ደሃብ ፋይቲንጋ፡ ንባህሊ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ዘፋለጠት ሰነ-ጥበባዊት

ደሃብ ፋይቲንጋ
መግለጺ ስእሊ, ደሃብ ፋይቲንጋ

ደሃብ ፋይቲንጋ ብልምዲ ብስም ኣቦኣ'ያ ትፍለጥ። ኣብ ክንዲ ብደሃብ ብፋይቲንጋ'ያ እትፍለጥ። እዛ ብ10 ሰነ 1964 ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን (ኣስመራ) ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ካብተን ቀዳሞት ካብ ብሄረ ኩናማ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንኽትጋደል ዝወረደት ጓል ኣንስተይቲ'ያ።

ደሃብ ፋይቲንጋ፡ ንስነጥበብን ባህልን ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ዘፋለጠት ሰነ-ጥበባዊት ምዃና ብዙሓት ይምስክሩ'ላ።

ፋይቲንጋ ብጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ብሓልዮት ጕጅለ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ዝዓበየት፡ ብድሕሪ ናጽነት ከኣ ሞያኣ ኣማዕቢላ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም - ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጃፓን፡ ቻይና፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ.፡ ዳርጋ ኣብ ኵሎም ሃገራት ኤውሮጳ ወዘተ. - ዑደታት ብምክያድ ሓፈሻዊ ባህልን ዛንታን ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንኮላይ ናይ ብሄረ-ኩናማ ብዝከኣላ መጠን ዘፋለጠት ምርኢት-ኣቕራቢትን'ያ።

ኣብ'ቲ ዓውዲ'ቲ ኸኣ ጌና ብትግሃት ኣብ ስራሕ ትርከብ።

ኣስማት ናይ ሰለስተ ደቃ - ሰሚር፣ ኢብራሂም፣ ኣለክሳንደር - ኣብ ኢዳ ውቃጦ ዘለዋ ኣደ፡ "ብዜማታተይ ንሰማዕተይ ተስፋ ዚህብ መልእኽቲ ከመሓላልፍ'የ ዝደሊ" ክትብል ምስ ጆል ሳቨጅ ዝተባህላ ጋዜጠኛ (ዘ ቮይስ መጋዚን) ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሐትት ብዙሓት ዝዝክርዎ ሰባት ኣለዉ።

"ኣነ ብዛዕባ ሰላም፡ ፍቕሪ ዀነ ሓድነት ክደርፍ ደስ ይብለኒ፣ ዉግእ፡ ግጭት ካልኦት ዕግርግራት ኣብ ኣፍሪቃ ኣዎንታዊ ለውጥታት ከምጽኡ ኣይረኣኹን። እወ፡ እንትርፎ ስቕያት፡ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ብስእነት ዝፍጠሩ ቅልውላዋት ኰነ ገልታዕታዕ ዝመልኦ ናብራ ካልእ ኣይረኣኹን" ትብል ፋይቲንጋ።

ንፋይቲንጋ ብዝደለየቶ ምዕራፍ ህይወታ - ብዛንታ ንእስነታ፡ ዛንታ ገድሊ፡ ዛንታ ስደት ኰነ ሕጂ ዘላቶ ኵነታት - መሪጻ ንኸተዕልለና ዕድል ምስ ሃብናያ ብዛዕባ ዛንታ ኣቦኣን ኣዲኣን ክትጅምር መረጸት።

ፋይቲንጋ - ኣህጕራዊ ዑደት ኣብ ዝጀመረትሉ ዘመን

ምንጪ ስእሊ, ደሃብ ፋይቲንጋ

መግለጺ ስእሊ, ፋይቲንጋ - ኣህጕራዊ ዑደት ኣብ ዝጀመረትሉ ዘመን

ወለዲ ፋይቲንጋ

"ብኣቦይ ክጅምር፡ ኣቦይ ግራዝማች ፋይድ ቲንጋ ሎንጊ ዝበሃል ካብ ብሄር ኩናማ'ዩ። ካብ መግዛእቲ ጣልያን ኰነ ዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ብዙሕ ታሪኽ ገዲፉ ዝሓለፈ ሰብ ምንባሩ ክምስክረሉ እደሊ" ብምባል ዛንታ ኣቦኣ ምንጋር ትቅጽል።

