ብጉዳይ ሕፃፅ ዝንቀፉ መራሕቲ ትግራይን መግለፂ ፕረዚደንት ታደሰን

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ ምምሕዳራትን ነቲ ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሉ ኣብ ሽግራት ዝወደቐ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕጋዝ ግቡኦም ክፍፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ብቕድሚ ትማሊ ንዘካየዶ ኣኼባ ተደሪኹ ትማሊ ኣማስዩ መግለፂ ሂቡ'ሎ።
ኣብ ትግራይ ሕፃፅ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ዘሎ ግዝያዊ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ፡ ሰባት ብሰንኪ ጥምየትን ህማምን ይሞቱ ምህላዎም ዘመልክቱ ሓበሬታታት ምውፅኦም ስዒቡ፡ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣኼባ ኣካይዱ።
ብፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ተዋጢሮም ንማሕበራዊ ቅልውላዋት ተፈናቐልቲ ቆላሕታ ብዘይምሃብ ዝንቀፉ መራሕቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህወሓትን፡ ነቲ ብወለንተኛታት ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ስዒቡ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ጕጅለ ኣጣይሾም ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ይዅን ብድሕሪኡ ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ከም ዘሎ ኣብ መግለፂኡ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ታደሰ፡ እቲ 891 ሽሕ ተፈናቓላይ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከምዝነብር ሓቢሩ።
"እቲ ኣብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ሕፃፅ ሐዚ ጎሊሑ ወፅዩ ዘሎ ሽግር ቅድም ክብል ዝፍለጥ ምንባሩን መንግስቲ እውን ብዝተኽኣሎ ነዚ ፀገም ክፈትሕ ክፅዕር ዝፀንሐን እንትኾን ግና እኹል ኣይነበረን" ኢሉ።
እቲ ፃዕሪ ሂወት ናይ ምድሓን ህፁፅ ተግባር እምበር ዘላቒ መፍትሒ ከምዘይኰነ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፡ ዘላቒ መፍትሒ ዝኸውን ግና ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲ እንትፍፀም ጥራሕ ምዃኑ ገሊፁ።
መንግስቲ ፈደራል ንውዕል ፕሪቶሪያ መሊኡ ግብራዊ ከምዘይገበረ ዝኸሱ መራሕቲ ትግራይን ህወሓትን "ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ የተኣጓጕል ኣሎ" ክብሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኸሱ።
ብወገን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝስማዕ ክሲ ድማ "መራሕቲ ህወሓት ኮነ ኢሎም ንጉዳይ ተፈናቐቲ ከም ፖለቲካዊ መጣልዒ" ይጥቀሙሉ ምህላዎም ይኸስስ።
ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮንን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄርን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዝተሳለጡ ህዝባዊ መድረኻት "ተፈናቐልቲ 'ውድብና ከይደሓነት ናብ መረበትና ኣይንምለስን' ኢሎም" ክብሎ ምዝራቦም ይዝከር።
ጉዳይ መዓስከር ሕፃፅ
ኣብ ሕፃፅ ዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት ብምቅላሕ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ዝነብር ማሕበረሰብን ክፈልጦ ኣብ ምግባር ዝለዓለ እጃም ዝፈፀሙ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ወለንተኛታትን እዮም።
እዚ ጉዳይ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽፈልጦን ኣጀንዳ ኰይኑ ንኽወፅእን ንዝገበሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነኣደ ፕረዚደንት ታደሰ፡ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብቐጥታ ዝከታተል ብፕረዚደንት ዝምራሕ ጕጅለ ኣጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በቲ ዘለዎ ዓቕሚ፡ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እውን ምኽፋል ተፀጊሙ ብምህላው ተፈናቐልቲ ይዅኑ ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ፀገም ዘሎ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕጋዝ ዝተዋደደ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ክጅምር ምዃኑ እውን ተዛሪቡ።
"ካብ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብዝወሃብ ሓገዝ ከይኮነ በቢከባቢኡ ዘሎ ህዝቢ ብዝገብሮ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ሂወት ተፈናቐልቲ ክድሕን ምፅንሑ ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህሊ ምትሕግጋዝ ዝለዓለ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ" ኢሉ።
ኣብ 2018 [ግ] ቀንዲ ትልሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ውሑስ ብዝዀነ መንገዲ ምምላስን ፀገሞም ብዘላቕነት ምፍታሕን ከምዝዀነ'ውን ገሊፁ።
ነዚ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ድማ መንግስቲ ፈደራል ይዅን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ኣሸማገልቲ ትካላት ብዕቱብ ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ።
ፃውዒት. . .
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ፃውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።
"ውሑዳት ንህዝቦም ዝሕለቑ መናእሰይ ኣብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ሕፃፅ ተረኺቦም ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት ዘርእይ ቪድዮ ምስዘርግሑ ዝረኣየ ህዝቢ ንዘካይዶ ዘሎ ድጋፍ የመስግን" ኢሉ።
ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ደገን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንወገኖም ንምሕጋዝ ንዘካየድዎ ሰብኣዊ ተግባር ኣመስጊኑ።
ኤርትራውያን እውን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓን ንዝገብርዎ ዘለዉ ምትሕግጋዝ ብስም መንግስትን ህዝብን እቲ ክልል ንኢዱ።
መንግስቲ ፈደራልን ካልኦት ክልላዊ ምምሕዳራትን ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሉ ኣብ ድርኩኺት ሞት ዘሎ ህዝቢ ምሕጋዝን ዘላቒ መፍትሒ ክረክብ ምኽኣልን ግቡኦም ብምዃኑ እጃሞም ክፍፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ከም ሕፃፅ ዝበሉ 145 መዓስከራት ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለዉ ይግለፅ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







