ሕብረት ኣውሮጳ፡ ቅልውላው ስደትን ዑቕባን ንምፍታሕ ዝተበጽሐ ሰምምዕ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ዓቢ ወሰኽ ዘርኢ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ዝሕግዝ ዝበለኦ 'ሕግታተን ምሉእ ብምሉእ ንምምሕያሽ' ኣብ ስምምዕ በጺሐን ኣለዋ።
እዚ ስምምዕ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኵነታት ቅልውላው ኣድሂቡ ንሰሙናት ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱን፡ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ኢጣልያ ድማ ብዝሒ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ኣመና ድሕሪ ምውሳኹን'ዩ።
ብመሰረት እቲ ውጥን፡ ቅልውላው ስደተኛታት ዘጋጥመን ሃገራት ካብ ካልኦት ግዝኣታት ‘ናይ ምትሕግጋዝ ሓላፍነት’ ክሓታ ክኽእላ እየን።
ሓላፊት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ነቲ ውዕል "ናይ ብሓቂ ዓቢይ ለውጢ" ኢላ ንኢዳ።
እቲ ስምምዕ፡ ምስ ባይቶ ኣውሮጳ ዝግበር ዝርርብ ንቕድሚት ክስጕም ከምዝኽእል ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብ ሰነ 2024 ንዝካየድ ምርጫ ባይቶ ኣውሮጳ፡ ኣብ ግዚኡ ኣብ ጉዳይ ስደት ውዕል ንምእሳር ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ።
ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ’ውን ነዚ ኣልዒሉ፡ "ታሪኻዊ ነጥበ መቐይሮ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ መላእ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ስምምዕ ንኽብጻሕ ጸቕጢ ክግበር ነዊሕ ጸኒሑ እዩ።
ምኽንያቱ ኣብዚ ዓመት’ዚ ቍጽሪ ናይቶም ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ዝኸዱ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዓቢይ ወሰኽ ኣርእዩ።
ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ 133 ሽሕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ዳርጋ 190 ሽሕ ሰባት ናብ ገማግም ደቡባዊ ኣውሮጳ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ብውሕዱ 2,500 ድማ ኣብ ባሕሪ ከም ዝሞቱ- መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ብጸረ-ስደተኛታት መርገጺኣ እትፍለጥ ኢጣልያዊት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ኣብ ቅድመ-ግንባር ገምገም ባሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት፡ ምስቲ ልዑል ቍጽሪ ስደተኛታት ይቃለሳ ከምዘለዋ ኣጠንቂቓ።
እዚታት ብዘበገሶ፡ እቲ ንሳ እትመርሖ መንግስቲ ምስ ጀርመን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ኣትዩ ይርከብ።
በርሊን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወት ሰባት ኣብ ምድሓን ዝወፍራ ማሕበራት ግብረ-ሰናይ ክትንእድ እንከላ፡ ሚስ ሜሎኒ ግን ነቶም ዘድሓናኦም ክከናኸና ዘለወን እተን ወነንቲ መራኽብ ድሕነት ዝዀና ሃገራት እየን ኢላ። ዝበዝሓ ካብተን መራኽብ ድሕነት ኣብ ጀርመን ዝተመዝገባ ምዃነን ይንገር።
እዚ ዜና ስምምዕ፡ ትማሊ ረቡዕ ካብ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝመጸ ኰይኑ፡ እዚ ቅድሚ እቲ ዓርቢ ኣብ ከተማ ግራናዳ-ስጳኛ ዝእንገድ ዋዕላ ሕብረት ኣውሮጳ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣባል ሃገራት ኣብ እዋን ቅልውላው ዑቕባን ስደትን ሕግታት ከስተኻኽላ ዘኽእለን መቓን ክወሃበን ምዃኑ ገሊጹ።
በዚ መሰረት፡ ቅልውላው ስደተኛታት ዝገጥመን ሃገራት ካብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ "ናይ ምትሕግጋዝ ሓላፍነት" ክሓታ ክኽእላ እየን፤ እዚ ድማ ዑቕባ ወይ ሓለዋ ንዝሓቱ ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዛ፡ ንሕቶታት ዑቕባ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ክወስዳ፡ ወይ ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብራ ክግደዳ እየን።
ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ማርጋሪቲስ ሺናስ፡ ነቲ ውዕል "ናይ መወዳእታ ጐደሎ ዝመልእ" ፓኬጅ ኢላቶ።
"ሓላፍነት ወሰናስን ዶብና ፡ ናብተን ተፈጥሮ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዘቐመጠን ሓሙሽተ ሃገራት ምግዳፍ፡ ብሞራል፡ ፖለቲካውን ሕጋውን ኢ-ፍትሓዊ እዩ። እዚ ሓባራዊ ዕማም'ዩ" ክብል ገሊጹ።
ፖላንድን ሃንጋሪን ብቐጻሊ ናብ ካልኦት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ምውሳድ ኣብየን ጸኒሐን እየን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ፒተር ስዚጃርቶ፡ “ብራስለስ ንዘይሕጋዊ ስደተኛታት ከም ማግኔት ኰይና ትሰርሕ ኣላ” ክብል ከሲሱ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ ዝመጽእ ሰነ ዝካየድ መረጻ ባይቶ ኣውሮጳ፡ ስደት ደው ከብሉ ዝደልዩ ፖለቲከኛታት ናብ ብራስለስ ከምጽእ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ንውዕል ስደት ዝገብርዎ ተቓውሞ ግን ነቲ ውዕል ንምግታእ እኹል ድምጺ ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ን65% ካብ ህዝቢ ዝውክላ 15 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ እኹል ዝበዝሐ ድምጺ ስለ ዝሓትት።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ ፈርናንዶ ግራንደ-ማርላስካ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ስልጣኑ ምስ ፓርላማ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ከምዘሎ ገሊጹ።
ቍጽሪ ናይቶም ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣትዉ ዘይስሩዓት ስደተኛታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብማእከላይ ባሕሪ ጥራይ ኣይኰነን።
ስሎቫክያ ዳርጋ 40 ሽሕ ዶባታ ሰጊሮም ብቐንዱ ካብ ኣፍጋኒስታንን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ስደተኛታት ከምዘለዉ፣ እዚ ድማ ኣብ ብራቲስላቫን ካልእ ቦታታት ማእከላይ ኣውሮጳን ፖለቲካዊ ወጥሪ ከምዘልዓለ ትገልጽ።
ፖላንድ፡ ኦስትርያን ቸክ ሪፓብሊክን ኵለን ብረቡዕ ኣብ ዶባት ምስ ስሎቫክያ ቍጽጽር ኣካይደን እየን። መንግስቲ ስሎቫክያ ንሎሚ ሓሙስ ምስ ሃንጋሪ ኣብ ግዝያዊ ቍጽጽር መሳገሪታት ክገብር እዩ።
ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኵለን ኣካል ናይቲ ካብ ዶባት-ነጻ ዝዀነ ዞባ ሸንገን ኰይነን፡ እዚ ድማ ነቲ ዝውስኽ ዘይስሩዕ ስደት ንምጽዋር ንግዚኡ ምቍጽጻር ክገብራ ይሕግዘን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







