ኣሜሪካ፡ ሓደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ብጸረ ኣስላም መጥቃዕቲ ካራ ተቐቲሉ

ዋዴያ ኣል-ፋዮም

ምንጪ ስእሊ, CAIR/HANDOUT VIA REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ዋዴያ ኣል-ፋዮም

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለግዝኣት ኢሊኖይ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣስላም መጥቃዕቲ ካራ ብምፍጻሙ ብቕትለትን ገበናት ጽልእን ክሲ ከምዝተመስረተሉ ተገሊጹ።

ወዲ 71 ዓመት ጆሴፍ ዙባ፡ በቲ መጥቃዕቲ ንሓደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ምቕታሉን ንኻልእ ጓል 32 ዓመት ሰበይቲ ምቑሳሉን ተኸሲሱ ኣሎ።

እቶም ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዘሎ ግጭት ዕላማ ከምዝኾኑ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዊል ካውንቲ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማዊት-ኣሜሪካዊት ኣደን ወዳን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ከም ዝጓሃየ” ገሊጹ።

“እዚ ዘሰንብድ ተግባር ጽልኢ ኣብ ኣሜሪካ ቦታ ዘይብሉን ኣንጻር እቲ መሰረታዊ ክብርታትና እዩ፡” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ከም ኣሜሪካውያን ብሓባር ደው ክንብልን፡ ጽልኢ-እስልምና ከምኡ’ውን ኩሉ ዓይነት ጸቢብ ኣተሓሳስባን ጽልኣትን ክነወግድ ይግባእ፡” ኢሉ።

ሚስተር ዙባ፡ ቐዳማይ ደረጃ ቅትለት፡ ፈተነ ቀዳማይ ደረጃ ቅትለት፡ ገበናት ጽልኣትን ካልእን ክስታት ተመስሪቱሉ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዊል ካውንቲ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቀዳም ንጉሆ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ወናኒ ገዛኣ ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ይፍጽም ምህላው ዝገልጽ ናይ ረድኤት ጻውኢት ካብ ፕለይንፊልድ ከባቢ ቺካጎ ከምዝበጽሖ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ሰበይቲ “ናብ መነጻጽሒ ክፍሊ ብምጉያይ ነቲ ኣጥቃዓይ ከምዝተቓለሰቶ” እቲ መግለጺ የረድእ።

ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ስፍራ ምስበጽሑ፡ እታ ሰበይትን ወዳን “ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፍልቦምን ኣብ ገረንገረኦምን ብተደጋጋሚ ብስሕለት ተወጊኦም” ከምዝረኸቡ ይገልጽ።

ክልቲኦም ግዳያት ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወሰዱ፡ እቲ ህጻን ድሒሩ ህይወቱ ክሓልፍ እንከሎ፤ 26 ግዜ ብኻራ ከምዝተወግአ ተረጋጊጹ።

እታ ከቢድ ማህሰይቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣደ እቲ ህጻን ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዋ ይግለጽ።

ሚስተር ዙባ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ደገ ኮፍ ኢሉ ክርከብ እንከሎ፡ ቅድሚ ብመርመርቲ ምሕታቱ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ከምዝተገበረሉ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

“መርመርቲ፡ ክልቲኦም ግዳያት እዚ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ፡ ኣስላም ብምዃኖምን በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤላውያንን ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ዕላማ ከምዝኾኑን፡” እቲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ገሊጹ።

ፖሊስ ስማት እቶም ግዳያት እኳ እንተዘይገለጸ፡ ሓደ ኣሜሪካዊ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ግና እቲ ወዲ ዋዴያ ኣል-ፋዮም፡ እታ ኣደ ከኣ ሓናን ሻሒን ከምዝበሃላ ሓቢሩ።

እቲ ‘ኣሜሪካን-ኢስላሚክ ሪሌሽንስ’ ዝተባሃለ ተሓላቒ መሰላት ወሲኹ፡ ዋዴያ ኣብ ኣሜሪካ ክውለድ እንከሎ፡ ኣዲኡ መበቆላ ምዕራባዊ ገማግም (ፍልስጤም) ምዃኑን ቅድሚ 12 ዓመታት ናብ ኣሜሪካ ምምጽኣን ገሊጹ።

ዋዴያ “ኣፍቃሪ ስድራኡ፡ መሓዙቱ፡ ኩዕሶ እግርን ኩዕሶ ሰኪዔትን” ምንባሩ ዝሓበረ መግለጺ እቲ ጉጅለ፡ “ዋዴያ፡ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ መሪሕነት፡ ዘይሚዛናዊ፡ ጸግዒ ዝሓዘ መግለጺታትን ሸፈነ መራኸቢ ብዙሓን ብዘስዓቦ ኩነተ ጽልእን ምግላልን ዋጋ ከፊሉ፡” ኢሉ።

“እቲ ድሕሪ መጥቃዕቲ 9/11 ዝተገበረ ስሕተት ከይድገም” ከምዘጠንቀቐ’ውን ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ሓማስ ካብ ወሽመጥ ቓዛ ዶብ ሰጊሮም ናብ እስራኤል ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያንን ወተሃደራትን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1400 ሰባት ተቐቲሎም።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ትፍጽሞ ብዘላ ደብዳብ ከኣ ልዕሊ 2450 ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 1000 ብፍርስራሳት ተጸቒጦም ሃለዋቶም ተሳኢኑ ከምዘሎን ሰብመዚ ፍልስጤም ይገልጹ።