ርግጽ'ዩ፡ ታሪኽ ፋይድ-ቲንጋ ሎንጊ ምስ ታሪኽ ህዝቢ ኩናማ ዝተኣሳሰረ'ዩ። ታሪኾም ካብ ዘበን መግዛእቲ ጣልያን'ዩ ዝጅምር። ክሳብ ግዜ ስንብታኦም፡ ብ1997፡ ብዙሕ'ዮም ርእዮምን ኣሕሊፎምን።

ታሪኽ ህዝቢ ኩናማ ብብዙሓት ጥውይዋያት መንገዲ ከም ዝሓለፈ፡ ብዙሕ ሽግርን ጭቈናን ኣድልዎን ከም ዝተሞከረ ኣብ ብዙሓት ሰነዳት ታሪኽ ንረኽቦ። ካብ ኩናማ ዝሞበቖሉ ነፍሲሄር ዶክ. ኣለክሳንደር ናቲ ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ልምድታትን ህዝቢ ኩናማ ብዙሕ ጽሒፉ'ዩ፣ እንኮላይ ብጸገማት ህዝቢ ኩናማ። እቶም ጽሑፋት ኣብ ብርክት ዝበሉ ገጻት ኢንተርኔት ተዘርጊሖም ንረኽቦም።

ዶክተር ጆርዳን ገብረመድህን'ውን ኣብ መጽሓፉ (Peasants and Nationalism in Eritrea) ብዛዕባ ፋይድ-ቲንጋ ሎንጊ ኣብ ዜስፈሮ ጽሑፍ ክንውከስ ንኽእል።

ግዝኣት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ብ1942 ምስ ተሳዕረ ኣብ ኤርትራ ቍጠባዊ ቅልውላውን ፍጹም ድኽነትን ኣተወ። እቲ ሕብረተሰብ ሕንፍሽፍሽ ኣተዎ።

ህዝቢ ኩናማ ሓደ ካብ'ቶም ዝተጮቆነ ሕብረተሰብ ምንባሩ ኣብ ሰነዳት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ንለንደን ዝልእኽዎ ዝነበሩ መልእኽትታት ንረኽቦ። "መሬቶም ሃብታም፡ ኣሓቶም ብዙሓትን ስቡሓትን፡ ባህሎምን ልምድታቶምን ሃይማኖቶምን ከኣ ፍልይ ዝበለ ዀይኑ ብደቂ ከበሳ ይዅን ቤንዓምር ይጥመቱን ይጥቅዑን ነበሩ፣ ከብቶም ከኣ ይዝረፋ ነበራ" ይብሉ እቶም ሰነዳት።

ህዝቢ ኩናማ ዝወርዶ ዝነበረ ኣደራዕ ሓያል ነበረ፣ ንባርነት ተቓሊዖምን ተደፊሮምን'ዮም፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ኣብ መሬት ኩናማ ብዙሓት ዉግኣት'ዮም ተኻይዶም፣ ብዙሓት ደቂ ኩናማ ኸኣ ንኢትዮጵያ ዀነ ንሱዳን ተሰዲዶም'ዮም።

ኣብ እዋን ወትሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ሸፋቱ ዝዕድርሉ ዝነበረ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ሎንጊ ንማሕበረሰቦም ንክከላኸሉ ብረት ዝዓጠቐ ዋህዮ ብምፍጣር ኣብ መሬት ኩናማ ዓሪዶም ከም ዝነበሩ ይዝንቶ።

ጆርዳን ገብረመድህን ከም ዘዘንተዎ ኸኣ እንግሊዝ ብጽኑዕ ይከታተሎም ነበረ፣ እንኮላይ ንበዓል ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ (ቅድሚ ኣብ ቃልሲ ምሕዋሱ)። ዝዀነ ኰይኑ፡ ሓያልን ናጻ ዉልቀ-ሰብን ስለ ዝነበሩ፡ ናይ ኣይግዛእን ባህርይ'ውን ስለ ዝነበሮም፡ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ብዙሕ ጊዜ ይህደኑን ይእሰሩን ይፍትሑን ነበሩ።

ፋይቲንጋ ጓሎም ከም እተዘንትዎ፡ ብ70'ታት ምስ ጀብሃ ይደናገጽሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ኣግማሎም ተምሪ ጽዒኖም ንተጋደልቲ ክልእኩ ነተን ኣግማል ናይ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ምዃኖም ዝፈለጡ ጠቈምቲ ሓሰውሎም። ተኣሲሮም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዳኛ ንሸውዓተ ዓመት ፈረዶም።

