ኲናት ዩክረይን፡ ኣፍሪቃውያን ግዳያት ናይቲ ግጭት ምዃኖም ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብላኼማ ግዳያት ኲናት ዩክረይን ስለዝዀና፡ እቲ ወሪድወን ዘሎ ስቓየን ንምቅላል ሩስያ ክትሕግዝ ከምዝግባእ እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ - ፕረዚደንት ሰኔጋል - ኣብ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንቭላድሚር ፑቲን ተማሕጺንዎ።
ፕረዚደንት ማኪ ሳል፡ ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ዘተ፡ ፑቲን እቲ ንኣፍሪቃ ዝስደድ እኽልን ድኹዒን ከቃልል ቃል ከም ዝኣተወ’ኳ እንተገለጸ፡ ዝርዝር ግን ኣይሃበን።
ፑቲን፡ እቲ ሩስያ ወደባት ዩክረይን እኽሊ ንኸይሰድድ ትኽልክል ኣላ ዝብል ክሲ ነጺጉ።
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝሃልኽ ልዕሊ 40% ስርናይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሩስያን ዩክረይንን ዝኣቱ እዩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ዩክረይን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣገልግሎት ሰደድ ካብ ምሃብ ተዓጽየን ኣለዋ።
ዩክረይንን መሻርኽታን፡ ነተን ባዕላ ዩክረይን ካብ ማያዊ መጥቃዕቲ ሩስያ ሓጺራተን ዘላ ወደባት ንሰደድ ምዕጋታ፡ ንሩስያ ይወቅሳ።
ኣወሃሃዲ ቅልውላው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚን ዓዋድ ካብ ጀነቫ፡ "እቶም ወደባት ዘይምኽፋት ጥሜት ከስዕብ'ዩ" ክብል ሓደገኛነት ናይቲ ኵነታት ይገልጽ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ሕጽረት እኽሊ፡ ን1.4 ቢልዮን ህዝቢ ክጸሉን ጃምላዊ ስደት ከስዕብ ከምዝኽእልን ሓቢሩ።
እቲ ኲናት፡ ነቲ ድሮ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ሕማቕ ቀውዒን ጸጥታዊ ኵነታትን ክፍጠር ዝጸንሐ ሕጽረት ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ሩስያ፡ ንዩክረይን ዝወረረትሉ ካብ ዝወረረትሉ - ቅድሚ 100 መዓልታት ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዋጋታት መግቢ ክውስኽን እንከሎ ብዙሓት ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ኣለው።
ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ማይክ ዳንፎርድ፡ ልዕሊ 80 ሚልዮን ሰባት ኣብ ኣፍሪቃ ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎምን ኣብ ጥሜት ከምዝርከቡን ገሊጹ። እዚ ቑጽሪ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበር 50 ሚልዮን ወሲኹ ተራእዩ’ሎ።
ቻድ፡ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን መግቢ ኣዊጃ’ላ። ሓደ ሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮ ዝሕብሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ’ታ ሃገርን ድማ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ክግበር ጸዊዖም።
ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፡ ንፕረዚደንት ፑቲን፡ "ሃገራትና ዋላ'ውን ካብቲ ትያትር [ተግባር] ርሒቐን እንተሃለዋ፡ ግዳያት ናይዚ ቍጠባዊ ቅልውላው ምዃነን ክፈልጥ ኣለዎ፡" ክብል ገሊጹሉ።
ብተወሳኺ፡ ንኻልኦት ሃገራት ኤስያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ላቲን ኣሜሪካን ወኪሉ ይልምን ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።
ሩስያ፡ ንሰደድ እኽሊ ዩክረይን ብመንገዲ’ተን እትቈጻጸረን ወደባት ኣዞቭን ጸሊም ባሕርን ብውሑስ መገዲ ክልኣኽ፡ ውሕስነት ንምሃብ ድልውቲ ምዃና ፑቲን ገሊጹ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ቀረባ መሓዛ ሩስያ ዝኾነት ቤላሩስ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ምልዓልን፣ እኽሊ ኸኣ ብኡ መገዲ ክልኣኽን እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ።
ሩስያ፡ እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው መግቢ፡ ካብተን ውሕስነት መግቢ ዘይብለን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን፡ ገዚፍ ሓዲሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክፈጥር ስለዝዀነ፡ ንምዕራባውያን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከስዕብ ተስፋ ኣለዋ፡ ይብሉ ገለ ተንተንቲ።
ቅድሚ’ዚ ዓርቢ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ፑቲን ኵሉ ግዜ ኣብ ጐድኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፡ ንቅልውላው መግቢ እታ ኣህጉር ግን ኣየልዓለን።
ሰኔጋል ከም ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ግጭት ወገን ካብ ምሓዝ ተቘጢባ ከምዘላን፣ ቀረብ መግቢ ካብቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣንቢረናኦ ዘለዋ እገዳ "ወጻኢ" ክኸውን ከምግባእ፡ ፕረዚደንት ማኪ ገሊጹ።
ንሱ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ምስ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን ነዚ ነጥቢ ከም ዘቐመጠ’ውን ኣመልኪቱ።
ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንዓለማዊ ወሰኽ ዋጋታት ሓላፍነት ክስከማ ዝብል ሓሳብ ነጺግዎ።
"እዚ ወሰኽ ዋጋ ናይ ፑቲን እዩ። ኲናት ፑቲን፡ ንዋጋ መግቢ ኣዕብዩዎ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ዩክረይንን ሩስያን ፣ ንስርናይን ዕፉንን፡ መሰረታዊ ፍርያት ብዙሓት መግብታት ኣብ መላእ ዓለም ዝዀና፡ ክልተ ዓበይቲ መሶብ ሕብስቲ እየን፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







