ሰኔጋል፡ ባሲሩ ዲዮማየ ፋየ ዝነኣሰ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት ክኸውን እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቅድሚ ሓደ ዓመት ብዛዕባኡ ዝሰምዑ ውሑዳት’ኳ እንተነበሩ ሕጂ ግን ፕረዚደንት ክኸውን ተዳልዩ ኣሎ። ፍሉይ ምዕባለ ባሲሩ ዲዮማየ ፋየ፡ ኣብ ፖለቲካ ሰኔጋል ንብዙሓት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝዀነ ክስተት እዩ።
እቲ ንሰኔጋል ክመርሕ ተሓጽዩ ዘሎ ፋየ ምስ ብጻዩ ዑስማነ ሶንኮ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ማእሰርቶም ሃንደበት ተዛዚሙ፤ መረጻ ሓደ ሰሙን ምስተረፎ ተፈቲሖም።
እቲ ‘ሚስተር ክሊን’ ዝብል ሳጓ ዝተወሃቦ ሕጹይ ፕረዚደንት ብዝኣተዎ መጽብዓ መሰረት ሰፊሕ ጽገናታት ንኽዓምም ናብ ስራሕ ክኣቱ ትጽቢት ኣሎ።
እቲ ስነ ስርዓተኛን ልኡምን ዝብላ ቃላት ዝጠበቓኦ ዲዮማየ ፋየ፡ ትማሊ ሰኑይ መበል 44 ዓመት ልደቱ ዘኽበረ ኰይኑ ኣብ ገጠር ስለዝዓበየ ምስ ናብራ ሃገረሰብ ፍሉይ ፍቕሪ ከምዘለዎ’ዩ ዝንገር።
ተንታኒ ኣሊዩነ ታይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሚኒስተር ኰይኑ ኣይፈልጥን፣ መንግስታዊ ሰብ'ውን ኣይነበረን ስለዚ ነቐፍቲ ንሕጽረት ተመኵሮኡ ኣብ ሕቶ የእትውዎ" ይብል።
ድኽነት፡ በደልን ብልሽውናን ምቅላስ ቀዳሞት ኣጀንዳ ሚስተር ፋየ ኰይኖም ኣለዉ። ኣብ ጽላት ፋይናንስ እናሰርሐ እንከሎ፡ ንሱን ሚስተር ሶንኮን ብልሽውና ንምምካት ኢሎም ሓይሊ ዕማም ፈጢሮም እዮም።
ንህዝቢ ሰኔጋል ብዝበለጸ ንምግልጋል፡ ውዕላት ጋዝ፡ ነዳዲ፡ ምግፋፍ ዓሳን ምክልኻልን ኵሎም ብልዝብ ክካየዱ ኣለዎም ዝብል መርገጺ ዘለዎ እቲ ሕሩይ ፕረዚደንት፡ ነቲ ምስ ዩሮ ዝተኣሳሰረን ብመግዛእታዊት ሓይሊ ነበር ፈረንሳ ዝድገፍን ብዙሕ ዝንቀፍ ባጤራ ፍራንክ ‘ሲኤፍኤ’ ክኣልዮ ምዃኑ ገሊጹ።
ነቲ ባጤራ ንምቕያር ቀሊል'ኳ እንተዘይኰነ ብሓድሽ ባጤራ ሰኔጋል ወይ ዞባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ክቕይሮ’ዩ ዝደሊ።
"ፈለማ ምስ እብ ባይታ ዘሎ ክውንነት መስርሕ ባጀት ክገጥም ክግደድ'ዩ፣ ግን ብዙሕ ህንጡይነት ከም ዘለዎ ይርኢ ኣለኹ" ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ኣሚናታ ቱረ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ናጽነት ፍርዲ ምሕያልን ንብዙሕ መንእሰይ ህዝቢ ሰኔጋል ስራሕ ምፍጣርን እውን ንሚስተር ፋየ ቀንዲ ቀዳምነታት ከምዝዀኑ’ውን እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ተዛሪባ።
ነቲ ወዲ 44 ዓመት ሕሩይ ፕረዚደንት ድጋፋ ዝሃበት ንሳ ጥራይ ኣይኰነትን። ፕረዚደንት ሰኔጋል ነበር ዓብዱላየ ዋደ እውን መረጻ ክካየድ ክልተ መዓልቲ ምስተረፎ ነቲ መንእሰይ ፖለቲከኛ ድጋፉ ሂቡ።
ነቲ 11 ኣዋርሕ ብናዕቢ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈ ሚስተር ፋየ፡ ዘደንቕ ለውጢ እዩ።
'ባሲሩ ኣነ እየ'