"ይዅን'ምበር፡ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ተጋደልቲ ጀብሃ ንእሱራት ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሓራ ዘውጽእሉ እዋን ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ኸኣ ምስኦም ወጺኦም" ክትብል ተዘንቱ።

ኣቦይ ፋይድ ቲንጋ ሎንጊ - ብዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ነብሪ ሒዞም ዝተሳእልዎ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, ደሃብ ፋይቲንጋ

መግለጺ ስእሊ, ኣቦይ ፋይድ ቲንጋ ሎንጊ - ብዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ነብሪ ሒዞም ዝተሳእልዎ ስእሊ

"ዛንታ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ነዊሕን ኣገዳስን'ዩ። ብጊዜ ጣልያን ኣብ ዕስክርና ዝነበርሉ እዋን፡ እንግሊዝ ምስ ኣተወ ዝነበሮም ተራ፡ ምስ ሸፋቱ ከበሳን ቤንዓምርን ዘካየድዎ ውግኣት፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝመስለሙ፡ ጸኒሖም ምስ ቤንዓምር ዝፈጠርዎ ዝምድና፡ ንህዝቢ ኩናማ ወኪሎም ኣብ ፓርላማ ኤርትራ ዝኣተውሉ እዋን፡ ብጊዜ ጃንሆይ ዘጓነፎም ጸገማት፡ ብግዜ ደርጊ ዝተኣስርሉ ዝተፈትሕሉን እዋን፡ ምስ ጀብሃ ጸኒሖም ከኣ ምስ ሻዕብያን ዝነበሮም ምትእስሳር ... ነብሱ ዝኸኣለ ዛንታን ነዊሕን'ዩ።

ፋይቲንጋ ብዛዕባ ኣዲኣ ከተዕልል ድማ ከምዚ ብምባል ትጅምር ... "ኣደይ ሓረጉ ኪዳነ ትበሃል፡ ካብ ብሄረ ትግርኛ፡ ካብ ኳዜን'ያ።"

ፋይቲንጋ ምስ ኣዲኣ'ያ ዓብያ። ብሸነኽ ኣቦኣ ብዙሓት ኣሕዋት'ኳ ይሃልዋ፡ ካብ ኣዲኣ ግን ንሳ በይና እያ። ንኣዲኣ ንምግላጽ እተጠቕመትሎም ሓረጋት ኸኣ ብክቱር ኣድናቖት ዝተሰለሙ'ዮም።

"ኣብታ ማሙቝ ሓንቲ ዝኽፍላ ገዛና ብፍቕርን ፍስሃን'የ ዓብየ። ገዛና ኣብ ማእከል ዓቢ ካንሸሎ ስለ ዝነበረ ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ስድራ ቤታት'የ ዓብየ ክብል እኽእል። ኣደይ መዓረይ ሰሪሓ ኣዕብያትኒ ... ክሳብ ኣነ ሞሊቐ ንሜዳ ዝኸይድ" ኢላ መላኣትሉ።

እዋን ንእስነታን ጕዕዞ ንሜዳ ኤርትራን

"ኣነ ክዓቢ ከሎኹ ተምሃሮ ኤርትራ ቅሳነት ኣይነበሮምን። ኩሎም በቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ልቦም ተሰሊቡ ንኽጋደሉ ኣንቂዶምሉ ዝነበረ እዋን ነበረ።

ከባቢ 1975 ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩዎ ከባቢ ብዙሕ ሰብ ይቕንጸል ነይሩ ... ኣነ ኸኣ ካብ ገዛ ሞሊቐ ነቶም ዝተቐትሉ ሰባት ንክርኢ ኣንጊሀ ክወጽእ ይዝከረኒ" ትብል ፋይቲንጋ።

ሽዑ ሃገራዊ ስምዒት ቀስ ኢሉ ኣብ ልባ ክዓስል ጀመረ። ንእሽቶ ስለ ዝነበረት ግን እቲ ዝካየድ ዝነበረ ቅንጸላታት ኣጸቢቑ ኣይርድኣን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንኣዲኣ 'ንምንታይ'ዮም እዞም መንእሰያት ዝቕተሉ ዘሎዉ?' ኢላ ምስ ሓተተት ነቲ ኵነታት ቀስ ኢለን ኣረድኣኣ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ኣይቀሰነትን።

ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዉግእ-ሓድሕድ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ። ህዝቢ ኣስመራ በቲ ዉግኣ ተናዊጹ ነቲ ዉግእ ከህድኣ ንወኪ-ዛግር ዝወረደሉ ዘመን ነበረ፣ ከምኡ'ውን ካብ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ኣባ ፍስሓጽዮን ዝበሃሉ ሊቀ-ካህን ንኽልቲኦም ተቐናቐንቲ ዉድባት ከተዓርቑ ዝፈተንሉ እዋን ነበረ።

ብድሕሪ'ዚ ኹሉ፡ ሓደ መዓልቲ ንንግደት ፋይቲንጋን ኣዲኣን ናብ ሓትንኣን ዓባያን ንዓዲ ሸኻ ይወርዳ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ገለ-ገለ ዓድታት ይነዳሉ ዝነበረ እዋን ነበረ።

ኣብኡ ሓየሎም ኪዳነ ዝተባህለ ተጋዳላይ ኣኮኣ ከም ዝነበረ ይዝከራ። ኣብቲ ከባቢ ንመጀመርታ እዋን ንኣኮኣን ካልኦት ተጋደልትን ምስ ረአየት ንኽትጋደል ብዉሽጣ ትውስን። ሽዑ ጓል 14 ዓመት'ያ ነይራ።

ሓደ ንግሆ፡ ክዳን ኣዲኣ ተኸዲና ካብ ገዛ ሞሊቓ ትወጽእ። ብሓዝሓዝ ኣቢላ፡ ብዓዲ ንፋስ ኣቢላ ንዓዜን ትኸይድ።

ኣብቲ ቦታ በዓል 'ዉጩ' (ገብረእግዚኣብሄር ዓንደማርያም) ይጸንሕዋ። ዉጩ ምስ ጎበዝኪ ተመለሲ ኢሉ ንድሕሪት ከም ዝመለሳ ፋይቲንጋ ተዕልል። "እቲ ኹሉ መንገዲ ብእግረይ ለፊዐ ኣማስያይ ንኣስመራ እምለስ" ትብል። ኣብ ገዛ ምስ ተመልሰት ኣበይ ከም ዝወዓለት ኣዲኣን እተን ኣብቲ ካንሸሎ ዝነበራ ኣዴታትን ፈሊጠን ብድፍረታ ገሪሙወን ኣብ ሻቕሎት ይኣትዋ። በቲ ጕዳይ ምስ ካልእ ሰብ ንኸይትዛረብ ድማ ብጽኑዕ የማሕጽንኣ።

ፋይቲንጋ ግን ናይ ልባ ስለዘይሰመረላ ንካልእ ኣጋጣሚ ክትጸናጸን ትጅምር። ጸኒሓ ንሜዳ ተሓቢኣ ክትከይድ ኣንጊሃ ትብገስ። እንደገና ኣይንቕበለክን ኢና ኢሎም ንድሕሪት ይመልሱዋ። ሽዑ ኣብ ምምላሳ ኣብ ዓዲ ንፋስ ምስ በጽሐት ካልኦት ተጋደልቲ ትረክብ።

"እቶም ዝረኸብኩዎም ተጋደልቲ በዓል ወዲ-ኤፍረምን ወልደንኪኤልን ዝበሃሉ ነበሩ። መደበይ ምስ ኣካፈልኩዎም ንሳቶም'ውን ንእሽተይ ኢኺ ተመለሲ ይብሉኒ። ኣይምለስን'የ ኢለ ምስ ኣቕበጽኩዎም ንምዃኑ ካበይ መጺእኪ? ጓል መን ኢኺ? ኢሎም ምስ ሓተቱኒ ኩሉ እነግሮም - ጓል ገዛባንዳ ጥልያን ምዃነይ፡ ብዛዕባ መንነት ኣቦይን ኣደይን፡ ካብ ብሄር ኩናማ ምዃነይ" ኢላ ተዕልል።

ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ካብ ብሄር ኩናማ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝተጸንበሩ ተጋደልቲ ሒደት'ዮም ነይሮም። ህዝቢ ኩናማ ንጀብሃ'ምበር ንህዝባዊ ግንባር ዳርጋ ኣይፈልጥዋን ነበሩ። ካብ'ቶም ምስ ግንባር ዝነበሩ ተጋደልቲ (ኩናማ) ጀርማኖ ናቲን ኦሰያ ዱማን ዝበሃሉ ፍሉጣት ተጋደልቲ ነበሩ። ኣድላይነት ፋይቲንጋ ተራእዩ ንኽትጋደል ይቕበሉዋ።

