ኣብ ዩጋንዳ ‘ማሕበር ስነ ጥበባውያን ኤርትራውያን ስደተኛታት’ ብወግዒ ቈይሙ

ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ-ስነጥበብ ዝነጥፉ፡ ኣብ ዩጋንዳ ተሰዲዶም ዝነብሩን ስነ ጥበባዊ ንጥፈታቶም ዘካይዱን ኤርትራውያን ዝሓቍፍ፡ ‘ማሕበር ስነ ጥበባኛታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዩጋንዳ’ ተመስሪቱ።
እቲ ሓድሽ ማሕበር፡ 19 ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ፡ ‘ፓላስ ፕለይ ፓርክ’ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል እዩ ብወግዒ ቈይሙ።
ኣብቲ፡ ኣባላት፡ ማሕበረሰብ ስነ ጥበብ ኤርትራውያን ዩጋንዳ፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ካልኦትን ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ኣቦ መንበር ማሕበር፡ መምህር የማነ ሓጐስ ንድርኺትን ሓፈሻዊ ዕላማታትን ዝተሓልፈ መስርሕን ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ።
መምህር የማነ፡ ኣብ ሞያ ስነ ጥበብ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ሰብ ገንዘብ ዝለዓለ እጃም ክሕዙ ምስ ጀመሩ ክብሪ ስነ ጥበብን ስነጥበበኛን ከም ዝተሃስየ ብምግላጽ፡ ስነ ጥበበኛታት ብማሕበር ተጠርኒፎም፡ ንዅሉ ዘጓንፎም ብድሆታት ብሓባር ክገጥሙ ከም ዝኽእሉ ኣገንዚቡ፣ ንኣገዳስነት እቲ ማሕበር ድማ ኣረዲኡ።
ኣብዚ እዋን፡ ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ዩጋንዳ ናብራኦም ዝገብሩ ዘለው፡ ኣማኢት ደረስቲ፣ ተዋሳእቲ፣ ደረፍቲ፣ ገጠምቲ፣ ሰኣልቲ፣ ኤዲተራት፣ ተልሃይቲ፣ ቀባእትን ተርጐትን ወዘተ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
መምህር የማነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ማሕበር ንዅሎም ስነ ጥበባውያን ዝምልከት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ከይዲ ምቛም ናይዚ ማሕበር ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከም ዝወሰደ ኣረዲኡ።
እቶም ተበግሶ ዝወሰዱ ስነ ጥበኛታት፡ ኣገዳሲ መሰረታዊ ዝዀነ ዕማማት ብምክያድ፡ እቲ ማሕበር ብመሰረት ሕግታት ዩጋንዳ ክንቀሳቐስ ዘኽእሎ ሕጋውነት ከም ዝለበሰን፡ ብግሉጽነትን ተሓታትነት ስርሓቱ ከካይድ ዘኽእሎ፡ ብሞያውያን ሕጊ ሰነድ መተሓዳደሪ ደንቢ ከምዘዳለወን ኣነጺሩ።
ሓደ ካብ ኣካየድቲ እቲ ማሕበር ያቈብ ዳዊት፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እውን፡ ንዅሉ ንጥፈታት እቲ ማሕበር ኣብ ሞባይላቶም ብዝጸዓን መተግበሪ፡ ብፍላይ ንገንዘባዊ ምንቅስቓስ ክከታተሉ ዘኽእሎም ሶፍትዌር ድሮ ማዕቢሉ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ነቲ መተግበሪ ዘዳሉ ዘሎ ክኢላ ምምዕባል ሶፍትዌር መንእሰይ ኣብርሃም ተኸስተ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣጋጣሚ፡ ንትሕዝቶ ኣጠቓቕማን እቲ መተግበሪ ዝምልከት ሓፈሻዊ መላለዪ ኣቕሪቡ።
መንእሰይ ያቈብ፡ ኣብቲ ‘ረብሓታት ኣባላት ማሕበር’ ኢሉ ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝር ነጥብታት፡ እዚ ማሕበር ብሕጊ ስለዝቘመ፡ ንዝዀነ ኣባል ማሕበር ኤርትራውያን ስነ ጥበበኛታት ስደተኛታት ዩጋንዳ ዘጋጥም ጸገማት፡ ማእሰርትን ካልእን ይጣበቕ፣ ኣድለይቲ ስልጠናታት ከም ዝረኽቡ ይገብር፡ ኣብ ስራሓቶም ንዘጋጥም ዕንቅፋታት ከኣ የወግድ ኢሉ።
ጸገማት ሰነ-ጥበባውያን ኣብ ዩጋንዳ

ብዙሓት ካብቶም ኣብ ዩጋንዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ስለዝነብሩ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን ኣጋጣሚታትን፡ ብኣኽበርቲ ጸጥታ እታ ሃገር፡ ክሕተቱ ክእሰሩን ኣብ ገለ’ውን ክጋፍዑን ንኽልቀቝ ገንዘብ ክሕተቱን ከም ዝጸንሑ እዩ ዝንገር።
ብፍላይ ከኣ ስነ ጥበበኛታት፡ ንደገ ወጺካ ኣብ ዝስራሕ ስነ ጥበባዊ ስራሕ፡ ንኣብነት ስእሊ ንምልዓልን ምርኢታት ንምክያድን ፍቓድ ክረኽቡ ከም ዝሽገሩ እዮም ዝገልጹ። እዚ ማሕበር ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዝጸንሐ ሽግራት ክፈትሕ ትጽቢት ይግበረሉ።
