ብወዲ 6 ዓመት ተመሃራያ ብጥይት ዝተሃርመት መምህር ክሲ 40 ሚልዮን ዶላር ኣቕሪባ

ብወዲ ሽዱሽተ ዓመት ተመሃሪኣ ብጥይት ዝቖሰለት መምህር ቤት ትምህርቲ ቨርጂንያ ዚወርነር

ምንጪ ስእሊ, ABIGAIL ZWERNER/FACEBOOK

ብወዲ ሽዱሽተ ዓመት ተመሃራያ ብጥይት ተወቒዓ ዝቘሰለት መምህር ቤት ትምህርቲ ቨርጂንያ፡ ንመጠንቀቕታ ምልክታት ዕሽሽ ብምባል ዓቢ ሸለልትነት ፈጺሞም ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ክሲ 40 ሚልዮን ዶላር ኣቕሪባ።

እቲ ብሰኑይ ዝቐረበ ክሲ፡ እቶም ተኸሰስቲ፡ እቲ ህጻን "ድሕረታሪኽ ሃንደበታዊ ጐነጽ ከም ዘለዎ" ከም ዝፈልጡ ይምጕት።

ጓል 25 ዓመት ኣቢጋይል "ኣቢ" ዚወርነር፡ ብ6 ጥሪ ኣብ ኢዳን ላዕለዋይ ክፋል ኣፍልባን ብጥይት ተሃሪማ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ሆስፒታል ጸኒሓ።

እታ መምህር ኣርባዕተ ግዜ መጥባሕቲ ተገይሩላ ኣሎ።

እቲ ተመሃራይ ነታ ሽጉጥ ኣብ ቦርሳኡ ሒዙ ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቨርጂንያ ቢች እትርከብ ኣስታት 180 ሽሕ ነበርቲ ዝቕመጡዋ ከተማ ኒውፖርት ኒውስ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኸይዱ።

ብመሰረት እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ጉዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ህጻን ነታ መምህር መዋእለ ህጻናት ሓኒቝዎ ነይሩ።

ብተወሳኺ እቲ ተመሃራይ ንኻልኦት ተመሃሮ ብቝልፊ የጓይዮምን ነቶም ሰራሕተኛታት ገለ ክገብሮም ምዃኑ ብምግላጽ የፈራርሕን ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ክሲ፡ እታ ተመሃሪት ኣብ ልዕሊ ዚወርነር ተዅሲ ቅድሚ ምኽፋታ ክልተ መዓልቲ፡ ተሌፎን እታ መምህር ወሲዱ ኣብ ክፍሊ ኣብ ጣውላ ንባብ ደርብዩ ሰይሩላ ነይሩ፤ ንሓደ መዓልቲ ድማ ካብ ትምህርቲ ተኣጊዱ።

ስድራቤት እቲ ቘልዓ ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ቘልዓ ከቢድ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንበይኑ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድን እዩ።

"ኵሎም ተኸሰስቲ ንተመሃሮን መምህራንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ወይ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ጽርግያ ዝረኸቦ ንዝዀነ ሰብ ከጥቅዕ ከም ዝደሊ ይፈልጡ ነይሮም" ይብል እቲ ክሲ።

ብመሰረት እቲ ክሲ፡ ዚወርነር ንቐዋሚ ኣካላዊ መጕዳእቲ፡ ኣካላዊ ቃንዛ፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባዕ፡ ዝጠፍአ መጋየጽን ካልእ ዕንወትን ካሕሳ ትሓትት ኣላ።

እታ መምህር፡ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ዝሞትኩ መሲሉኒ ነይሩ፡" ኢላ።

ቦርድ ቤት ትምህርቲ ኒውፖርት ኒውስ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ብኢመይል ንዝቐረበሉ ሕቶ ዛጊድ መልሲ ኣይሃበን።