ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ማእሰርቲ ይርከቡ - ኣምነስቲ

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, HRW

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን ዝተብሃሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ልዕሊ ዓቐን ተዳጒኖም ኣብ ሕሰም ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ልዕሊ 30 ሽሕ ከምዝኾኑ ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ፡ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ "ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ንዘይተወሰነ እዋን ብኢሰብኣውን ጨካንን ኣተሓሕዛ ድሕሪ ምእሳሮም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከገድድ እዮም" ክብል'ውን ገሊጹ።

ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብሎም ከምዝሳቐዩን፡ እዚ ኩነታት ድማ በቲ "ጨቋኒ" ስርዓት ስዑዲ ዓረብ ምልመላ ሰራሕተኛታት 'ካፋላ' ከም ዝተጋደደ ድማ ኣመልኪቱ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ጸብጻቡ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ኣብ ኣል-ካራጅን ኣል-ሹማይሲን ኣብ ዝበሃሉ ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕ ኣብያተ ማእሰርቲ ይእሰሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ሓላፊት ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሄባ ሞራየፍ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝሓለፉ ብምግላጽ፡ "ብዙሓት ካብኣቶም ከቢድን ነባሪን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት ኣጋጢምዎም'ዩ" ኢላ።

"ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ተታሒዞም ተመሳሳሊ ዕጫ የጋጥሞም ኣሎ። ሓደ ሰብ ሕጋዊ ሰነድ የብሉን ማለት ሰብኣዊ መሰሉ ይኽልከል ማለት ኣይኮነን" ትብል ሄባ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተፈጸመ ስቅያትን ብውሕዱ 10 ሞት ስደተኛታትን ክምርምሩ ንሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ሓቲቱ።

ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብዘይ መንበሪ ሰነድ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ኣሲሮም ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ጎስጓስ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።

ሰነዳት ዘይብሎም ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ኣብ ትሕቲ "ጨቋኒ ስርዓት ስዑዲ ካፋላ" ሕጋውያን ክኾኑ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

ብተወሳኺ ካብቶም ሕጋዊ ሰነዳት ሒዞም ዘሳቕይዎም ኣስራሕቲ ዘምልጡ ሰራሕተኛታት እንተኾይኖም ሕጋዊነቶም ከምዝስእኑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብስዑዲ ዓረብ 10 ሚልዮን ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ዘመልከተት ኣምነስቲ፡ ብፍላይ ንመከራ ተቓላዕቲ እዮም ንዝበሎም ኢትዮጵያውያን ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ መንግስታት ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ኣብ 2022 ብውሕዱ 100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ናብ ሃገሮም ንምምላስ መደብ ከምዘለዎም እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ንምድላይ ብሓደገኛ መንገዲ ዝስደዱለን ሃገራት ኮይና፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ መንገዶም ዘጋጥሞም ሓደጋታት፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ መዕለቢኦም’ውን ጸገማት የጋጥሞም እዩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ፡ ብነጋዶን ሓለውቲ ዶባትን ከምዝተቐትሉን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሓደገኛ ባሕርን በረኻታትን እናተጓዕዙ ብጥሜትን ጽምእን ከምዝሞቱን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።