ቃዛ፡ ንሰዓተት ውግእ ደው ኣናበልካ ዝካየድ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ፖሊዮ ተጀሚሩ

ክታበት

ኣብ ቃዛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ጸረ-ፖልዮ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናትን ክታበት ይወስዱ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እቲ ወፍሪ ሓደ ፍልስጤማዊ ህጻን ብሕማም ፖልዮ ከምዝተለኸፈ ምርግጋጹ ስዒቡ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

እዚ መልከፍቲ ኣብ ቃዛ ድሕሪ 25 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ እዩ።

ብመሰረት ውጥን ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 640 ሽሕ ህጻናት ጸረ-ፖልዮ ክኽተቡ እዮም።

እቲ ወፍሪ ክታበት "ኣዝዩ እወታዊ" ጅማሮ ከምዘለዎ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናይቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ ገሊጹ።

ዳይረክተር መባእታዊ ክንክን ጥዕና ዶክተር ሙሳ ዓበድ፡ “ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓያሎ ነቑጣታት ንክታበት ሪጋ ይሕዙ ኣለዉ” ኢሉ።

"ውላዱ ክታበት ክሳብ ዝረክብ ዝወጽእ ሰብ የለን - እዚ ኣዝዩ እወታዊ ነገር'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።

ዶክተር ዓበድ፡ እቲ ወፍሪ ክታበት "ሎሚ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ብዙሓት ክበጽሕ" ዘለዎ ተስፋ እውን ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ማእከላይ ቃዛ ክታበት ክወሃብ ንምፍቃድ ዝተሓተተ "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ" ከተኽብር ከምዝጸንሐት'ውን ሓቢሩ።

"ከምዚ ክቕጽል ተስፋ ድማ ንገብር።" ኢሉ።

እቲ ክታበት ፖልዮ ብሰለስተ ዝተፈላለየ ደረጃታት፡ ኣብ መላእ ማእከላይ፡ ደቡባውን ሰሜናውን ክፋላት ናይቲ ወሽመጥ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ደረጃ ድማ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ካብ ሰዓት 06፡00 ክሳብ 15፡00 ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ደው ውግእ ክብል እዩ።

ወተሃደራት እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ዝርከብዎም ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ጥቓ ከተማ ኬብሮን ኣብ መኪንኦም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተዅሲ ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እስራኤል ገሊጾም።

ኮሚሽነር ፖሊስ እስራኤል ዳንኤል ሌቪ ኣብቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ሰለስተ መኮንናት ኣብ ኣውራጃ ይሁዳን ሰማርያን ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ሓቢሩ።