ንእገረመገዲ ምውካእ፡ ፋይቲንጋ ነዞም ክልተ ተጋደልቲ ኣብ ህይወታ ዓቢ ተራ ስለ ዝነበሮም ብጽቡቕ'ያ ትዝክሮም። ሕጂ ጀርማኖ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ፡ ኦሰያ ድማ ሽዓ ኢሉ ከም ዝተሰውአ ትዝክር።

ፋይቲንጋ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተጻወተቶ ተራ

"እቶም ተጋደልቲ ምስ ተቐበሉኒ ንዛግር ይሰዱኒ፣ ኣብኡ ቀንየ ኸኣ ንሶሎሙና እወርድ። ጸኒሐ ኸኣ ንከረን እጐዓዝ። ኣብቲ እዋን'ቲ ከረን ሓራ ወጺኣትሉ ዝነበረ እዋን ነበረ (1977)" ኢላ ዛንታኣ ትጅምር። ከረን ሓውሲ መደበር ኰይና ብ1978 ቀዳማይ ኮንግረስ ህዝባዊ ግንባር ኣብኡ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር'ዩ።

"ካብ ከረን ንሳሕል ወሪደ ... ብኣፍዓበት ኣቢልና ኣብ ብሌቓት ንኸይድ ... ኣብኡ ንኣዋርሕ ኣብ ታዕሊም እኣቱ፣ ኣብ ገድሊ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ኣብ ከረን ተመዲበ" ኢላ ዘሕለፈቶ ትዝክር።

"ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ኣርኪቡ ብዙሕ መከራ ኣሕሊፍና ... ብሙሉኣትና ስለዝኸተትና ንሓጋዝ ንኸይድ ... ኣብኡ ዝተኻየደ ዉግኣት ዘስካሕክሕ ነበረ ... ናፓልም እናፈሰሰና፡ ዉጉኣትና ተሰኪምና ... ዉጉኣትና መሊሶም ክውግኡ ... ብዙሕ ነገራት ርእየ ... ሽዑ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ... ወዲ-በይን፡ መራሕ ጋንታና ይዝከረኒ ... ዉግኣት ከነመላልስ ኣብታ ተጻዒንናያ ዝነበረት ኤነ-3 ትግልበጥ ... ሽዑ ዝሓለፈ" ኢላ ዝን ትብል።

ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ማለት ህዝባዊ ግንባር፡ ብናይ ደርጊ (ብደገፍ ሶቬት ሕብረት) መጥቃዕትታት፡ ሓምለ-ታሕሳስ 1978 ካብ ኩሉ ሓራ ወጺኡ ዝነበረ መሬት ተደፊኣ ዝወጸትሉ ዘመን'ዩ። እቲ ዘመን'ቲ ኣዝዩ ፈታኒ'ዩ ነይሩ። ወራራት ኢትዮጵያ ዝጀመረሉ እዋን ነበረ። ኣብ መዝገበ-ቃላት ታሪኽ ኤርትራ ሰፊሩ ከም ዝርከብ ሽዑ ብዙሓት ተጋደልቲ ኣብ ዓዲ ያዕቆብ ከም ዝተሰውኡ፡ ማዕረ 400,000 ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ነበሩ።

ብ1978 ንባረንቱ ንምሓዝ ዝተገብረ ፈተን ኣይሰለጠን። ኣብቲ መጥቃዕቲ ባረንቱ ከም ጀማሂር ንሳን ጀርማኖን ንክትርጕሙ ኣብቲ ዉግእ ከም ዝነበሩ ትዝክር።

"ብድሕሪኡ፡ ጌና ንእሽቶ'የ ነይረ ... ኣብ ናይ ካድር ትምህርቲ ንኽምሃር እልኣኽ ... በዓል ድሩዕ'ዮም ነይሮም መምህራንና" ትብል። መቸም እቶም ተዘክሮታታ ከም ዉሕጅ ክፈሱ ስለ ዝጀመሩ ብዙሕ ዛዕባታት ብምልዓል ሰፊሕ ባይታ ክትከድን ትፍትን። "ኩሉ'ንድዩ ዝዝከረንን ዝርኣየንን ኰይኑ!" ኢላ ተዕርፍ። ብድሕሪኡ ናብ ናቕፋትሰግር፡ ሽዑ'ያ ኣብ ባህሊ ኣትያ።

