ኲናት ዩክረይን፡ ብሪጣንያ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይል ናብ ዩክረይን ክትልእኽ’ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሪጣንያ ንመጠንቀቕታታት ሩስያ ዕሽሽ ብምባል፡ ንፈለማ እዋን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይላት ናብ ዩክረይን ክትልእኽ ምዃና ገሊጻ።
እቲ ኤም270 ዝበሃል ብዙሕ ሮኬታት ዝውንጭፍ ኣጽዋር፡ ዩክረይን ንርእሳ ክትከላኸል ዝሕግዝ ምዃኑ፡ ጸሓፊ ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋላስ ገሊጹ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ዛጊት ክንደይ ኣጽዋር ከምዝልእኽ ኣየነጸረን።
ኣሜሪካ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓተ ሮኬት ትልእኽ ከምዘላ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።
ሞስኮ ብተበግሶ ኣሜሪካ ከም እተቘጥዐት ድሮ ገሊጻ ኣላ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራት ምዕራብ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ኣጽዋራት ናብ ዩክረይን እንተልኢኸን፡ ሃገሩ ንዝርዝር ናይቶም ኣብ ዩክረይን መጥቃዕቲ ክተካይደሎም ፈልያቶም ዝጸንሐት ዒላማታት ክተስፍሖ ምዃና ሓቢሩ።
ኣባላት ሰራዊት ዩክረይን ንኣጠቓቕማ እቲ ኣጽዋር ብዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ብሪጣንያ ስልጠና ክወሃቦም ምዃኑ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።
ጸሓፊ ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋላስ ነቲ ተበግሶ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ስልቲ ሩስያ መልክዑ ክቕይር ከሎ፡ ንዩክረይን እንገብሮ ሓገዝ’ውን ክቕይር የድሊ፡” ኢሉ።
ብሪጣንያን ኣሜሪካን፡ ንዩክረይን ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሳ'ኳ እንተኾና፡ ዝማዕበለ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሮኬት ክህባ ምውሳነን ግን ዓቢይ ለውጢ ምዃኑ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጆናታን ቤል ይገልጽ።
ብዘይካ’ዚ ዩክረይን ንደብዳብ ከቢድ ብረት ሩስያ ኣብ ምምጥጣን ተጸጊማ ከምዘላ ዘመላኽት ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።
እቲ ኤም270 ዝበሃል ስርዓተ ሮኬት፡ ኣብ ሓደ ደቒቕ 12 ሚሳይላት ዝውንጭፍን ክሳዕ 80 ኪሜ ርሕቐት ንዝርከብ ዒላማ ብልክዕ ክሃርም ዝኽእልን እዩ።
ምስቲ ኣሜረካ ናብ ዩክረይን ትልእኾ ዘላ ኤም 142 ዝተሰመየ ስርዓተ ሮኬት ተመሳሳሊ ምዃኑ’ውን ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ ኣርባዕተ ኤም142 ዝዓይነቱ ስርዓተ ሮኬት ናብ ዩክረይን ክትልእኽ ምዃና ገሊጻ እያ።
ዩክረይን ነቲ ኣጽዋር ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንዝርከብ ዒላማታት ንምህራም ከም ዘይትጥቀመሉ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







