ጓል ሓፍቲ በዓልቲ ቤቱ ዝዓመጸ ዶክተር ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱ

ብጾታዊ ዓመጽ ዝተፈርደ ሓኪም ናይጄሪያ

ምንጪ ስእሊ, OPTIMAL CANCER CARE FOUNDATION

ቤት ፍርዲ ናይጄሪያ ንሓደ ትሕቲ ዕድመ ጓል ሓፍቲ በዓልቲ ቤቱ ዝዓመጸ ሜዲካል ዳይሬክተር ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪድዎ።

ዶክተር ኦሉፈሚ ኦላሌየ፡ ነታ ግዳይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሓላን በዓልቲ ቤቱ ምስ ፈለጠት ንፖሊስ ከም ዝሓበረትን ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።

እቲ ሓኪም ግን ገበነኛ ኣይኰንኩን ክብል ተኻቲዑ።

ዳኛ ቤት ፍርዲ ሌጎስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓኪም ዝቐረበ መርትዖ ኣገዳሲ ኰይኑ ከም ዝረኸቦን፡ ሕድገት ንክወሃቦ ዘቕረቦ ጥርዓን ከም ዝነጸጎን ገሊጹ።

ኦላሌየ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር፡ እታ ግዳይ ምስኦም ክትነብር ካብ እትኸይድ ንድሓር ብኽልተ ገበናት ዓመጽ (ካብ ታሕሳስ 2019 ክሳብ ሓምለ 2022) ተኸሲሱ።

ኣብ መስርሕ እቲ ፍርዲ፡ በዓልቲ ቤት እቲ ሓኪም ኣደረሚ ኦላሌየ፡ እታ ጓል ንኣኮኣን ንመራሒ መኪና እታ ስድራቤትን ምስ ነገረቶም ከም ዝፈለጠት ተዛሪባ።

እታ ሕጂ ጓል 18 ዓመት ዝዀነት ግዳይ፡ እቲ ሓኪም ምስኣ ክድቅስ ከም ዝጸንሐን፡ ንዝዀነ ሰብ እንተተዛሪባ ድማ ክቐትላ ከም ዝፈራርሓን በዓልቲ ቤቱ ሓቢራ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ምስልታት ግብረ ጽዩፍ ክትርኢ የገድዳ ምንባሩ ተኸሲሱ።

እታ ግዳይ፣ በዓልቲ ቤት ተኸሳሲ፣ ሓኪም፣ ክኢላ ክንክን ህጻናትን ኣብቲ መርመራታት ዝተሳተፉ ክልተ ኣባላት ፖሊስን ዝርከቡዎም ሽዱሽተ መሰኻኽር ቀሪቦም’ዮም።

እቲ ዶክተር ብወገኑ፡ ኣብ ጎድኒ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦም ሕክምናዊ መርትዖታት ዝሰንዐ ካልእ ሓኪም ኰይኑ ተኸላኺሉ።

ዳኛ ራህማን ኦሾዲ ብሰሉስ ኣብ ዘመሓላለፎ ፍርዲ ግን፡ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ መርትዖ ነቲ ተኸሳሲ ዘቃልዑ ምዃኖም ተዛሪቡ።

ዳኛ ኦሾዲ፡ እቲ ዳይረክተር ኦፕቲማል ካንሰር ኬር ፋውንዴሽን ዝዀነ ተኸሳሲ ዋላ ሓደ ጣዕሳ ዘየርኣየ "ሓደገኛ" ገበነኛ ክብል ገሊጽዎ።

ብመሰረት እቲ ዳኛ፡ ኦላሌየ ኣቐዲሙ ንፖሊስ ዝሃቦ ቃል፡ ነቶም ገበናት ከም ዝፈጸሞም ዘረጋግጽ እዩ።

"ኣነ እምበኣር፡ ተኸሳሲ ገበነኛ ኰይኑ ረኺበዮ’የ" ክብል እቲ ዳኛ ወሲኑ።

"እዚ ክሲ ድማ፡ ፍርዲ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ኣለዎ" ኢሉ።

ጠበቓ ተኸሳሲ ሕድገት ክግበረሉ ኣብ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ንኦላሌየ ከም ሓኪም መንሽሮ ንዝህቦ ኣገልግሎት ኣፍልጦ ክወሃቦን ቅድሚ ሕጂ ገበን ፈጺሙ ዘይፍለጥ ምዃኑን ኣብ ግምት ክኣቱ ሓቲቱ።

ዳኛ ግን ነቲ ሕቶ ብምንጻግ፡ ኦላሌየ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ኣለዎ ክብል ፈሪዱ።

እዚ ድማ ስርዓት ፍትሒ ናይጀርያ ንጾታዊ ዓመጽ ዘይጻወር ምዃኑ መርትዖ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ብተወሳኺ ስም ናይቲ ሓኪም ኣብ መዝገብ ጾታዊ ገበነኛታት ግዝኣት ሌጎስ ክኣቱ ኣዚዙ።

እቲ ሓኪም ነቲ ፍርዲ ይግባይ ክብል እንተዀይኑ ንጹር ኣይኰነን።