ባሲሩ ዲዮማየ ፋየ ኣብ ለካቲት ዝተሓጽየ ነቲ ምዕሩግ ተቓዋሚ ፖለቲካ ዑስማነ ሶንኮ ተኪኡ እዩ። ሚስተር ሶንኮ ብሓበን “ልዕለይ ቅኑዕ ዝዀነ ሰብ’ዩ ምበልኩ" ኢሉ።
ክልቲኦም ነቲ ሕጂ ተበታቲኑ ዘሎ ሰልፊ ፓስተፍ ዝመስረቱ ኰይኖም፡ ክልቲኦም ሰራሕተኛታት ኣታዊ ግብሪ እዮም ነይሮም።
ክልቲኦም ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖለቲካዊ ድርኺት ኣለዎም ብዝበልዎ ክሲ ተኣሲሮም።
ሚስተር ሶንኮ ኣብ መወዳእታ ብኽልተ ገበናት ስለዝተፈረደ ካብቲ መረጻ ተኸልኪሉ ማለት እዩ። ስለዝዀነ ሚስተር ፋየ ንሶንኮ ተኪኡ ክወዳደር ግድን ኰይኑ።
ሚስተር ሶንኮ ኣብ ቀረባ እዋን ንደገፍቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ባሲሩ ኣነ እየ" ኢሉ። "ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገጽ ማለት እዮም" ይብል መሳርሕቶም ሙስጣፋ ሳረ።
እዚ ድማ ሚስተር ፋየ “ስማዊ ፕረዚደንት" ጥራይ እዩ ዝብል ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።
ምስቲ ሓሳብ ዘይሰማማዕ ተንታኒ ፖለቲካ ሚስተር ታይን፡ “ርክብ እዞም ብጾት ሓድሽ ቅዲ ኣመራርሓ ከተኣታቱ ይኽእል እዩ” ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
ኣብ ሓደ እዋን ሚስተር ፋየ ምስ ፖለቲካ ዝዀነ ርክብ ክህልዎ ኣይደልን ነይሩ። “ናብ ኣእምሮይ ቅጅል ኢሉኒ ኣይፈልጥን ዝነበረ" ክብል ኣብ 2019 ተዛሪቡ ነይሩ።
ሓደ ካብ ጀጋኑ ሚስተር ፋየ፡ ነፍስሄር ሰኔጋላዊ ጸሓፊ ታሪኽ ቸክ ኣንታ ዲዮፕ ከምዝዀነ ይንገር።
ሚስተር ፋየ ንዓወት ከምዝተቐራረበ ምስተፈለጠ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካር ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ መኪናኦም ቀርኒ ተኺሎምን ሙዚቃ ዓው ኣቢሎም ብምድራፍን ኣኽቢሮም።
ካብ ኣህጉራዊ መራሕቲ ዝተረኸበ ግብረ መልሲ ውሑድ ኰይኑ፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ፕረዚደንትነት ሚስተር ፋየ ነቲ ንንግዲ ዝምችእ ፖሊሲታት እታ ሃገር ከጉድሎ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣውፈርቲ ከምዘሎ ይሕብር።
እቲ መረጻ፡ ፈለማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ'ኳ እንተነበረ ሚስተር ሳል ግን ጐስጓስ ቅድሚ ምጅማሩ ኣወንዚፍዎ ብምንባሩ ናዕብን ቅልውላውን ኣበጊሱ።
መብዛሕትኦም ሕጹያት እቲ ሓድሽ ዕለት መረጻ ምስ ተነጸረ ንምድላው ኣዝዩ ውሑድ ግዜ ነይርዎም። ሚስተር ፋየ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ጥራይ ነይርዎ።
ዋላ'ኳ እቲ ግዜ ጐስጓስ እንተሓጸረ፡ ዜጋታት ሰኔጋል ወጺኦም ድምጾም ክጥቀሙ ቈሪጾም ከም ዝወሰኑ ክሪስቶፈር ፎሙንዮህ ካብ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ትካል ኣህጉራዊ ጉዳያት ንቢቢሲ ኒውስደይ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







