ፕረዚደንት ማክሮን፡ ንሩስያ ‘ኣይተዋርዱ’ ብምባሉ ዩክሬይን ተቘጢዓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብዝፈጸመቶ ወራር ክትዋረድ የብላን ብምባሉ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ዩክሬይን ቁጥዕኡ ገሊጹ።
ማክሮን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ካብቲ “መሰረታዊ ስሕተት” ኢሉ ዝጸውዖ ወራር ሩስያ መዋጽኦ ነይሩዎ’ዩ ኢሉ።
ዲምትሮ ኩሌባ ግን፡ መላፍንቲ ሃገራት “ሩስያ ዓርሳ ዘዋረደት” ስለ ዝዀነት “ሩስያ ከመይ ልክዓ ክትሕዝ ትኽእል ኣብ ዝብል ትኹረት ክገብራ” ይሓይሽ ኢሉ።
ፕረዚደንት ማክሮን ብተደጋጋሚ ብስልኪ ምስ ፑቲን ዝተዘራረበ ኰይኑ፡ ምቁራጽ ተጻብኦን ልዝባትን ክግበር ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ’ዩ።
እዚ ኽኣ፡ ካብቲ ኣመሪካን ብሪጣኒያን ሒዘንኦ ዘለዋ መርገጺ ዝተፈለየ’ዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኩሌባ፡ “ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝበጽሕ ውርደት ንምውጋድ ዝግበሩ ጻዕርታት ንፈረንሳን ተመሳሳሊ ጻውዒት ንእትገብር ሃገርን ጥራሕ ዘዋርዱ ክዀኑ’ዮም” ኢሉ።
ዩክሬይን፡ ሩስያ ማሕበረሰብ ዓለም ዝዀነኖ ጨካን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ብዝፈጸመቶ ወራር ካብ ዩክሬይን እትወስዶ ግዝኣት ኣይህልውን ትብል።
ቅድም ኢሉ፡ ፕረዚደንት ማክሮን ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል መራሒ ሩስያ “ንርእሱ ኣግሊሉ” እዩ ዘሎ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
“ንህዝቡ፣ ንርእሱን ንታሪኽን መሰረታውን ታሪካውን ስሕተት ዝፈጸመ ይመስለኒ፤ ንባዕሉ’ውን ነጊረዮ’የ። ንርእስኻ ምግላል ሓደ ነገር’ዩ፤ ግን ድማ ካብኡ ንምውጻእ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ማሪዮ ድራጊ ብወገኑ ኤውሮጳ “ገለ ተኣማኒ ልዝባት” የድልዮ እዩ ክብል ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







