ትግራይ፡ ኣብ ማእከል ተመዛበልቲ ሕጻጽ እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ተመዛበልቲ

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ተመበዛልቲ ምዕራብ ትግራይ ንሓደጋ "ጥምየትን ሕማምን" ከም ዝተቓልዑ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተመዛበልቲ ዝርከብሉ ማእከል ሕጻጽ፡ ብዙሓት ኣላዪ ዘይብሎም ኣረጋውያን፡ ነፍሰጾር ኣደታትን ህጻናትን ብሕጽረት መግብን ሕክምናን ይሳቐዩ ከም ዘለው ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ማእከል ሓቢሮም።

ኣተሓባባሪ ማእከል ተመዛበልቲ ሕጻጽ ዝዀኑ ቀሺ ኣብርሃ ኣርኣያ፡ ብውሑድ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብውሑድ 300 ሰባት ሓገዝ እኽሊ ከም ዘይረኸቡ ገሊጾም።

"እቲ ዝመጽእ ዘሎ እኽሊ ረድኤት [ማሸላ] ሓሳኽ እዩ። ኣናጹ ዝተሓሰምኦ እኽሊ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ፡" ይብሉ።

ብዙሓት ኣረጋውያንን ነፍሰጾር ኣደታትን ደም ዋሕዲ ኣለኩም ከም ዝብሃሉ ዝገልጹ እቶም መተሓባበሪ፡ ብሰንኩ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶም ጠሰሶም።

"ካብ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ናብዚ ማእከል ካብ እንኣቱ ግን፡ ብጠቕላላ 330 ሰብ፡ ኣብ እንዳ ገብርኤል ቀቢርና ኣለና፡" ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን፡ ክልላዊ ተሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሰብነቶም ብሕሱም ጥምየት ዝተሃስዩ ኣረጋውያን ይርኣዩ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ እቲ ክልል ስንባደ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ጕዳይ ቈላሕታ ክገብርሉ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

"እዞም ጠዋሪ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሱዳን ነይሮም ዝተመለሱ'ውን ይርከቡዎም። ኣብዚ ፈጺሙ ረድኤት ዘይረክብ ልዕሊ 300 ሰብ ኣሎ፡" ይብሉ ቀሺ ኣብርሃ።

ኣብቲ ክልል፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 2020 [ኣ.ኤ] ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝተወልዐ ኲናት፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምዝንባልን ከም ዝስዓበ ይፍለጥ።

እቲ ኲናት፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ደው ክብል እንከሎ፡ ህይወት ልዕሊ 600,000 ህይወት ከም ዝጠፍአ ኣብቲ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ካልኦት ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ክስደዱ እንከለው፡ ሚልዮናት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ተመዛቢሎም ምህላዎም ጸብጻባት ዩኤንኤችሲኣር ይሕብሩ።

መብዛሕትኦም ተመዛበልቲ ኣብ 92 ግዝያዊ ማእከላት ኣብ 18 ከተማታት ከም ዝነብሩ ካብቲ ክልል ዝተረኽበ መረዳእታ ይገልጽ።

ማእከል ተመበዛልቲ ሕጻጽ ሓደ ካብኣቶም ኰይኑ፡ ፋንታይነሽ ብርሃነ ኣብቲ ማእከል እያ ትነብር።

ኣብዚ እዋን፡ ብፍላይ ኣረጋውያንን ጠዋሪ ዘይብሎምን ተመዛበልቲ፡ ኣብ ሕሰም ወዲቘም ኣለው ትብል።

"እቲ ቀንዲ ጸገም፡ መግቢ ዘይምህላው እዩ። ዝመጽእ እኽሊ ጥዑይ ኣይኰነን። እቲ እኽሊ እንጀራ ኣይኸውን፡ ቅጫ ኣይኸውን፡ ቆሎ ኣይኸውን። ብዙሕ ጓሓፍ ኣለዎ፣ ሓጺብካ እውን እኽሊ ኣይኸውንን፡" ኢላ።

ኣብቲ ማእከል ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት ኣብ ወርሒ 15 ኪሎ ረድኤት ከም ዝወሃቦም ካብ ኣተሓባባሪ እቲ ማእከል ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

እንተዀነ፡ "ተመዝጊቦም ክነሱ ሓሪርኩም ተባሂሎም ሓገዝ ዘይበጽሖም ብዙሓት ሰባት ኣለው- ኣረጋውያን፡ ሓራሳት፡ ነፍሰጾራት፡" ክትብል ፋንታይነሽ ገሊጻ።

ቈላሕታ ዝደሊ ጕዳይ ተመዛበልቲ

ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2020 [ኣ.ኤ] ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ መንግስታት ክልልን ፈደራልን ቈላሕታ ክገብሩሎም ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2020 [ኣ.ኤ] ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ መንግስታት ክልልን ፈደራልን ቈላሕታ ክገብሩሎም ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ዝነበረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ 2022 ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶሪያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ከም ዝበለ ይዝከር።

እቲ ስምምዕ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣምሓራን ወጻኢን ካብ ትግራይ ክወጽኡን ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱን ይጠልብ።

እቲ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝተራእዮ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ቦታ ተቘጻጺሮምዎ፡ እቲ ሰፊሕን ልሙዕን ዞባ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣትዩ'ሎ።

ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ብሕገ-መንግስታዊ መገዲ ፍታሕ ክረክብ ዝብል ኣስፊሩ ይርከብ።

ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2020 [ኣ.ኤ] ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ መንግስታት ክልልን ፈደራልን ቈላሕታ ክገብሩሎም ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብዚ ዓመት (2025) ጥራይ፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ማእከላት ዝነብሩ ዘለው ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝሓትት ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።

እቶም ተመዛበልቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት'ውን ተደጋጋሚ ሕቶታት ከቕርቡ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

ሕጂ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ ዘሎ ታደሰ ወረዳ ኣብ ግንቦት 2024 ኣብ ጕዳይ ምስ ኣምሓራ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክሳብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ኣብቶም ከባቢታት ተተኺሎም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ንክፈርሱ ምስ ሰብመዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓለፍቲ መንግስትን ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ከም ዝፍጸም ሰብ መዚ እቲ ክልል ክዛረቡ ጸኒሖም እዮም። እንተዀነ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን፡ ኣብዚ ጉዳይ ንሓድሕዶም ክካሰሱን ሓደ ነቲ ሓደ ጉዳይ ተመዛበልቲ ከም ፖለቲካዊ መዋገዪ፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ብምወራድ ክካሰሱ ብተደጋጋሚ ተሰሚዖም እዮም።

ጸብጻባት እቲ ክልል፡ 64.5% ተመዛበልቲ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ 20.2% ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢታት ኰይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዝተቐደደ ፕላስቲክ ኣብ ዝተሰርሑ ቴንዳታት ንሕማቕ ኵነታት ኣየር ወይ መጥቃዕቲ እንስሳ ዘገዳም ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ የመልክቱ።

ካልኦት ድማ፡ ኣብ ዘይተወድአ መንግስታዊ ይኹን ውልቀ ህንጻታት፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ተዓቚቦም ኣለዉ። ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ወይ ኣብ ጐደናታት ዝነብሩ ተመዛበልቲ'ውን ከም ዘለው፡ ኣብቲ ክልል በቲ ኲናት ዝወረደ ክሳራታት ኣብ ምስናድ ዝሰርሕ ዘሎ መርማሪ ኮሚሽን "ምጽናት ዓሌት" ትግራይ ኣብ መስከረም ዘውጽኦ ጸብጻብ የርኢ።