ባይቶ ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ውሳነ ኣሕሊፉ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ስዊዘርላንድ፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ከም በዓል ሩዋንዳ ዝኣመሰለ ሳልሳይ ሃገር ከምዘይትሰጕግ ኣፍሊጣ።
ባይቶ እታ ሃገር፡ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስዳድ ዘኽእል ዝቐረበ እማመ መደብ፡ ብሰሉስ 19 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነጺግዎ።
እዚ እማመ ፈለማ ብኣባል ኣኽራሪ የማናዊ ሰልፊ ሊበራል ደምያን ሙለር ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ብሰነት እታ ሃገር ጸዲቝ ነይሩ።
ሙለር፡ ነቲ እማመ ኣብ ዘቕረበሉ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ጀሚሮም ዝተነጽጕ ስደተኛታት ኣህጉራዊ ውሕስነት ኣየድልዮምን እዩ ክብል መጕቱ።
ነዚኣቶም ምሓዝ ማለት ድማ ነቶም ውሕስነት ድሕነት ዘድልዮም ሰባት ዝኸውን ቦታን ዕድልን ምጽባብ ማለት እዩ ክብል ወሲኹ ተኸራኺሩ።
ሚኒስተር ፍትሒ ስዊዘርላንድ ኤልሳቤጥ ባውመ-ሽናይደር፡ ብሰሉስ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ቀሪባ ስዊዘርላንድ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መደብ ከተተግብር ሕጋዊ መሰረት የብላን ዝብል መከራኸሪ ነጥቢ ኣቐሚጣ ተቓዊማቶ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ እቲ ባይቶ፡ ብ96 ድምጺ፡ 91 ተቓውሞን 6 ድምጸ-ተኣቅቦን ነቲ እማመ ነጺግዎ።
ሓተትቲ ዕቑባ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥራዝ ዝብል ፖሊሲ ብቐንዱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከዛርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ናብቶም ብመትረብ እንግሊዝ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝቐንዐ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ልዕሊ 140 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ዝተገብረሉ፡ ስደተኛታት ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክውሰዱን ናብ ብሪጣንያ ከይምለሱን ዝብል ኣካታዒ ፖሊሲ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሚያዝያ 2022 ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ዝተኣታተወ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘካትዕ ዘሎ እዩ።
በዚ መደብ መሰረት፡ ቀዳማይ በረራ ኣብ ሰነ 2022 ክግበር እኳ ተተሊሙ እንተነበረ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡ ጣልቃ ኣትዩ ደው ከም ዘበሎ ይፍለጥ። ዛጊት በዚ መደብ'ዚ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰደደ ሓታቲ ዕቑባ ኸኣ የለን።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ድማ፡ እቲ ትልሚ በቲ ዘለዎ መልክዕ፡ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ወሲኑ ነይሩ፤ ኣብ ርእሲኡ ብዝተፈላለያ ሃይማኖታዊን ሰብኣዊን ትካላት ማራላዉን ሕጋውን ሕቶታትን ተሪር ነቐፌታን ኣኸቲሉ እዩ።
እቲ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ብሰሉስ ዝቐረበ መከራኸሪ ነጥቢ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስጓግ ዘኽእል ሕጋዊ መሰረት ምርኵስ ገይሩ እዩ።
ስዊዘርላንድ፡ ምስታ ብገማግም ማእከላይ ባሕሪ እትዋሰን ኢጣልያ ብዘለዋ ቅርበት፡ እቶም በብዓመቱ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሕቶ ዑቕባ ንምቕራብ ዝመርጽዋ ሃብታም ንእሽቶ ኣውሮጳዊት ሃገር እያ።
መዛግብቲ ስደተኛታት እታ ሃገር ከምዘመልክትዎ፡ ኣብ 2015 ናብ ኢጣልያ ካብ ዝሰገሩ 39 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ልዕሊ 20 ሽሕ ናብ ስዊዘርላንድ ሰጊሮም።
ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ግን ቍጽሪ ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኣብታ ሃገር ዝዓልቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ እናንቈልቈለ ክመጽእ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ 2022፡ ኣስታት 1,800 ጥራይ ተመዝጊቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







