኢሉ።

ጀነራል ታደሰ ወሲኹ፡ "ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ድርኵኺት ሞት ንዘለዉ ወገናት ምድሓንን ዘላቒ መፍትሒ ንኽረኽቡ ምግባርን ካብ ፍቓደኝነት ንላዕሊ ግቡእ እዩ እሞ፡ ግቡእኹም ክትዋፅኡ ይግባእ" ብምባል፡ ንመንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ መንግስታት ኢትዮጵያን ጻዉዒት ከምዘቕረበ ይፍለጥ።