"ብጾተይ ኣብ ባህሊ ኣትየ ንክዋሳእ ኣጸቢቖም'ዮም ኣተባቢዖምኒ። ኣነ ኸኣ ጽቡቕ ገይረ ኣትየዮ፡ ፈትየዮ ኸኣ። እቲ ዝተረፈ፡ ኣብ ዓውዲ ባህሊ ዝተሳተፍኩዎ፡ ተጋደልቲ ብጾተይ ከመይ ገይሮም ይከናኸኑኒ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ መድርኽ ክወጽእ እቲ ሓፋሽ ከመይ ገይሩ ከም ዝሓቘፈኒ ክገልጸልካ ኣይክእልን" ትብል።

"እታ ቀዳመይቲ ደርፈይ 'ላጋላ ፋለፈሶ' ትበሃል ... ብዛዕባ መሰል ሰራሕተኛታት ትምልከት ደርፊ'ያ ነይራ" ኢላ ክትደርፋ ትጅምር። "ነቲ ዜማ ጀርማኖ ናቲ'ዩ ጽሒፉለይ" ድሕሪ ምባል ንብዓታ ይስዕራ። "ብድሕሪኡ እታ ኣብ ቦሎኛ ዝደረፍኩዋ ንዓይ ዘፍለጠትኒ ደርፊ ኦሰያ ዶማ'ዩ ጽሒፉለ" እናበለት ተዘንቱ።

ዕላላ ብምቕያር "ኣብ ሜዳ ቋንቋ ኩናማ ዘጽረኹ ብሳላ ጀርማኖ ናቲን ኦሰያ ዶማን'ዩ" ብምባል ንብጾታ ብክብሪ ትዝክሮም።

ዛንታ ፋይቲንጋ ንምድምዳም ...

ፋይቲንጋ ንኣሕዋታ ሓደ-ብሓደ ብምዝካር ብዙሓት ከም ዝተሰውኡ ተዘንቱ። ከሊፋ ዝበሃል መሰትኣ ኣብቲ ብ'98 ዝተኻየደ ውግእ ባድመ ተሲዊኡ። ቅድሚኡ፡ ተጋደልቲ ጀብሃ ዝነበሩ ሰለስተ ኣሕዋታ - ኣሕመድ፣ ዓሊ፣ ሓመድኑር - ተሰዊኦም'ዮም።

ሓሚድ ዝበሃል ሓዋ፡ ባረንቱ ብሓምለ 1985 ብግንባር ተታሒዛትሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ወርሑ ድማ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ተቘጻጸርዋ ብጥቈማ ረኸቡዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዎ።

ዓብደልቃድር ዝበሃል ካልእ ሓዋ ምስ ጀብሃ ዝተጋደለ ኣብ ከብዱ ተወጊኡ ከም ዝደሓነ ትዝክር፣ ሕጂ ኣብ ባረንቱ ብህይወቱ ከም ዘሎ ትሕብር። መሓመድ ዝበሃል ዓቢ ሓዋ፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ኣዋልድ ኣሕዋታ ብህይወቶም ምህላዎም ተዕልል።

ኣደይ ሓረጉ፡ ኣዲኣ፡ ብ1995 ፋይቲንጋ ምስ ባህላዊ ጕጅለ ኣብ ዑደት ዝነበረትሉ እዋን ካብ'ዛ ዓለም ተፈልያ። ኣቦኣ ኸኣ ክልተ ዓመት ጸኒሖም ሰዓቡወን።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነብር ዮና ጀርማኖ ናቲ ከም ዝበሎ፡ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ብ1997 ኣብ መሬት ኩናማ ኣብ ዝዓረፍሉ እዋን ብምዝካር፡ "እቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ይዝከረኒ" ኢሉ ይምስክር። "ዕድመ ጸጊቦም ስለ ዝዓረፉ፡ ባህሊ ኩናማ ከም ዝጠልቦ፡ ላም ተሓሪዳ፡ ቀባሪ ድማ ብጓይላን ሳዕስዒትን'ዩ ኣፋንይዎም" ይብል።

እታ ብሰነ 2021 ዝተዘርግሐት "ጸሊኤካ" ዘርእስታ ሓዳስ ደርፋ ዓቢ ተቐባልነት ረኺባ ኣላ። እቲ ፍረነገር ናይ'ታ ደርፊ ብኵነታት ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን መናእሰይ'ያ ተውክእ። ፋይቲንጋ ኣብ ስደት - ሃገረ ስዊዘርላንድ'ያ ትነብር።