መንእሰይ ያቈብ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዙሓት ኤርትራውያን ስነ ጥበበኛታት ብወጻኢታት ሕክምና ክሽገሩ ከም ዝተራእዩ ብምዝካር፡ ኣባላት እዚ ማሕበር፡ ንዘጋጥሞም ተመሳሳሊ ጸገማት ብገንዘብ ይዅን ብሞራል ደገፍ ክረኽቡ ምግባር ካብ ቀንዲ ዕላማታት'ቲ ማሕበር ምዃኑ ኣገንዚቡ።
ብዘይካ’ዚ፡ ዝዀነ ኣባል ተኻፋሊ/ተጠቃሚ ናይቲ ብማሕበር ዝጥረ ንብረት ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሩ።
መምህር የማነ ኣብቲ ንምቛም እዚ ማሕበር ኣመልክቱ ንቢቢሲ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ፡ ስነ ጥበበኛታት ነቲ ኣብ ስደት ዘጋጥሞም ዝተፈላለየ ጸገማትን ዕንቅፋታትን ሰጊሮም፡ ብቕዓቱን ደረጃኡን ዝሓለወ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ከቕርቡ ምእንቲ ክኽእሉ፡ እዚ ማሕበር ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።
ገሊኡ ብድሆታት ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ፡ ምምጻእ ዝተፈላለያ ቻነላትን ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ’ውን፡ በዚ መዳይ’ዚ ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ምስ ክኢላታት ሓቢርካ ከምዝስራሕ ኣረዲኡ።
እንተዀነ፡ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዝግለጽ “ናይ ባዕልና ድኽመታት እውን ጸኒሑና እዩ፡” ከኣ ኢሉ።
መምህር የማነ ኣብ ሓበሬታኡ፡ “ነታ ከም ካልኣይቲ ሃገሮም" ዝርእይዋ ሃገር፡ 'ቐንየልና ዩጋንዳ’ ዝብል መደብ ኣብዚ ቀዳማይ ዓመተ-ስራሕ ማሕበር ወጢኖምዎ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ምስ ህዝብን መንግስትን ዩጋንዳ ዘሎ ቅርበት ዝያዳ ንምዕማቝ’ውን ኣብ ከተማ ካምፓላ መደባት ጽሬት ሓንጺጾም ከም ዘለዉ መንእሰይ ያቈብ ገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ፡ ‘ፌስቲቫል ፊልም፡ ምርኢት መጻሕፍቲን ካልእን ዘጠቓልል ፈስቲቫል ስነ ጥበብ፡ ከምኡ’ውን ምስ ፍሉጣት ዩጋንዳውያን ስነ ጥበባውያን ብምትሕብባር፡ ምድላው ዓቢይ ሙዚቃዊ ምርኢት ካብ ቀንዲ መደባት እዚ ዓመት ምዃኑ ኣካየድቲ እቲ ማሕበር ገሊጾም።
“ፕሮፋይል ስነ ጥበበኛታት ኣባላት ማሕበር ተጠቒምካ፡ ናብ ገንዘብ ምቕያር” ንዝብል ዝተገልጸ ዓንድታት ማሕበር ኣመልኪቱ፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበ ሕቶ፡ ተሓዝ ገንዘብ እቲ ማሕበር መምህር ዳዊት ሓድሽ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣታዊታት ማሕበር፡ ኣብ ርእሲ ዝኸፍልዎ ዝተወሰነ ወርሓዊ ክፍሊት፡ በቲ ዘለዎም ዝናን ተፈላጥነትን’ውን ገንዘብ ከምዘእትዉ ንምግባር ክፍተን እዩ።
እዚ ማለት ድማ ብፍላይ እቶም ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ዘለዎም ስነጥበባውያን፡ ዓበይቲ ትካላት ንዘቕርባኦ ፍርያትን ኣገልግሎትን ብስነ ጥበባዊ መገዲ፣ ብመልክዕ መወዓውዒ ብዕቱብ ከም ዝሰርሑ ብምግባር፡ እተን ዝድግፋና ትካላት’ውን ረባሕቲ ዝዀናሉ መገዲ ምፍጣር እዩ ኢሉ።
ስለዚ እቲ ማሕበር ነተን ትካላት ዘቕርበለን ፍርያት እውን ክህሉ እዩ፤ እቲ ረብሓ ንኽልቲኡ እዩ፡ ይብል።
ኣተሓሒዙ ዳዊት፡ ክሳዕ ሕጂ ብመልክዕ ‘ስፖንሰርሺፕ’ ሸውዓተ ሽሕ ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኽበ ብምግላጽ፡ ነተን ዛጊት ኣብ መስርሕ ምስረታ እቲ ማሕበር ዓቢይ እጃም ዘለወን ትካላት ኤርትራውያን ኣብ ዩጋንዳ፤ ኢስት ኣፍሪቃ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ትካል ፍርያት ኣጎር፡ ከምኡ’ውን ፓላስ ፕለይ ፓርክ ኣመስጊኑ።
መምህር የማነ ሓጐስ ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ማሕበር ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ስደተኛ ዩጋንዳ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ንዅሉ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ፡ ናብራ ስደትን ካልእን ዝመጽአ ብድሆታት ተሳኒኻ፡ ሓቢርካን ተወሃሂድካን ጥራይ እዩ ዝግጠም ኢሉ።
እዚ ማሕበር ንዝተበገሰሉ ዕላማታት ብኣድማዕነት ከም ዝፍጽምን፡ ንዅሉ ኣብ ዩጋንዳ ተሰዲዱ ዘሎ ኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ብዘይኣፈላላይ ብምጥርናፍ፡ “ኣብነት ዝኸውን ታሪኽ ከም ዝሰርሕን” እምነቱ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







