ኣብ ኣመሪካ 19 ህጻናት ተምሃሮ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡዎም 21 ሰባት ተቐቲሎም

ሕዙናት

ኣብ ኣመሪካ ደቡብ ቴክሳስ ኣብ ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 19 ህጻናት ሓዊሱ 21 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ከተማ ዩቫልዲ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሮብ ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ዝፈጸሞ ምዃኑ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

መርመርቲ እቲ ጥርጡር፡ ኣብ ናይ ኢድ ሽጉጥን ኣውቶማቲክ ሽጉጥን ሒዙ ከም ዝነበረ እዮም ዝገልጹ።

ንሱ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ግዜ ንዓባዩ ብጥይት ከም ዝሃረመ ተሓቢሩ።

ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሃሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጻ።

ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግሬግ ኣቦት እቲ ሳልቫዶር ራሞስ ዝተባህለ ውልቀሰብ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብመኪና መጺኡ "ብዘሰክፍን ንምርዳእ ብዘጸግምን ኵነታት" ተዅሲ ከፊቱ ኢሉ።

ሓንቲ ካብቶም ግዳያት፡ ኢቫ ሚርለስ ዝተባህለት መምህር ኮይና፡ ኣደ ሓንቲ ቈልዓ ከም ዝኾነትን ጉያን እግሪ ጕዕዞን እትፈቱን ከም ዝነበረት እቲ ቤት ትምህርቲ ገሊጹ።

ኣብቲ ብብዝሒ ዓሌት ሂስፓኒክ ዝርከብሉ ቤት ትምህርቲ 500 ተመሃሮ ጥራይ እዮም ዝመሃሩ።

መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሮብ፡ ዕድሚኦም ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝኾኑ ተምሃሮ ካልኣይ፡ ሳልሳይን ራብዓይን ክፍሊ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ እዩ።

ማዕከን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰብ መዚ ሓለዋ ዶብ ኣመሪካ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ቀልጢፎም ከም ዝበጽሑን ነቲ ዕጡቕ ከም ዝቐተሉዎን ሓቢሩ።

እታ ከተማ፡ ካብ ዶብ ሜክሲኮ 128 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ስለ ዝኾነት፡ መደብር ሓለዋ ዶብ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብታ ከተማ ኣሎ'ዩ።

ምስቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ድማ፡ ክልተ ኣባላት እቲ ኤጀንሲ ብጥይት ዝተሃረሙ ኰይኖም፡ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ይግበረሎም ምህላው ሰብ መዚ ሓቢሮም።

ማዕከን ዜና ሲቢኤስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ መከላኸሊ ጥይት ተኸዲኑ ምንባሩ ገሊጹ።

ብ14 ግንቦት ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ቡፋሎ ኣብ ሓደ ሱፐር ማርኬት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ካልእ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ'ውን፡ መከላኸሊ ጥይት ተኸዲኑ ብኸፊል ኣውቶማቲክ ሽጉጥ ዝሓዘ ነይሩ።

እቲ ክልቲኦም ውልቀሰባት ዝተጠቐምሉ ሽጉጥ፡ ኣብ ኣመሪካ ብቐሊሉ ዝርከብ ዓይነት ሽጉጥ እዩ።

ሆስፒታል እታ ከተማ ብፈይስቡክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 13 ተምሃሮ "ብኣምቡላንስን ኣውቶቡስን" ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ጓል 66 ዓመት ሰበይትን ቈልዓ 10 ዓመት ተምሃሪት ኣብ ጽኑዕ ኵነታት ከም ዝርከባ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

በዞም ኣብ እኩብ ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት "ሰልችየን ደኺመን" እየ ዝበለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምቍጽጻር ብረት ክግበር ጸዊዑ።

"ብስም ፈጣሪ! ክንደይ ዝኣኽሉ ንኣሽቱ ቈልዑ'ዮም፡ ኣብ ሜዳ ውግእ ከም ዘለው፡ መሓዙቶም ክሞቱ ርእዮም? እዚ ንዘልኣለም ኣብ ዝኽሮም ክነብር'ዩ፡" ብምባል ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጹ።

ነቶም ግዳያት ንምዝካር ድማ፡ ኣብ ቤተ መንግስትን ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ፈደራልን ባንዴራ እታ ሃገር ትሕት ኢሉ ክስቀል ኣዚዙ።

እቶም ተመሃሮ ጽባሕ ሓሙስ ትምህርቲ ዝውድእሉ መዓልቲ'ዩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ሕጂ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ግን ናይዚ ዓመት ዝተረፈ ትምህርቲ ክስረዝ ተወሲኑ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብለበዳ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 26 መጥቃዕታት ከም ዝተመዝገቡ ኢድዊክ ዝተባህለ ኣሕታሚ ትምህርቲ ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።

እዞም መጥቃዕታት ኣብ መባእታውን ካልኣይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝፍጸሙ ኮይኖም፡ ብ2012 ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሳንዲ ሁክ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ይጥቀስ።

ኣብቲ ግዜ፡ ግዳያት ካብ ሞንጐ ዝኾኑ 26 ሰባት እቶም 20 ቈልዑ ሓሙሽተን ሽዱሽተን ዓመት ዝኾኑ እዮም ነይሮም።

ብሰሉስ፡ ሴናተር ኮነክቲከት ክሪስ ማርፊ ኣብታ ሃገር ሕጊ ምቁጽጻር ብረት ክግበር ተማሕጺኑ። ሪፐብሊካን ሴናተር ቴክሳስ ቴድ ክሩዝ ግን፡ "ኣይሰርሕን፤ ውጽኢታዊ ኣይከውንን። ሕጊ ምውጻእ ገበን ኣይከላኸልን፡" ብምባል ነጺግዎ።

ኣብ 2020 ኣብ ኣመሪካ፡ ጥይት ልዕሊ ሓደጋ መኪና ቀንዲ ሞት ህጻናትን መንእሰያትን ኮይኑ ከም ዝተመዝገበ ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

እቲ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 2020 ልዕሊ 4300 ኣመሪካውያን ህጻናትን ወርጠበታትን ምስ ዝተተኮሰ ጥይት ብዝተሓሓዝ ሓደጋ ህይወቶም ስኢኖም እዮም፡፡

ኣብ ኣመሪካ ብውልቀ ሰባት ዝውነኑ ልዕሊ 390 ሚልዮን ሽጉጥ ኣሎ።

ብሰኑይ፡ ኤፍቢኣይ ኣብ 2020 ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብጥይት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብኽልተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኹ ሓቢሩ።